Artcles

ዩኒቨርስቲታትናን ሐተቲ ወለዶን

By Admin

January 11, 2018

ዩኒቨርስቲታትናን ሐተቲ ወለዶን

ብማህደር ተከዘ

አብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ክብሃል ብዘኽእል ኹነታታት ሀዚ፡ ሰላማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዩኒቨርስቲታት ትምህርቲ፡ ብሰርዑ ጀሚሩ ፡፡ ምድባት ሃደሽቲ ዩኒቨርሲታትውን ከምትልሙድ አብ እቱ ዩኒቨርሲታት ኸባቢ  ብዝርከብ ማህበረሰብ ብሳእስዒትን ብጓይላን እንተጋይሾም፤ ቅድም ኢሎም አብተን ዝተኸፈታ ሃደሽቲ ዩኒቨርስቲታት ዝተረከቡ ተምሃሮውን አጆኹም እንዳበሉ ከበረታትዕዎም ከምዘለው  ብዝተፈላለየ ማዕኸላት ርክብ ሓፋሽ ሓበሬታታት እንዳተፈነወ ይርከብ ፡፡ ብጸረ ሃይልታት ሰላምን ግብረሽበራን ተደናጊጾም ነናብ ከባቢኦም ዝተመለሱ ተምሃሮውን ፡ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ተመሊሶም ስርዑ ትምህርቶም ምክትታል ጀሚሮም አለው ።

ብኣዉርኡ ህይወት ሰብ ብከንቱ ክጠፍእን ንብረት ድማ ክዐኑ፤ ከምዘይብሉ እቶም ተምሃሮ  ናብ ልቦም ተመሊሶም ምስትንታን ከምዝጀመሩን ህድእ ኢሎምውን ተንኮልን ሸርን  ጸረ  ሰላም ሃይልታትን ግብረሽበራን ብዒሊ እንደበረሀሎም ከምዝመጸ ሀበሬታታ ይርከብ ዓሎ፡፡

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ማሕበረ ቑጠባዉን ፖለቲካዉን ርክባት ዜጋታት እታ ሃገር ከሐርፍፉ ዝኽእሉ ጸገማት ብምፍጣር  ኣብ ሞንጎ ተምሃሮ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ”መንነት” ትኹረት ገይሮም ብዝተልዓሉ ጎንጽታት መልክዕ እታ ሰላማዊት ሃገር ጸሎሎ ንምኽዳን  ላዕልን ታህትን ዝሸባሸቡ ዝነበሩ ኃይልታትውን ፤ እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ ንቡርን ስሩዕን ሥራህተን ከምዝተመለሳ ምስአረጋገጹ ካልዕ ሜላታት እንዳማሃዙ እቱ ዘይምርግጋዕ መሊሱ ንኽመጽእ ቀትርን ለይትን ድቃስ ስዒኖም አይሰርሁን ኢልካ ምዝንጋዕ ከምዘይድሊ ክፍለጥ ይግባእ፡፡

ብምኽንያት እቱ እኩይን መሰሪን አታሃሳስብኦም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝሞናጎየሉ ዝተፈላለየ ሜላ አይፈጥሩን አይብሃልንሞ ፤ ነቒህኻን ተጎጂልካን ብአካዳሚያዊን ስነልቦናዊን ናውቲ ተአጢኻ፤ ምሽብሻብ ከምዘዲሊ ክፍለጥ አለዎ ፡፡ ተዘይኮነ ብገለ ገለ ጠልቆምቆም ዝእከባ ሳንቲማት ልዕኽቶ ጸረ ሠላም ኃይልታት ንምፍጻም ላእልን ታህትን ብዝብሉ ሥሩዓት እቱ ሀዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ርጋዕትን መሊሱ ከይህንፈሽ ትኹረት ሂብካ ምሽብሻብ የድሊ እዩ፡፡

እቲ ጸገም ሽሕ’ኳ ዉሑዳት ዝመርሕዎ እንተኾነ፡ ዘብጽሖ ጉድኣት ንምንካይን ንምዕጋትን ተወሃሂዱ ዝሰርሕ ኣካል ብንቕሃት ክሰርህ አለዎ፡፤ እቱ ተባዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኽፍእ ዝበለ ኹነታት ከይፍጠር ዝገበሮ  ውህሉል ጻዕሪ ከመተሞክሮ ብምውሳድ ካብ ዝሃለፈ ኩነታት እንታይ ተማሂርና ብኸሜይስ ክሃድእ ክኢሉ  ኢልካ ዝተፈላለየ ግምገማዊ ስልጠና ክግበር ከመዘለዎ ርድዑ ክኸውን አለዎ፡፡

ድህሪ ሀዚ ግዳይ እዚ ጸገም ክኸውን ዝግብኦ ተምሃራይ ክህልው የቡልን፡፡ ምስቱ ጽባሕ ንዝህልወና ዘይኾነስ ሎሚ ንዘላ ህይወትና ነቐድም ብምባል ናብ ስድርኡ ተመሊሱ ዝነበረ ተምሃራይውን ሥነልቦናዊ መበረታትእን ናይ እታ ሃገር ህልው ኩነታታት ጸላኢ ክምዝምኖዮን ከምዝምህዞን እንተይኮነስ አብዝሃይሸ ኹነታታት ከምንርከብ እግሪ ብእግሪ እንዳተኸታተለ ከንቅህ ዝኽእል ሃይሊ ሓላፊነት ወሲዱ ከተባብዕ ይግባእ፡፡ ተዘይኮነ ፀገም ክፍጠር ከሎ ሐዊ ንምጥፋእ ዝግበር ምሽብሻብ ናይ ሓደ ቕነ እምበር ዘላቒ መፍትህ ክኸውን ከምዘይኽእል ብዕሊ ክፍለጥ አለዎ፡፡

አብቱ  ዘመነ ትምህርቲ ካብ ዝጅመር አቐዲምካ ክመጹ ዝኸእሉ ጸበበታት ብምእማትን posible solutions ብምህንጻጽን እሰካዕ እቱ ዘመነ ትምህርቲ እስካዕ ዝዛዘም ክርከብ ዝኽእል ጸገማትን ጸበባትን  ተገቢጡ ፤ ምስ መፍቲህኡ ቀዲሙ ክዳለው ይግባእ፡፡

ሎሚ ናብ ዩኒቨርሲቲ  ውላድካ ምልዓኽ ጸበበ ወላዲ እንደኾነ ይመጽእ አሎ ፡፡ ደቆም ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብፍላይ ድማ ጎንጺ ናብ ዘይፍለየን ትካላት ትምህርቲ ዝለኣኹ ስድራ ኸቢድ ሥነልቦናዊ ጸገም የጓነፎም አሎ ንድሕንነት ደቆም ብምስግኦም። ስለዝኾነ ብፍላይ እተን ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓነት ጎንጺ ዝፍጠረለን ዘለዋ ትካላት ትምህርቲ ብምፍላይ መበገሲ እቱ  ፍልፍል ጸገመን ብዕሊ ተመርሚሩ መፍትሂ ክርከብ አለዎ፡፡ ናብተን ጸገም ዘይስአነን ትካላት ዩኒቨርሲቲ ደቆም ዝልእኹ ወለዲ እቱ ዝጠሓለ ድምጺ ደቆም ብዘይ ውኖኦም ምስማዕ አየጨንቆምን ኢልካ ንምዝዛም አይክአለን ፡፡ ናይዘን ላእለዎት ትካላት ቤት ትህርቲ ምርግጋዕ ንወለዲን ብዓብዩ ንመላዕ ህዝቢ  ናይ እፎይታ ፍልፍል ምኽዋንውን ርዱእዩ፡፡  

ብኻልእ ወገን፡ እቶም ህቶ አለና ዝብሉ ሃይልታት ዋላ ድአ ናይ እቱ ዲሞክራሲያዊ ሥርዓት ዝፈጠረሎም ባይታን ፀጋታትን ምኽዋኑ ብዘረድእ መልክዑ ንውሰዶ እንተኢልና ካብኡ ንላዕሊውን ፤ አተሃህዛ እቱ ሃታታይ ወለዶ እውን ናይ  አባላት  demanding  commmunity  ህቶ እዩ ኢልና ንምውሳድ እንተ ሃሰብና እቱ ዝኽተልዎ ዘለው መንገዲ ግን ካብቱ ንቡር ዲሞክራሲዊ ሥርዓት ዝርሃቐ ምኽዋኑ ርዱእ እዩ ፡፡ ንአብነት አብ ዝማዕበላ ዲሞክራሲያዊ ሃገራት ዘሎ ንቡር ኹነታታትን  ሥሰልጠና ዓዲታታት ዝኽተለኦ መስመር ክንሃስቦ ኸለና “መሰል እናግሃስኻ፥ መሰል ኣይሕተትን” ዝብል ዲሞክራሲያዊ ሥርዓት  ከመዘለዎን ሸለል ክንብሎ ዘይግባእ ዓንዲ ህቐ ዲሞክራሲያዊ መሰላት ምኽዋኑ ክንግንዘቦ ዝግብዓና ሃቂ ምኽዋኑ አብ ግምት አእቲውና ንህናውን ክንለምዶ ዝግብዓና ተሞክሮ ክኸውን ይግባእ፡፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ እታ ሃገር ዝሃዘቶ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህዉ ብትኽክል ዘረድእን ሓበሬታ ዝህብን ኣካል ፤ እቶ ኹነታታ  ናብ ዝልዓለ ብርኪ ቅድሚ ምብጽሁ ብቑርብ ርህቐት እንዳተኸታተለ ጽሩይን እዋናዊን ሃበሬታ ንምሃብ ካብ እቱ ሀዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክሰርህ ከምዝግባእ ክፍለጥ ይግባዕ ፡፡ እንተ ዘይኮነ ግን ዓለም ብዝፈጠረን መራኸቢ ሃፋሻት፤ ብፍላ መህበራዊ ሚዲያታት ብዝፈጥርኦ ናይዕግርግር ጥጡህ ባይታ መናእሰይ ተምሃሮ ላዕላዋይ ትካል ቤት ትምህርቲ ዝርከቡን ብማእኸላይ ደረጃ ዝርከቡ መናእሰያት ናብ እቱ ዘየትደለየ ኹነታት ናምእታው ኹነታት ናይምቅላዕ ፀገማት ክፍጠር ይኽልእዩ ፡፡  

ኣብተን ትካላት ትምህርቲ ዝረኣዩ ነገራት ነጸብራቅ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘሎ ዋዒ ፖለቲካ’ዩ ፤ ኣብተን ዩኒቨርሲቲታት ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ፈለማ ሕቶ ህዝቢ ምላሽ ክረክብ ኣለዎ” ብምባል እቱ ቑልውላዉ ሃገራዊ ትህዝቶ ከምዘለዎ ገይሮም ዝካትኡ አባላት ማህበረሰብ ይሃልዉ ድአ እምበር ታሪኻዊ ጸላእቲ እታ ሃገር ብውሽጥን ብደገን ዝፈጠርዎ ዘለዉ political conspirecy  ምስቱ እዋናዊ ኹነታት ተሃዊሱ ክህዞ ዝኸእል ዕዙዝ ባይታ ከገድሰና ይግባእ፡፡ ግዳስ ኢህወደግ ከም ፓርቲ እቱ ሀዚ ሂዝዎ ዘሎ ውሽጥኻ ናይምፅራይ ንጡፍ ከይዲ ከምናይቀደሙ ከምዝዕወት ብምህሳብ፤ እቱ ናይ ውሽጢ ፖለቲካዊ ፅርየት ንቐፃላይ ናይ እታ ዐዲ መንገዲ ናብ ቑጠባዊ ዕብየትን ንዝበለጸ ዲሞክራሲያዊ ህንጸትን ከሸጋግራ ከምዝኽእል ንቡርን ሃቅን ምኽዋኑ ርዱእ እዩ፡፡