Artcles

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፤ፍልፍል ሰላምን ህብረትን እዩ፤

By Admin

January 23, 2018

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፤ፍልፍል ሰላምን ህብረትን እዩ፤

ብማህደር ተከዘ፤

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዓባይ ክህሰብ ከሎ ፤ ሳእቤንን ምስህሃብን ሱልስ ዓድታት ብፍላይ አብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ምክሩኳህ አይፍጠርን  ኢሉ ዘይአመተን ዘይሰተንተነን መራኸቢ ሃፋሽ አይነበረን፡፡ ግዳስ እቱ ንጡፍ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብናይ በዓልና ፍልፍል ቁጠባ ፤ ባዕልና ማሃንዲሳትን  ሃነጽቲን ኮይና ክንዛዝሞ ኢና ዝብል ዘይህለል መፈክር ሃንጊጥናን አብ ትህቲ ህንፀት ዓሪድናን ዛጊድ ሹድሽተ ዓማውቲ ቆፀርና፡፡ እቱ አብታሪክ ኢወድግን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሃፈሸኡ እቱ ንጡፍ ህዝቢ  ኢትዮጵ ብዝገበሮ ዘየትሃለለ ጻእሪ እቱ ታሪካዊ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እነሆ ናብ 63 % / ስልሳን ሥለስተን / ካብ ሚኢቲ ናብ ዝፅጋእ ዕብየት በጺሁ አሎ ፡፡  

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሩባ ኣባይ ንእተካይዶም ንጥፈታት ልምዓት ሃይሊ ኤሌክትሪክ ንታህተዎት ሃገራት ዝጎድእ ነገር ኣይንሰርሕን ኣብ ዝብል ሓሳብ ምፅናዕናውን አብዝተፈላለየ እዋን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እንትካየድ ከሎ ሃበሬታ ካብ ምውሃብ  ውዒልና አይንፈልጥን ። ይኹን’ምበር እዚ ዘተኣማምን ቴክኒካዊ ፅንዓት እቲ ግድብ ተግባራዊ እንተኸውንን ህንፀት እቲ ግድብ ንሱ መሰረት ገይሩ እንትኸይድን ናብ ዝበለጸ ምትእምማን ከሰጋግረና ከምዝኸእል ብምትእምማን እቱ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ሥራህቱ ከይትዓናቐፍ ብወገን ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ዘይትሃለለ ጻዕሪ ብፍላይ ሱዳን ካብእኡ ድማ ግብፂ ርድኡ ከምዝገብርኦ ንትአማመን ኢና።

ብፍላይ ናይ እተን ታህተዎት ሃገራት ድሌታት ማይ ክሳብ ዘይተተንከፈ  ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዓባይ ናይ ጎንፅን ምኩርኳህን ፍልፍል ክኸውን ከምዘይኽእል ብዕሊ ክፍለጥ ይግባዕ ፡፡ኣብ እቱ ዙርያ ግድብ ተፈጢሩ ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ ኣፅርዮም እቲ ተቛሪፁ ዝነበረ ልዝብ መሊሱ ንክጅመርን ሓደ መዓልቦ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ፃእርታት ዲፐሎማሲ እውን ክራጎድ ከምዝግብኦ ይእመን፡፡

ናይቲ ተፋሰስ ሰለስቲአን ምብራቓዊ ክፍሊ ሃገራት ማለት’ውን ኢትዮጵያ፥ ግብፅን ሱዳንን ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ጀሚረነኦ ዝነበራ ዝርርብ እነዳተጠናኸረ ንክኸይድ ዝግበር ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ እነዳተጠናኸረ እነተኸይዱ ከምቱ ፀላኢ ቀትርን ለይትን ዝሃልሞን ዘጋውሖ ሃጠው ቀጠው እንተይኮነስ ንተን ስሉሳት ዓድታት ከርብህ ዝክእል መደብ ልምዓት ሂዝና ንምንቅስቃስ ዘኽእል ጥጡህ ባይታ ከመዘሎ ምርድአ ይክአል ፡፡ እተን ሃገራት ኣብ ካልኦት ጉዳያት ማለትውን ምርድዳእ ዝተበፀሐሎም ሓባራዊ ጉዳያት ስምምዕ አብ እበፅሐሉ እማማት ፤ ፍሉይ አተኩሮት ሂበን እንተተንቀሳቂሰን  ናብ ዝሃሸ ዲሎማሲያዊ ርክብ ክሰጋገራ ከምዝኽእላ ርዱእ እዩ ፡፡

