Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ልምዓት መስኖ ንቁጠባዊ ዕብየት!

0 368

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ልምዓት መስኖ ንቁጠባዊ ዕብየት!

 

ሲዒድ መሓመድ

 

ንስራሕቲ ሕርሻ ዝምችው   መልከዓ ምድሪ  ከምዘለዋ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክግለፅ ከምዝነበረ ፍሉጥ እዩ፡፡  ኮይኑ ግና ቅድሚ 1983 እቲ  ዘለዋ ናይ ሕርሻ መሬትን ካልኦት ናይ  ተፈጥሮ ሃፍትታትን  ናብ ረብሓ ህዝቢ ንምልዋጥን ንምውዓልን ኣብዘክእል ኩነታት ከምዘይነበረት ሰነዳት ታሪኽ  ናይታ ዓዲ ያረጋግፅ፡፡  ንነዊሕ ዓመታት ህዝባ ብድኽነትን ጥምየትን ክሞትን ክስደድን ከምዝነበረ ዓለም ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ፡፡

 

ቁጠብኣ እናሽቆልቆለ ይከይድ ስለዝነበረ ንህዝባ ናይ ዕለት መግቢ ክትሽፍን  ኣይከኣለትን ነይራ፡፡ ነዚ ንስራሕቲ ሕርሻ ዝምችው   መልከኣ ምድሪ ብዙሓት ካልኦት ተፈጥራዊ ፀጋታትን   ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ረብሓ ህዝቢ ምውዓል ዝከኣለሉ መንገዲ ምዝርጋሕ ዝተጀመረ ድሕሪ 1983 ዓ/ም እዩ፡፡  ብዝሓለፉ እስራን ሹድሽተን ዓመታት ነቲ ቁጠባዊ ዕብየት ንምምፃእን መነባብሮ ህዝብታት ኢትዮጵያ ንምምሕያሽን ካብዝተወሰዱ ስጉምቲታት ብዋናነት ዝጥቀስ ናይ መስኖ ልምዓት እዩ፡፡   ሓረስቶት ኣብ መስኖ ልምዓትን  ዝልዓለ ርብርብ ንክገብሩ ብምሕጋዝ   ንእሽተይ ዘይብሃል ቁፅሪ ዘለዎም ሓረስቶት ዓድና ናብርኦም ናብዝሐሸ ደረጃ ክብ ኣቢሎም ኣለዉ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ተባሂሉ ካብዝግመት 4.3  ሚሊየን  ሄክታር ስፍሓት መሬት ንግልጋሎት ሕርሻ ዝውዕል አስታት 10 ምኢታዊ ሄክታር ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል ከምዝኾነ መረዳእታት ይገልፁ። እዚ ንሕርሻ ምችው ዝኾነ መልክኣ ምድሪ እታ ሃገር ናብ ረብሓ ህዝብ ንምቅያር ሐዚውን መንግስቲ  ዝተፈላለዩ ስራሕቲ  ይሰርሕ ኣሎ።

 

ሓረስቶት  ኢትዮጵያ እታ  ዘላቶም ውስንቲ መሬት ብልምዓት መስኖ ተጠቒሞም መነባብሮኦም ከመሓይሹ ሓዝ ክሕዝ ቃልሲ ይገብሩ ኣለዉ። ቅድም ቀዳድም ካብዝነበሮ እናገፍሐን ተረባሒ ዝኾኑ  ሓረስቶት  ቁፅሪ እናወሰኸ ይከይድ ኣሎ፡፡  እዞም ኣብ መላእ ሃገርና ዝርከቡ ሓረስቶት ቅድሚ 1883  ዓ/ም እቲ መሬት እንኳን ኣብኢዶም እንተነበሮም ብሰንኪ ብልሹው ምምሕድዳርን ስእነት ፍልጠትን ሓገዝን ውፅእታዊ ኣይነበሩን፡፡   እት ዝረክብዎ ምህርቲ ዓመት ካብ ዓመት ከሰጋግሮም ዘይክእል  ስለለዝነበረ ህዝቢ ብጥምየትን ድኽነትን ይሳቐይ ከምዝነበረ ናይ ቀረባ ጊዜ ታሪኽ እዩ፡፡   

