Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ሃገርን ድሕንነት ህዝብን ዘስተንተነ ስምምዕነት አሃት ውድባት፤

0 356

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ሃገርን ድሕንነት ህዝብን ዘስተንተነ ስምምዕነት አሃት ውድባት፤

ብማህደር ተከዘ፤

አብቱ እዋን ኣኼባ ኢህወዴግ፤ ምይይጥ እቱ ውድብ ምሽጥራዊ ስለዝነበረ፡ እዚ ይኸዉን’ሎ ኢልኻ ንምዝራብ ኸቢድ ኾነ ፤ እንተኾነ ግና ነቶም ዝረኣዩ ዘለዉ ጎንጽታት ፍታሕ ሒዙ ክመጽእ’ዩ ዝብል ተስፋ ዝሃዘ ተባዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብትዕግስቲን ብሀንቀውታን ክጽበ ጀመረ ፡፡ እቶም ሰላም ዐዲ ድቃስ ዘስአኖም ጸላእቲ ህዝቢ ዝተፈላለየ ህልምታቶቶም ክፍንዉ ጀመሩ፡፡ ቀዳማይ መዓልቲ ንኻሊእ መዓልቲ እንዳወለደ ንቕድሚት ሰጎመ ፡፡ ኣኼባ አባላት አሃት ውድባት ኢህወዴግ ብዐውት ይስጉም ከምዘሎ መግለጺ ምስተውሃበ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምትቐደሙ ሃዲኡ አብስርሁ ዋዓለ ፡፡ ዩኒቨርሲትታት ዓበይቲ ትካላት እቱ ኣኼባ ኢህወዴግ ብስርዑን ብሰላምን ዝካየድ ዘሎ ምኽዋኑ ምስትዓዘባ እቱ ሰላማዊ ናይምምሃርን ምስትምሃረን ስራህተን ብስርዑ ክካይዳ ጀመራ፡፡

ከምዘይወግህ የለን ወገኸ ፡፡ ኣኼባ ኢህወዴግ ብስርዑን ብሰላምን ከምትዛዘመ ዘረጋግጽ መግልጺ ከምዝውሃብ መራኸቢ ሃፋሻት አቃለሓ ፡፡ ስዒቡ ድማ አቦወናብርቲ አባል ውድባት ኢህወዴግ ብሃባርን ብፈሸኽታን ብታህጓስ ገጽ ብርሃን ተላዊቦም ብዘተፈላለያ  ስምምእነት አኼበኦምን ቅዋም ውድባቶም ብመራኸቢ ሓፋሻት ብፍላይ ብመሽኮት ቴሌቪዥን ተዓዲሞም አብሰላምን ሰናይ ምምህዳርን ዝነበረ ህፅረታታ ንምእራም ብቕንዕነትን ብፀፀትን ከምዝርአይዎ አጋውሁ ፡፡  ዜጋታት ብታህጓስ ፌሽትኦም አቃልሁ፡፡

ኣብ ሞንጎ ብሄራዊ ውድባት ኢህወዴግ ዝትገበረ ፖለቲካዊ ንሕንሕ ሰዓራይን ተስኣራንይን  ዝኾነ ኣካል ከምዘይነበረ አቦወናብርቲ እተን አሓት ውድባት አትሪሮም ተዛረቡ፡፡ ግዳስ እቱ ውድብ ዝተጠናኸረ ሓይሊ ሒዙ እታ ሃገር ዝመርሓሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል’ዩ ዝብል ሙሉእ እምነት ከምዝሃዙ ሃበራዊ ሥምዒቶም ምኽዋኑ እናተሃረኑን  ብምሉእ ሓይሎም ዕንዳተሃጋገዙን ተዛረቡ፡፡ ካብኩሉ ንላእሊ አብታሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ብምግናህ ከምቀደሙ እቱ ውድብ ብመሪህነት ተዓዊቱ ክወጽእ ዘኽእሎ ኃይሊ ሒዙ ከምዝወፀ አርጊጾም ተዛረቡ ፡፡ ናይ እታ ዓዲ ወግዓዊ ኹነታት ብዕሊ ብምግምጋም እቱ ፖለቲካዊ  ሥነ-ምህዳር ካብ እቱ ኸዚ ዘለዎ ኩነታታ ብዓብዩ ንክሰፍእ ምስ ተናሃናህቲ ፖለቲካዊ ውድባት እነተይቀረየ አብ ምይይጥን ዲሞክራሲያዊ ምትእትታውን ዝተደረኸ ርክብ ንምፍጣር ከምዝሰርሁ ብዘይሸቑርር ኹነታታ ቃል አተዉ ፡፡

ህልዉና እቱ ፓርቲ ክቕጽልን እታ ሃገር ካብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከድሕኑ ዝደልዩን እንተኾይኖም ምስ ኩሎም ኣካላት ብምዝርራብ ነቶም ጸገማት ፍታሕ ንምምጻእ ክሰርሑ ከምዝተዳለው ብተደጋጋሚ አጠናኺሮምን ደጋጊሞምን ቃል አተዉ ። ብዝተፈላለየ ወነጀልን ግብረሽበራን ተኸሲሶም አብትህቲ ቀይዲ ዝርከቡ እሱራት ህጊ እታ ሃገርን ህገመንግሥታዊ ሥርዓትን ብዝፈቐዶ ናይ ምህረት አዋጅ ብህጊ ደረጃ መፍተሂ ንኽረክብ ጻዕሪ ከምዝግበር አቃልሁ ፡፡

እዝኒ ንምንታይ ተፈጢረካ እንተበልዎስ ንምስማዕ ኢሉ ይብሃል ፡፡ ብፅባሂቱ እቶም ፀረ ህዝቢ እቱ መግለጺ ሃበራዊ ውድባት ካሊእ መልክዕ ከትህዝዎ ተላወቡ ፡፡ እዝኒ ክሰምኦ ዝደለየ ድምፂ ብፈጠራ ተዓጂቡ ተጋወኸ ፡፡ ናይህሊናን ናይ ፖለቲካዊ እሱራት ንክፍትሁ እዮም ብምባል መራህቲ ኢህወደግ ታዛሪቦም ዝብል መሰረት ዘይብሉ ሃበሬታታት ካብ ወሰን ዓለም ናብ ካሊእ ወሰን ዓለም ተዋዓወአ ፡፡ እዚ ዝብል መንግስቲን ፓረቲን እንታሃልዩ ናይ ዕውዳት ማህበር ክኸውን አለዎ ፍፁም አይተባሃለን ዝብሉ ፅቡቕ እዝኒ ዘለዎም ብኻሊእ መአዘን ክትዒ ጀመሩ ፡፡ ብህገመንግስታዊ ሥርዓት ትምራህ ዓዲ ፖለቲካዊን ህሊናዊን እሱራት ክህልይዋ ከምዘይክእሉ ናይ ሎሚን ፅባሕን ቅዋም ኢወደግ ምኸዋኑ ናይ ቀረባን ናይ ርሁቕን ፀላእን ፈታዊን ብዕሊ ርዱእ ክገብሮ ይግባእ፡፡

ህልዉና እቲ ፓርቲ ክቕጽልን እታ ሃገር ካብ ዝኸፍአ ሓደጋን ዕንወትን ከትድሕን ኢህወዴግ ከምቱልማዱ ከም ንስር አሞራ እተን ዝአረጋ አኽናፋት ደብርዩ እታ መስመር ናብ ንቡር ሥረዒታ ንክትአትው ዘይትሃለለ ፃእሪ ተሃንጊጡ ንቐድሚት ንኽስድር   ተዳሊዉ አሎ ፡፡

ምስ ኩሎም ኣካላት ብምዝርራብ ነቶም ጸገማት ፍታሕ ንምምጻእ ክሰርሕ ከምዝተዳለወም አስሚሩሉ እዩ ።ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን፥ ልዕልነት ሕጊ፣ ድሕንነት ዜጋታትን ፀጥታ ዓድን ክሕሎን ንክኽበርን እንተየናህሰየ ከምዝሰርህውን ኢወዴግ ስግእ እንተይበለ ከምቱልሙድ ቅዋሙ አብሪሁ አሎ ። ንምጥቕላል ኣብታ ሃገር ዘሎ ዕግርግርን ዘይምርግጋዕን ንምህዳእ ዝግበር ዝኾነ ይኩን ፃዕሪ ዝደግፍ ሃይሊ ካብ ጎኑ ከይፍለውን ፃዊዒት አቕሪቡ አሎ ፡፡  እንተ አነ እሞ ያዕስ ኢወደገይ ኢለ አለኹ

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy