Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

መናእሰይ  ፀጋታት ዓዶም  ክጥቀሙሉ ይግባእ!

0 437

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

 

መናእሰይ  ፀጋታት ዓዶም  ክጥቀሙሉ ይግባእ!

 

ሲዒድ መሓመድ

 

ቁፅሮም ብርክት ዝበለ መናእሰይ ዓዶም እናገደፉ ዝሐሸ ናብራ  ዝረክቡ እናመስሎም ናብ ካልኦት ሃገራት ብዝተፈላለየ  መንገዲታት ይስደዱ ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወፀ ናይ ሕቡራት መንግስታት መረዳእታ ከምዘርእዮ ብዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ኣስታት 170 ሺሕ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንኣውሮፓ ብፍላይ ንጣሊያን ተሰዲዶም እዮም።  መብዛሕትኦም ከዓ ካብ ሃገርናን ሶማሊያን ኤርትራን ከምዝኾኑ እቲ መረዳእታ ይሕብር።  

 

ይኹን እምበር ናብቲ  ክሰግሩሉ ዝደልዩ ሃገር ንምብፃሕ ኣብዝገብርዎ ፃዕሪ ቀሊል ዘይብሃል ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ፀገማት ከምዘጋጥሞም መረዳእታታት ይሕብሩ።   እዚኦም መናእሰያት ነቲ ኣብመንገዲ ዘጋጥሞም ነገራት ኩሉ ሓሊፎም ኣብተን ዝኸዱለን ሃገራት ምስበፅሑ እውን ካብቲ ኣብ መንገዲ ዝጋጥሞም ፀገም ዘይተኣናነስ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ክሓልፉ ይግደዱ።  እዞም መናእሰያት ናብዝተፈላለዩ ሃገራት ክሃድሙ እንከለዉ ነቶም ብሕጋዊ ዘይኮነ መንገዲ ዝወስድዎም ደለልቲ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ኣብ ዓዶም ኮይኖም  ከምመበገሲ ካፒታል ብምጥቃም ኣብ ገዛ ዓዶም ክሰርሕሉን ዝሐሸ ውፅኢት ክረኽቡ ምኽኣሉ ነይሮም።

 

ነዚ ዘይፍፅሙሉ እቲ ቀንዲ  ምኽንያት ሰኣን አፍልጦት ከምዝኾነ ይግመት።   ብዝተፈላለየ ናይሰራሕ ዘፈራት ንምስምራሕ ከምዝኽእሉ ምንም ዓይነት መረዳእታ ዘይብሎም መናእሰይ ምህላዎም ሓደ ናይቲ መጋደዲ እቲ ስደት ኮይኑ   እቲ ካልአ ምኽንያት ድማ እቲ ንደገ ንምውፃእ ዘጥፍእዎ ገንዘብ ኣብዓዶም ክሰርሕሉ ዘኽእሎም ምዃኑ ዘይምርዳእ እዩ።   ወለዶም እውን ደቆም ናብ  ወፃኢ ዓዲታት ንምኻድ ዝጥቀምሉ ገንዘብ ብዝተፈላለየ መልክዕ እናምፅኡ ይህብዎም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዓዶም በቲ ገንዘብ ሰሪሖም ክልወጡ ከምዝኽእሉ ዘይምርዳእ ከምዘሎ ኣያጠራጥርን።   

 

እታ ካልኣይ ምኽንያት ከዓ በቶም ደለልቲ ናብ ወፃኢ ዓዲታት ምኻድ ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎን በሓፂር እዋን ብዙሕ ሰልዲ ከምዝርከበሉ ስለዝንገሮም ብሓፂር እዋን ካብፀገሞም ንምንጋፍ ካብዘለዎም ድልየት ይብገስ።   ይኹን እምበር ናብ ወፃኢ ኣብዝግበር ጉዕዞ  ይኹን ኣብተን ሃገራት ድሕሪ ምብፅሖም ዘጋጥምዎም ፀገማት ኣብ ዓዶም ኮይኖም ካብዝገጥሞም ፀገም ብጣዕሚ ዝልዓለ ከምዝኾነ  ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይንን።   

 

ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲውን  መናእሰይ ብዝተፈላለየ መልክዕ ንባዕሎም ከብቅዑን ካብ ኢኮኖሚ ፀገሞም ክናገፉ ንምሕጋዝ ዝተፈለለዩ ፅዕረታት ይገብር ኣሎ።   መናእሰይ እቲ መንግስቲ ዝፍንዎ ዘሎ ረብሓእውን ብግቡእ ክጥቀምሉ ይግባእ።   

 

ኣብ ሃገርና ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ብምህላዎም ብዝተፈላለየ መልክዕ ባዕሎም ንክኽእሉ ምግባር ልዑል ጠመተ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። ቁፅሮም ውሑድ ዘይኮነ መናእሰይ ዋላ እንኳን ናብ ወፃኢ ዓዲታት ኣይኽዱ  እምበር  ዝሰርሕዎ ጠፊእዎም ሰንፍላል ክምዝብሉ ይፍለጥ። እዚ ድማ እቶም መናእሰይ ኣብከባቢኦም ዘለዉ ፀጋታቶም ስለዘየስተውዐሉ  ጥራሕ ኣይኮኑን። ብርግፅ ፀጋታቶም ዘየስተውዕሉን ወይ ድማ እናስተውዓሉ እውን ዝህከዩን ናብ ካሊእ ዘመዓድዉን ኣለዉ። ብካልእ ወገን ድማ ፀጋታት ከባቢኦም ብምጥቃም  ክሰርሑ ዝደልዩን እናሰርሑ  ዘለዉን ብዙሓት መናእሰይ ኣለዉ።

 

ይኹን እምበር  ናይምስራሕ ድልየት እናሃለዎም እውን  መበገሲ ካፒታልን ስለዘይብሎም  ስራሕ ንምጅማር ዝተፀገሙ መናእሰይ ቁፅሪ ቀሊል እዩ ክብሃል ኣይክእልን። እቶም  መበገሲ ካፒታል ረኺቦም  ስራሕ ዝጀመሩ እውን ተኾይኖም ምህርቶም ምስ ዕዳጋ ብኸመይ ከተኣሳስሩ ከምዘለዎም ኣይፈልጡን።   መናእሰይ እዚአን ፀገማት ኣብምውጋድ  እንተድኣ ዘይተሓጊዞም ውፅኢት ክረኽቡ ኣይክእሉን።

 

ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ብስሩዕ ተጠርኒፎም ካብ መንግስቲ ሓገዝ እናረኸቡ ስራሕቲ ዝጀመሩ መናእሰይ ውፅታዊ እናኾኑ ከምዘለዉ ርዱእ እዩ። እዞም መናእሰይ ካባእሎም ሓሊፎም ንካልኦት እውን ይሕግዙ ኣለዉ።

 

በዚ መዳይ እቲ ቅድምን ቀዳድምን ክመፂ ዘለዎ ነገር ኣብ ሃገርካ ሰርሒካ ክሓልፈልካ ከምዝኽእል ምርዳእን ንዑኡ ዝምጥን ፃዕሪ ምግባርን እዩ። እቲ መጀመሪያ ብውእሊ ክውሰድ ዝግብኦ ነገር እዚ እዩ።  ኣብቶም ኣብከባቢካ ዘለዉ ፀጋታት ተዋፊርካ ዕውት ከም እትኸውን እምነት ክሓድረካ እንተዘይኽኢሉ ግና ደፊርካ ክትኣትዎ ስለዘይትኽእል መዋፃኣይነቱ ክትርዳእን ክትኣምነሉን መፀገሚ ይኸውን።

 

ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ናብ ስራሕ ዘእቱ ኣተሓሳስባ እንተድኣ ሒዝካ መንግስቲ ዝህቦ ሓገዝን ካብ ወለዲ ዝርከብን ብምውህላል ኣብ ዓዲኻ ኮይንካ  ንምስራሕ ዝክኣለሉ መንገዲታት ከምዘለዉ ምርዳእ ይክኣል።    ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲውን ነቲ መናእሰይ ኢዛ ሃገር ንምሕጋዝ ብዝተፈላለየ መንገዲ  መበገሲ ካፒታል ይህብ ስለዘሎ እዚ ብምጥቃም ኣብ ሃገርካ ምስራሕ መማረፂ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ።  መንግስቲ  ነቲ ናይ መናእሰይ ፀገም ኢኮኖሚ ንምፍታሕ ብዘኽእል መንገዲ ዝተፈላለዩ  ፕሮግራማት ብምድላው ናይ ሓገዝ ስራሕቲ ይሰርሕ ስለዘሎ ነዚ ምጥቃም የድሊ።     

 

መንግስቲ  ነዚ ስራሕ ዝውዕል ኣስታት ዓሰርተ ሚሊዮን ዝኾን ገንዘብ እውን መዲቡ ኣሎ። ካብቶም ዝተትሓዙ ዕማማት ሓዲኡ ናይ መናእሰይ  ዓቕሚ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ምሃብ እዩ።  መናእሰይ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት እናረኸቡ ናብ ስራሕ ክዋፈሩ ብምግባር ብኣተሓሳስባን ኢኮኖምን ዓቕሚ ምፍጣር እዩ።

 

እዚ ካብ መንግስቲ ዝግበር ደገፍን  ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ፀጋታት ብምጥቃም ናብ ተግባር ዝተኣተዉ መናእሰይ ውፅኢታዊ ይኾኑ ኣለዉ።   እቶም ካልኦት እውን ነዚኦም ክስሕቡ ይግባእ።   ኣብቲ ፀገማይ መናእሰይ ንምፍታሕ ዝግበር ፅዕረት ባዕሎም መናእሰይ ብዑምቀት ክሳተፉን ናብሮኦም ዘመሓይሽሉ መንገዲታት ክኽተሉን ይግባእ።  ፀጋታት ሃገርካ ተጠቒምካ ኣብ ስራሕ ንምውፋር እቲ ዋና ጉዳይ ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባ ምቕያር ብምዃኑ መናእሰይ ናብ ደገ ምቁማት ጠጠው ኣቢሎም ፀጋታት ዓዶም ክጥቀሙሉ ኣለዎም።   

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy