ህንፀት ግድብ : ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዘይ ምንም ምዝንጋዕ ይሳለጥ ኣሎ-ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ

ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዘይ ምንም ምዝንጋዕ ይሳለጥ ከምዘሎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሃንደበታዊ ሞት ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢተዮጵያ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ስዒቡ፥ “ህንፀት እቲ ግድብ ደው ክብል ይኽእል’ዩ” ዝብሉ ወረታት ምንፋሶም ኣብ ሕብረተሰብ…
Read More...

ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከካይዱ ዝፀንሑ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ነፈርቲ ናብ ስራሖም ተመሊሶም

ንቡዙሓት መዓልታት ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከካይዱ ዝፀንሑ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ነፈርቲ በዓል ስልጣን ስቪል ኣቬሺን ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ኣቲዮም። ዳይሬክተር ጀነራል እቲ በዓል ስልጣን ኮሎኔል ወሰንየለህ ሁነኛው ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝተዛረብዎ፥ እቶም…
Read More...

መዕርፎ ነፈርቲ: ኣብ ከተማ ብሸፍቱ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ክህነፅ ኢዩ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ብሸፍቱ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝህነፅ ኣፍሊጡ። ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም ንፋና ድሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ነቲ ዝህነፅ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ንምጅማር ዘኽእል ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ነዚ…
Read More...

“ዝሓለፈ 27 ዓመት ዓዲ ጠፊኣ!” ንዝብል ትኽክል ኢኻ ኢልካ ትቕበሎ እንተኾንኻ ፀገም’ዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕጊ ዝነበሩ ደሓር ድማ ክሳብ ሓላፊ ሚኒስትር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ፌዴሪኢ ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም። ሕዚ ድማ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት/ኢህወዴግን ኣማኻሪ ጉዳያት ፖለቲካ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኮይኖም…
Read More...

ዓመታዊ ዝሳለጥ ዉድድር ዓብዩ ጉያ ናትና ወጋገን ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ

እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ ሰንበት ብኣሰናዳእነት “ናትና ስፖርት ኤቨንትስ” ዝተሳለጠ ዉድድር ዓብዩ ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ኮይኑ ነበርቲ ከተማ መቐለ ን ከባቢኣን ተሳቲፎምሉ እዮም:: ኣብቲ ዉድድር ብደቂ ተባዕትዮ ሓጎስ ገብረሂወት ካብ ጋንታ መስፍን ኢንዳስትሪያል…
Read More...

ጋንታ ስሑል ሽረ ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ተፀንቢራ

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስሑል ሽረ ንጋንታ ጂማ ኣባ ብምርታዕ ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ተፀንቢራ። እቲ ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ሃዋሳ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ጋንታ ስሑል ሽረ 2ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምርታዕ ኣብ ዓመተ 2011 ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ መበል ሳልሰይቲ ኮይና…
Read More...

መርከብ ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ሎሚ መዓልቲ ናብ ወደብ ምፅዋዕ ኣቲያ

መርከብ ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ናብ ወደብ ኤርትራ፣ ምፅዋዕ ሎሚ መዓልቲ ኣቲያ። እታ “መቐለ” ዝብል ስያመ ዘለዋ መርከብ፥ 110 ሺሕ ኩንታል ፅዕነት ኤርትራ ብምሓዝ ናብ ቻይና ከምእትጓዓዝ እውን ተሓቢሩ። ትካል ኣገልግሎት መጓዓዚያን ሎጅስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ መርበብ…
Read More...

ሕገ-መንግስትን ፌዴራላዊ ስርዓትን ንዘፍርሱ ሓይልታት ከምዝቃለሶም መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ

ኣብዚ እዋን ሕገ-መንግስቲን ፌዴራላዊ ስርዓትን ሃገርና ኣብ ምፍራስ ሓደጋ ጥሒሉ ከምዘሎን ነዚ ድማ ህወሓት ዝመርሖ መንግስት ትግራይ ብትሪ ብምኹናን ከምዝቃለስዎን ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም። ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብዚ ቐረባ…
Read More...

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ወደብ ዓሰምን ምፅዋዕን ዑደት ኣካይዶም

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ቻይና ኣብ ዝተሳለጠ ፎረም ቻይና ኣፍሪካ ዝነበሮም ፃንሒት ብምዝዛም ዓሰብ፣ ኤርትራ ሎሚ ንጎሆ ኣትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዓሰብ እንትበፅሑ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራን…
Read More...

ማእኸላይ ኮሚቴ ኦህዴድ ስሩዕ ኣኼባ የሳልጥ ኣሎ

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ኦህዴድ ስሩዕ ኣኼባ የሳልጥ ኣሎ። እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ ኣኼብኡ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝካየድ መበል ታሽዓይ ጉባኤ እቲ ውድብ ዝህልዉ ኣጀንዳታት ብዝምልከት ዘተ ከምዘካይድ ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ኦህዴድ ኣፍሊጡ።…
Read More...