 

ይኹን እምበር ድሕሪ ምውዳቅ ደርጊ እቶም ሓረስቶት ካብ መንግስቲ ብዝረኽብዎ ደገፍን ሓገዝን  ኣቢሎምን ከምእውን  ናብ ልምዓት መስኖ ክኣትዉ ዕድል ብምርካቦም ውፅእታዊ ኮይኖም  መነባብርኦም ክልውጡ ክአአአሎም ኣለዉ። እዚ ኣብ ሓንቲ ቁሸት ከይኮነ ኣብኩለን ከባቢታት እታ ሃገር ውፅእታዊ ኮይኑ እዩ፡፡

 

ሓረስቶት ኢትዮጵያ ካብ ሰብሞያን ክኢላታትን ልምዓት መስኖ ዝተገበረሎም ዝተፈላለዩ መዕበዪ ግንዛበ ስልጠናን ደገፍን ዕቑር ማይ ዕቑር ሃፍቲ ምዃኑ እናተረደኦም መፂኡ። ስለዝኾነ ዝሐሸ ምህርቲ ንምርካብ ብምሕሳብ ዘድልዩም እታዎት ብምጥቃም በብዓመቱ ዝተፈላለዩ ኣሕምልቲን፣ ፍራምረን ዘራእትን እናዘርኡ ተረባሒ ክኾኑ ኪኢሎም። ኣብኡ አቢሎም’ውን ናይታ ዓዲ ኣጠቃላሊ ቁጠባዊ ዕብየት ንክዓብን ክረጋገፅን ኣወንታዊ ተራ ይፃወቱ ኣለዉ ምባል ይክኣል።  

 

በዚ ድማ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜን ልዕሊኡን ዘፍርዩ ሓረስቶት እናበዝሑ ይመፅኡ ከምዘለው መረዳእታት ይገልፁ። ይኩን እምበር ኣብ ክሊ እቶም ልዕል ክብሉ ዝተገለፁ ስራሕቲ መንግስቲ ግና ኣብ ልምዓት መስኖ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ እውን ብቀፃሊነት ክስርሓሉ ኣለዎም።

 

ካብዚ ንላዕሊ መርኣያ ኣብ ዝኾኑ ሓረስቶት ዘሎ ተመክሮ ናብ ካልኦት ዘይምግፋሕ ዝኣመሰሉ ጉድለታት ኣለዉ። ስለዚ እዚኦም ንምውጋድ መንግስቲ ዝተዋደደ ስራሕ ክስርሕ  ዘኽእል ኣንፈት አቐሚጡ ስለዘሎ ብዝግባእ ክትግበር ምግባር ዝልዓለ ውፅኢት ከምዝህልዎ ንምርዳእ ይክኣል።

 

ደሚርካ እንትርአ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ድኽነት ንምስዓር ኣብ ዝግበር ርብርብ ቁልፊ ግደ ኣለዎ። ነዚ ዝተገንዘበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፓኬጃት ልምዓት መስኖ ብምሕንፃፅ ብዕቱብ እናሰርሐ ይርከብ። እዚ እውን ሓረስቶት ኣማራፅታት ማይ ወኒንካ ተሓራሳይ መሬት ብመስኖ ብምልማዕ ምህርቲ ምዕፃፍ ይከኣል እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ተጠቐምቲ ይኾኑ ኣለዉ።

 

ሓረስቶት ልምዓት መስኖ ተጠቒሞም ምህርቶም እናሰሰኑ ኣብ ዝርከቡ ሓረስቶት እታ ሃገር   ዝሐሸ  ተመክሮ እውን እዚ እዩ። ስለዚ ኣብ ዕቑር ማይ ዘሎ ዕቑር ሃፍቲ ካብቲ ብቃላት ዝግለፅ ንላዕሊ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ምዃኑ ብምግንዛብ ሓረስቶት ኣብ ልምዓት መስኖ ተወፊሮም መነባብሮኦም ክልውጡ ኣብ ምግባር ክንረባረቡ ይግባእ።

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy