Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ውዳበ ፌደራል ሥላም ንምዕሳል ፤

0 301

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ውዳበ ፌደራል ሥላም ንምዕሳል ፤

ብማህደር ተከዘ

ንዝሓለፉ ልዕሊ 25 ዓመታት  አብ ክልላትን ፈዴራላዊ መንግስትን ዝነበረ ርክብ አብ ምትህልላይን አብ ዓርሰ ውሳነ ክልላትን ዝተደረኸ ከምዝኾነ ግህዱን ኑቡርን እዩ ፡፡ ካብ ዝሃለፉ ክልተ ዓማውቲ ብፍላይ እቱ ናይ መወዳእታ ዝተብሃለ ተሃድሶ አሐት ውድባት ኢወዴግ ንነጀው ግን አብ ሞንጎ ክልላትን ፌዴራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝሓርፈፈ ርክብን ዜይምስምማዕን ውጥም ቅልቅል ይብል አሎ ዝብሉ ፖለቲከኛታት ንሰምዕን ንርዕይ አለና ፡፡

አብ ሞንጎ  መንግስታት ክልላላትን ፌዴራላዊ መንግስትን ዘለዉ ምትእስሳራት ዝጠበቐ አይመስልን ብምባል ብኽልቲኡ ወገን ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንህዝቢ ዘይነጸረሉ ግን ድማ ፖለቲካዊ ትርጉሙ አንዳሓየለ ማሕበረ ቑጠባዉን ፖለቲካዉን ርክብ ህዝብታት እነዳላህለኸ ከይኸውን ጥንቃቐ ክግበር ግባዕ ፡፡ እዞም ከምዚ ንዓይነቶም ርክባት ፌዴራላዊ መንግሥትን ክልላት ካብኡ ንላዕሊ ድማ ክልላት ምስ ክልላት ብዝተወሰነ መልክዑ ዝርአ ዘሎ በለካ ለኸዐካ  ሰላማዊ ብዝኾነ ርክብ ህዝቢ ንህዘቢ ክህሉ ዝገብሩ ስሩዓትን ስሩዓት ዘይኾኑን መድረኻት ብምድላዉ ምምይጥ ከምዘድሊ ቅቡል ክግበር ይግብኦ ።

ንአብነት አብሞንጎ ክልላት ዝፍጠር ናይ ዶብ ጉዳያት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልል መንግስታት ምስ ጎራብቲ ክልል መንግሥታት ምኩሩኳህ ከይፈጥር እተን ዝፍጠራ ምኩሩኳህ አብ እዋኑ ክንፈትህ እንተተኽኢሉ እቶም ጽንፊ ሂዞም ዘይንህና ትሃለቕቲ ህዝቢ የለን ዝብሉን አብ ሞንጎ ፌዴራልን ክልላትን ምክብባር ከምዘይለ ገይሮም ንቕጥፈታዊ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሥራህቶም መሳለጢ ገይሮም ንኽውስዱ ዝህውቱቱ ዘለዉ ዕሱባት ጠጠው በል ክባሃሉ ይግባእ ፡፡ ነዚ ክንነረጋግጸሉ እንኽእለሉ ባይታ እውን ንምባል ዝአክል እንተይኮነስ ንአብነት አብ ሃገራዊ ጸጥታ ንቑህ ባይታ ንክህልዎ ተገይሩ ዝተጣየሸ ናይ ፀጥታን ደህንነት ቤት ምኽሪ ክህልዎ ዝኽእል ዘይተሃለለ ናይ ምርግጋዕ እጃም ካብ ሀዚ ዝግበረ ዘሎ ሃለዋ ንላዕሊ ምውስዋስ እንተተኽኢሉ ካብ እዚ ዝሃሸ ህብረትን ስምምዕነትን አይህሉን ፡፡ ብኻሊእ መዳይ እተን ናይ ክልል ጻጥታን ደህንነትን ዋርድያ ህዝቢ ኮይነን ዝሠርሃ ውድባት ምስ ናይ ፌደራል መንግሥቲ ማሃውራት እንደተናበባ ብዝገብርኦ ሃለዋ ፀጥታን ድህንነት ህዝቢን ዝተጠናኸረ ምኳኑ ምስተረድኡ እቶም ፅነፈኛታት አደብ ምግዛእ ይጀምሩ ድአምበር ካብዚ ንላዕሊ ዝዓዘዘ ሃበራዊ ክትትል ከምዘድልዮም ግን ርድኡ ምግባር ይግባእ ፡፡

ብኻሊእ ወገን አብ ሞንጎ ጎራብቲ ክልላዊ ህዝብታት ብዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕን ጎንፅን ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ህዝብታት መሊሥካ ንምጥያሽ ብዝተገበረ ሃበራዊ ምንቅስቃስ ፌዲራል መንግሥትን ክልላትን ናብ 800000000 / ሾመንተ ምኢቲ ሚሊዮን /ዝአክል ቅርሺ ዝተመደበ እንትኸውን ብተመሳሰሊ ተወሳኺ 900000000 / ትሽዓተ ምኢቲ ሚሊዮን/ ቅረሺ ተመዲቡ እቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት መሊስካ ንምጥያሽን ናብ ዝነበርወዎ ሥሩዕ መነባብሮ ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ፃእሪ ናይ እቱ ህቡር ምንቅስቃስ አብይ መርዓያ እዩ ፡፡ እዚ ከምዚ እንዳሃለየ እቶ ብጸቢብ አታሃሳስባ ዝተተንከፉ ጉጅለታታት ፀረ ስላምን ድህንነት ምኳኖም ብዘየገድስ ሎሚ ረኸብናያ ሎሚ ሰዓናያ ንዝዓይነቱ ሰራመሪ ብምፍሓስ እቱ በብኸልሉ ብአወዳድባ ፌዴራላዊ ሥርዓት ዝተወደባ ክልላዊ ውዳበ ካብ አሰራርሐ ፈዴራላዊ መንግስቲ ንምንፃል ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዒሪ ነዊህ መንገዲ ከጓዕዞም ከምዘይኽእል ርድኡ እዩ ፡፡ ተዜኮነ ግን እቱ ዓለም ዝመስከረሉን ንዝሃለፈ 26 ዓማውቲ ቅቡል ተገይሩ ብሥሩዕ ብሄር ብሄረሰባት መንነት መልክዕ ዝሃዘሉን ንኸይምለሥ ትምክህቲ ዓራርቦ ዘፋነየሉ ሥርዓት ፌዴራላዊ ውዳበ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳጠጠኸ ይኸይድ ድአምበር ድህሪ ሐዚ ናብ ድህሪት ዝምለሰሉ ባይታ ከምዘይለ ምስትምቓር ይግባእ ፡፡

ፌዴራላዊ ውዳበን ርክብ ፌዴራል መንግስትን ክልላዊ መንግሠትን ክህሰብ ከሎ  ካብ ፀጥታን ደሕንነትን ኢትዮጵያዉያንን ተነጺሎም ዝረኣዩ ጉዳያት ስለዘይኾኑ፤ ኣብ ሞንጎ እተን ክልላትን ፌዴራላዊ መንግስት ናብ ሓደ መኣዲ ንምቕራብ ዝዓለመ መድረኽ እናዳተሰናደአ እቱ ዝነበረ ኑቡር ምትህልላይ ናብ ዝሃሸ ብርኪ ብምስግጋር ተበግሶ ንቕሓት ህዝቢ ብምዕባይ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ብምጉልባት ዝሀሸት ኢትዮጵያ ክንርኢ ይግብአና ፡፡

እቶም ዘረግቲ ሰላምን ደህንነት ህዝቢን አይኮነን ዶ አብ ሞንጎ ፌዴራልን ክልላዊ መንግስታትን ፤ ተሪፉስ አብሞንጎ ክልላዊ ህዝብታትውን ዝልዓለ ምግርጫው ከምዘሎ ብምግባር ንፕሮፖጋንዳዊ ሥራህቶም መሳለጢ ንምግባር ጸዐርዐር ክብሉ ንሪኦም ፡፡ እቱ ክፍለጥ ዝግብኦ አብ ጉዳይ፤  ቀደሙ’ዉን ህዝቢ ጽልኢ የብሉን ፡፡ ህዝቢ ሰላምን ደህንነትን  ክሕሰም ተራዕዩ አይፍለጥን ፡፡ ህዝቢ ንህዝቢ ዘራኽብ ባይታ ግና በሰፊህ ምድላዋት እንዳተዐጀበ መድርኻት  ክፍጠር ኣለዎ፡፡ ምኽንያቱም ንዓና ከምህዝቢ ሰላም’ዩ ዝረብሓና ። ህዝቢ ጉዳየይ ኢሉ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝካየዱ መድረኻት ክሳተፍ ኣለዎ። ዉሽጣዊ ምክፍፋል ይኣክል። ህዝቢ ባዕሉ መሪሕ እንተድኣ ኾይኑ፡ ዘይሰምዕ አመራርሐውን ኣይክህሉን ።

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy