መለስ ኣንፃር ፎኮይዝም
ስብሓት ገ/እግዚኣብሄር
መሰረታዊ ለውጢ ሕብረተሰብ ዝረጋገፅ ብንጡፍ ተሳትፎን ማዕበላዊ ሓይሊ ሓፋሽ ኣይኮነን። ብሱሉን ንፁርን ርእዮተ ዓለማውን ስነ-ሓሳባውን መስመራት ብኑን እዩ። ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን መንፈሳውን ትሕዝቶ ሕብረተሰብ ብዝግባእ ከይተ ንተኑ፣ ኣገዳስነት መሪሕፖለቲካዊ ሰልፊ ጐስዮም ብምሕ ላፍ ኣብ ውልቀ ተሳትፎ ይኣምኑ። ሓፋሽ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ክውደብ ፣ ፖለቲካዊ ብስለቱ ክዓቢ ዘኽእልስራሕ ኣይሰ ርሑን። ማሕበ ረሰባዊ ለውጢ ምስ ፖለቲካን ኢኮኖ ሚን ዝተጠናነገ ባህርያት ዝወነነ፣ ነቲ ቃልሲ ድማ ብትንታግ ሓዊ ወያነዝዕወት ምዃኑ ዝኻሓዱ እዮም። እምበኣር ከስ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ማሕበ ራውን ፖለቲካውን ፍል ስፍና “ፎኮይዝም Focoism ተባሂሉይፅዋዕ።
እዚ ንምልዓል ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነና ድማ እቲ ውሩይ ወያናይ ዴሞክራት ሶሻል ሳይንቲስ መለስ ዜናዊ ነዚ ኣምር ኣምሪሩ በቲ ዘይነፅፍብርዑ ተቓሊስዎ። ዝኾነ ዓይነት ማሕ በራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጢ ዝረጋገፅ ናይ ሓፋሽ ሓቀኛን ርት ዓውን ክታም እንትዓርፎእዩ።
ሱታፌ ህዝቢ ዘይብሉ ወያነ ፍፁም ክዕወት ከምዘ ይኽእል ብግብራዊ እማኝ ተንቲኑ፣ ፅሒፉን ሞጒቱን እዩ። ንነብ ስኻ ኣብ ዘይግባእናሕሲ ኣቐሚጥካ ፣ ንፁር መስመራትን እም ነትን ከይሓዝካ ዝመፅእ ለውጢ የለን። ኩሎም ቃልስታት ሓፋሽ ከዕስሉ፣ ንሓቀኛ ማሕበራውንቁጠባውን ፍትሕን እንትቃለሱ ኩሉ ይሰምር። ዘጋጥሙ ፀገማትን ማእለ ማታትን ድማ ብቀላፅም ሓፋሽ ሓመድ ድበ ይኣቱ። ህዝቢ ሰረትዘለኣለማዊ ለውጥን ሓይልን እዩ።
ንፍትሕን ሓርነትን ምዕባለን ለውጥን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንቕድሚት ዝእንፍቱ ገስገስቲ ሓሳባት ብመሪሕ ውድብ እናተመርሑ ናብቲዘይተ ርፍ ናሕሲ ምዕባለ ይበፅሑ። እዚ ሓቂ ድማ ካብ ዜና መወእል ገድሊ ዝተመሃርናዮ፣ በዲያሌቲካል መስመርና ተነፍዩ፣ ነፂሩ ዝወፀ ኣስተምህሮታት ስሙይ መራሒናመለስ ዜናዊ እዩ።
ሕዚ እውን ብቐፃልነት power to the people ወናኒ ስልጣን ህዝቢ እዩ። ዝብል እምነት፣ ማሕበራ ውን ፖለቲካውን ፍልስፍናታት መለስዜናዊ ናብ ሓፋሽ ክሰርፁ ከቢድ ፃዕሪ የድሊ። ኣብ ዝተፈላለዩ ፀፍሒ ዝርከቡ ካድረታት በብእዋኑ ነዚ ዶክትሪን ክሰፍሑን ክዕቅቡን ድማዚያዳ ሓላፍነት ኣለዎም።