እቲ አብ ቀረባ እዋናት ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ብፍላይ አብ መንጎ ግብፅን ኢትዮጵያን  ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብያዊ ጉዳያት ምትሕብባር ንምፍጣር ጠቓሚ ከምዝኾነን ዘተባብዕ ምኳንውን ሃበሬታታት ክፍነው ይስማዕ አሎ ፡፡ ግብፂ ከኣ ኣብ መጋቢት 2015 ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ሓባራዊ መትከላት ከምእተኽብር እነዳረጋገፀት ትርከብ ። ካብኡ ብዝሃለፈ ግብፂ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት እውን ኢድና ኣይነእትውን እነዳበለት ብዝተፈላለለዩ ማዕኸላት ዜና ዝብሃል ዘሎ ዘረባታታት ብግብሪ ክተረጋግፆ ይግባእ ፡፡ አብቀረባ እዋን ዝካየድ ዘሎ  ዑደትውን  ትርጉም ዘለዎ ልዝብ ንኽካየድ ዓብይ በሪ ክኸፍት ከምዝኽእል ተስፋ ይግበር ።

ብዝትፈላላዩ እዋናት ዝተፈላለያ ዓለምለኻዊ መራኸቢ ኃፋሻት ክወሃቡ ዝፀንሑ መግለፂታት ከካትዑን ከዘራርቡን ከምዝነበሩ አብ ግምት ብምእታው ብፍላይ ስሙይ መራኸቢ ሃፋሻት ግብፂ ፤ እቱ አብ ማእኸል ሱሉስ ሃገራት ዝግበር ዘሎ  ሃበራዊ ክትዕ ናብ ፍረ ንኽሠጋገር ፍሉይ ሥራህቲ ክሰርሃ ከምዝግባእ ይእመን ፡፡

ምስዚ ተዛሚዱ ድማ፥ ኣብዚ ሰሙን ናይ ክልቲኦም ሃገራት ሓበራዊ ኮሚቴ  ዘካየዶ ሻድሻይ ኣኼብኡ ፤  እቱ ተጀሚሩ ዘሎ ዲፐሎማሲያዊ ርክብ ናብ ዝሃሸ ብርኪ ከምዘሸጋግሮ ብእምነት ቕቡል ብምግባር ፤ ካብ እዚ ናብዝሃሸ ረክብ ንምጥንካር ከምኩርናዕ እምኒ ከገልግል ከምዝኽእል ምትእምማን የድሊ፡፡

ብዝተረፈ  አብ ጉዳያት ዓብይ ሩባ ዓባይን፤  አብ ፖለቲካ ማይ ፖለቲካዊ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪካ ስይፍ አልዓዚዝ ሚላስ ሼሪንግ ዘ ናይል አብ ዝብል መስደመሚ መፅሓፉ ከምዝተንተኖ “ሩባ ኣባይ ኣብ መንጐ ግብፂ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ልዑል ወጥሪ ዝፈጥር እንተይኮነስ አብመንጎ እተን ሃገራት ናይ ህብረት፤ ሠላምን ልምዓትን  ፍልፍልን ተምሳሌት ፍሉይ ርክብ ጎራብቲ ዓድታትን ምርድዳእን ብሃባር ምዕሳል ከምዘድሊ ብምርዳእ “ኣብ ጉዳይ ፈለግ ኣባይ ዘይምርድዳእ ክሳራ’ዩ ኢሉ አሎ ፡፡