Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ብልሽው ኣሰራርሓን ኪራይ ኣካቢነትን ብሓባር ንቃለስ!

0 397

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ብልሽው ኣሰራርሓን ኪራይ ኣካቢነትን ብሓባር ንቃለስ!

ሲዒድ መሓመድ

 

ኢትዮጵያ ሃፍቲ እናፈጠረት ዝመፀት ዓዲ ኮይና ኣላ። እዚ  ሃፍቲ ግልፂ፣ ፍትሓውን ውፅኢታውን ብዝኾነ መንገዲ ክመሓደርን ክምራሕን ከምዘለዎ ፍሉጥ ኮይኑ ጎንንጎን ከዓ ስጡም ስርዓት ተሓታትነት ክህልዎ ይግባእ። እቲ ሃፍቲ ናይታ ዓዲ ብዝዓበየ ቁፅሪ ናብ ብልሹው ኣሰራርሓን ኪራይኣካቢነትን ዝኣትዉ ውልቀ ሰባት ቁፅሪውን ብኡ ልክዕ እናዓበየ ስለዝመፀ ነዚ ስርዓት ከሕዝ ዝክእል ኣሰራርሓን ሕግን ምትግባር ናይግዲ ይኾን።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ንምምዕርራይ  ንፁራት ኣዋጃት፣ ደንብታት፣ መምርሕታትን ሪፎርምታትን ፋይናንስ ክወፅኡን ብእኦም ኣቢሉ ክመሓደርን ይገብር ብምህላዉ   ናይዚ ውፅኢት ድማ ኣብ ምሕደራ ንብረት ዝነበረ ኣተሓሳስባን ተግባራዊ ኣጠቓቕማን ናብ ዝሐሸ ኩነታት ይመፅእ ከምዘሎ መረዳእታታት ይሕብሩ።

 

ናይ ብልሽው ኣሰራርሓን ኪራይአካቢነትን ተርእዮ ነታ ሃገር ይፈታተና ከምዘሎ ውድብን መንግስትን ኣብዝተፈላለየ ጊዜ ገሊፆም እዮም። ኣብ ልምዓታዊ ኣረኣእያን ኪራይኣቢነትን ዝተፈጠረ ንሕንሕ ናብዝልዓለ ደረጃ ኣብዝበፅሐሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ምስመንግስትን ምስቲ መሪሕ ውድብ ኢህወዴግን ኮይኑ  ኪራይኣከብቲ ንምቅላስን ዝወስዶ ዘሎ ዝተፈላለየ ፍታሕ ዘበራበሮምን ዘደንበሮምን ኪራይኣከብቲ ምስ ፀላእቲ እታ ሃገርን ምስ ኣሸበርቲን ሕብረት ፈጢሮም ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዝራግ ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ ኣለዉ።

 

ኣብዚ እዋን እዚ መላእ ህዝቢ  ኢትዮጵያ ንብረት መንግስቲ ከም ንብረቱ ርእዩ ቁፅፅርን ክትትልን ምግባር ዝጀመረሉ ኩነታት እንኳ እንተሃለወ  ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ብዝካየዱ ዘይስሩዕ  ተቃውሞታት ህይወት ይጠፍእን ንብረት ህዝብን መንግስትን የዓኑ ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ምሽጢር እዩ። እዚ ባዕሉ ካብቲ ሃፍቲ እታ ዓዲ ካብ ኪራይኣከብቲ ንምሕላው ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣካል ተገይሩ ክስርሐሉን ብፍላይ ድማ ንብረት መንግስቲ ንብረት ህዝቢ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ንምውናን ብዘኽእል መንገዲ ክስራሕ ይግባእ።

ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ንብረት ህዝብን መንግስትን ስርዓት ክሕዝ ናይምግባር ተግባር ክጠናኸር ኣለዎ።  ንብረት መንግስቲ ብመሰረት መምርሕን ኣሰራርሓን ፋይናንስ ንክመሓደርን   ሃፍቲ እታ ሃገር ንህዝ ረብሓ ክውዕል  ምሉእ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ሐዚውን ዝተርፉ ነገራት ኣለዉ። መንግስቲ እዚ ብቀፃሊነት ክሰርሐሉ ይግባእ።  

 

እዚ ኣሰራርሓ ውፅኢታዊ ንምግባር  ካብ ኣመራርሓ ጀሚሩ መላእ ሕብረተሰብን ሰብሞያን ንብረት መንግስቲ ከም ናይ ውልቀኻ ገይርካ ናይምርኣይ ተበግሶታት ክዓብዩ ኣለዎም። ኪራይኣካቢነት ንምቁፅፃር ዝክኣል እውን መስርሕ ተሓታትነት ኣተኣታቲኻ ብምትግባርን ብምክትታልን እዩ።

 

ቅድም ክብል ከምዚ ዝበለ ግንዛበን መስርሕን ተኣታትዩ ተግባራዊ ብዘይምዃኑ  ናይ ሙስናን ኪራይኣካቢነት እናሰፍሐ ነታ ዓዲ ኣብዘይትወፅኦ ኩነታት እናእተያ ይርከብ። ነንፀገም ኪራይኣካቢነትን ሙስናን ንምውጋድ ኣብ ዓስራይ ጉባኤ ኢህወዴግ እቲ ኩነታት ገምጊሙ ቀፃሊ ኣንፈት ምምሃዙ ይፍለጥ።

 

እቶም ዝነበሩ ፀገማትን መበገሲ እቲ ኪራይኣካቢነትን ብዝርዝር ተዘትይሎም። ኣብ ኣመራርሓን  ዝነበረ ክፍተት ብምልዓል ነቐፌታን ዓርሰ ነቐፌታን ኣካይዶም። ምስኡ ተተሓሒዙ እውን ህዝቢ የንፀርፅር ከምዘሎን ህፁኝ ፍታሕ ከምዘድልዮን ብምግምጋም ናብስራሕ ተኣቲዩ። ድሕር እቲ ገምጋም መንግስት ዝተወኑ ስጉምቲታት ክወስድ ምስጀመረ እዞም ኣብዓዲ ዘለዉ ኪራይኣከብትን ኣብደገ ዘለዉ ፀላእቲ  እታ ዓዲን ናብ ሓባር ብምምፃእ ሁከት ናይምፍጣር እንቅስቃሰ ምግባር ጀምሮም።

 

እቲ ኣንፃር ኪራይኣከብትን ሙሰኛታትን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ  ተጠናኺሩ ብዝቐፀለ ቁፅሪ እቲ ናዕቢን ሁከትን እውን እናሰፍሐ ካብሓደ ከባቢ ናብ ካልኦት ካብ ሓደ ክልል ናብ ካልእ ክልል እናተዛመተ መፂኡ። እዚ ፀገም አዚ ነታ ዓዲ ተወሳኪ ፈተነ ኾይንዋ ይርከብ።  

 

በሰንኪ እቲ ሁከት ህይወት ሰባት ይሓሊፍ ኣሎ። ንብረት እታ ዓዲውን ይዓኑ ኣሉ።   ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ነታ ሃገር ናብዘይድለ ናይ ብሔር ግርጭት ከእቱ ዝኽእል ስለዝኾነ   ፍሉይ ጠመተ ክውሃቦ ይግባእ።  ህዝቢ  ኢትዮጵያ ብሓባርን ብምክእኣልን ንዘመናት ሕዝዎ ዝመፀ ባህሊ እዚ ና ሐዚ  ዕግርግር ከልምሶ እዩ እንኳ እንተዘይተብሃለ ብእዋኑ ክእለ እንተዘይክእሉ ግና ዝኸፍአ ኩነታት ክስዕብ ከምዝኽእል ኣያጠራጥርን።  

 

ሙሁራን ብወገኖም ንዝተፈላለዩ ሚዲያታት ኣብዝህብዎ ርእይቶ መንግስቲ ብሓደ ወገን ሕብረተሰብ ብፍላይ እቲ መንእሰይ  ኣብ ፌዴራል ስርዓቱ  ዘለዎ ግንዛበ ንምዕባይ ብሰፊሑ እናሰርሐ ጎን ንጎኒ ድማ ሰላም ዝዘርጉ ውዲታት ክቆፃፀርን ሕጊ ከኽብርን ይግባእ። መንግስቲ ሰላም ናይታ ሃገር ክሕሉን ከረጋግፅን ክክእል ከምዘለዎ ይገልፁ። ሰላም ብምንም መንገዲ ክጥሓስ ከምዘይብሉ እውን ይምዕዱ። ቅድም ቀዳድም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሰላም ከረጋግፅ ዘይከኣለ  መንግስቲ እቲ ዝድለ ሓድነትን ዕብየትን ንምምፃእ ዝኽእለሉ ባይታ ኣይህልዎን ይብሉ።  

 

እዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተፈጠረ ፀገም ሰላምን ናይ ኪራይኣካቢነት ምስፍሕፋሕን መንግስቲ ጥራሕ ዝዋገኦን ዘወግዶን ከምዘይኮነ እውን እቶም ሙራን የተሓሳስቡ። ነዚ ኩነታት ንምውጋድ ዝልዓለ ግደ ዘለዎ ህዝብ ብምዃኑ ሰላም እታ ዓዲ ብምርግጋፅ  ንህዝቢ ብዘሳተፈ መልክዕ ኪራይኣከብት ሙስናን ብሓባር ምውጋእ ከምዘድሊ ይገልፁ።  እቲ ሃደጋ ንኩሉ ህዝብታት ሃገርና ዝጎድእን ንድሕሪት ዝመልስን ስለዝኾነ   ሓድነትና ኣጠናኪርና ብልሽው ኣሰራርሓን  ኪራይኣካቢነትን ክንቃለስ ይግባእ።  

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy