Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ተስፋን ውሕስነትን  ህዝብና !

0 378

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ተስፋን ውሕስነትን  ህዝብና !

ስምረት ገ/ዝጊ

ኢትዮጵያዊያን ስሉጥ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ኣብ ምርግጋፅ ዝርከቡ ህዝብታት  ከም ምዃኖም  መጠን ዝተፈላለዩ ንምዕባለ ዘሳልጡ ስራሕትታት የሳልጡ ኣለዉ፡፡ በዚ መዳይ ኣብዝሓለፉ ኣስታት 27 ዓመታት ቀሊል ዘይብሃል ዓወት ዕብየት ምጣነ ሃብታዊ ከመዘመዝገበት ኩሉ ዝመስክሮ ነገር እዩ፡፡  ምስ እዚ ተተሓሒዙ ናይታ ሃገር ቕልጡፍ ዕብየት ኣብ ግምት  ዘእተወ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክህልዋ ስለዝግባእ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝተፈለለዩ ግድባት ይህንፅ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዕላማ ሒዙ እንትብገስ ካብ ቀረባን ርሑቕኘ ካብ ውሽጥን ደገን ነቲ ዕላማ ዘደናቕፉ ጉጅለታት ካብትን ካብትን ተኣካኪቦም ብዝተፈላለየ መልክዕ ንከደናቕፉ ላሕ ካብምባል ዓዲ ኣይውዓሉን፡፡ ኮይኑ ግና መንግስቲ ነዞም ዕንቅፋታት ከም ኣመፃፂኦም እናየና እናፈትሐን ናይ ናይታ  ሃገር መፃኢ ተስፋን ምዕባለን ዝውሰኑ ዓበይቲ መደባት ኣትኩሩ ክንቀሳቐስን ከምዝፀንሐ ይፍለጥ፡፡

ልምዓታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ መንፈስን ድልየትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለዓዓሉ ገዘፍቲ ናይ ሃይድሮ ፓወር ፕሮጀክታት ሓንፂፁ  ናብ ተግባር ብምስግጋር ጠለብ ሓይሊ እታ ዓዲ ንምሙላእ ይንቀሰቀስ ኣሎ፡፡ በፍላይ ድማ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ታሪካዊ ኣሰሮም ዘንበርሉ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ልዑል ስፍራ የሕዝ፡፡

እቲ ግድብ ኣብዚ እዋን ዱሮ 7ይ ዓመት  ምንባር እምነ ኩርናዕ ይክበር ኣሎ። እቲ ግድብ ክጠናቐቅ እንከሎ  ንህዝቢ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝህቦ ብተወሳኺ ንህዝብታረበሓ ት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክብ ዝበለ ረብሓ ከምዘለዎ ሙሁራን ይዝትዩ፡፡

ቅድሚ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ምሕሳቦም ከም ተከዘ፣ ጣና በለስ፣ ግቤ ሓደን ክልተን  ዝበሉ ዓበይቲ ግን ድማ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሃገራዊ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጠለብ ምሉእ ብምሉእ ክምልሱ ዘይክእሉ ፕሮጀክትታት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ብምህናፅ ንኣገልግሎት ኣብቂዖም እዮም።

ምስቲ ዕብየት ዝጓዓዝን ነቲ ዝዓቢ ዘሎ ጠለብ ህዝቢ ንምምላስን 24 መጋቢት  2003 ዓ/ም ብክቡር ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ እምነ ኩርናዕ ዝተነበረሉ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ህንፀቱ ከምዝተበሰረ ይዝከር እዩ። ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣባይ ኣብ ታሪክ እዛ ሃገር እቲ ዝለዓለ  ልዕሊ 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ከፈልፍል ተባሂሉ ህንፀቱ ብናይ ኢትዮጵያዊያን ወፃኢ ብልዑል ናይ ህዝቢ ምርብራብ ህንፃት እውን ከይተቋረፀ እናቐፀለ ይርከብ።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ክጅመር እንትሕሰብ ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ዝተነፀሩ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ነይሮም እዮም። እቲ ቀንዲ ዕንቅፋታት ተባሂሉ ዝተለለየ ናይተን ኣብ መፋስስ ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ግብፂ ተቓውሞን ነዚ ስዒቡ ክኽሰት ዝኽእል ዲፕሎማሲያዊ ፀቕጥታት  እዮም ነይሮም። መንግስቲ ነዚኦም ኩሎም ኣብ መፅናዕቲ፣ ትዕግስትን ቁርፀኝነትን ዝተደረኸ መፍትሒ ኣተኣላልያ  ብምንባር ብዝለዓለ ህዝባዊ ምንቕናቕን ሓበራዊ ምርድዳእን ብናይ መንግስትን ህዝብን ድምር ዓቕሚ ክስራሕ ብምውሳን እቲ ህንፀት ኣብዚ ብርኪ እዚ ክበፅሕ ክኢሉ እዩ።

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ዝተፈላለዩ ውሽጣውን ደጋውን ፅዕንቶታት ብምቁፅፃር ከምቲ ብፃይ መለስ ዝበሎ ንሓደ ሰከንድ እውን ህንፀቱ ከይተኣጓጐለ ኣብዚ ብርኪ እዚ በፂሑ ኣሎ። እቲ ግድብ ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ምፍልፋልን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትና ተወሳኺ ስልጠት ካብ ምፍጣሩን ብዝሰገረ ሃገራዊ ምልዕዓልን ዓቕምን እናፈጠረ ምምፅኡ ኣብቲ ፕሮጀክት ብምስታፍ ኣብ ስግግር ቴክኖሎጂ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ይግበር ኣሎ፡፡ አቲ ስግግር ቴክኖሎጂ ሰብ ሓይሊ ኣብምብቃዕ እውን ዝልዓለ ተራ ከምዘለዎ እሙን እዩ፡፡

ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣባይ ዝተፈጠረ ዓቕሚ ፅባሕ ካልኦት ተመሳሰልቲ ግድባትን  ልምዓታዊ፣ ፕሮጀክትታትን ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ክንሃንፅ ምችው ዕድል ዝፈጠረ ብምዃኑ ድምር ረብሓታቱ ኣዐርዩ ዓብይ እዩ። ኣብ ትሕቲ እዚ በፂሑሉ ዘሎ ብርኪ ህንፀት ዝተወደኡን ገና ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡን ስራሕቲ ሕዚ እውን ብልዑል ናህሪ እናቐፀሉ ይርከቡ። ኣብዚ እዋን እዚ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝተቐመጠሉ ትልሚን ግዘን ብፅፈትን ቅልጣፈን እናተሳለጠ ይርከብ።

እቲ ግድብ ድኽነትና ክነጠፍእ እንገብሮ ንዘለና ቃልሲ መቀላጠፊ ሞተር ከምዝኸውን  እሙን እዩ። ካብዚ ወፃኢ ኣብ መላእ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ፈጢርዎ ዘሎ ሃገራዊ ምርድዳእ ከምዘርእየና  ድኽነትና ዝቐርፉ ዓበይቲ መደባት እውን ብናይ ውሽጥ ዓቕሚ ካብ ምስራሕ ንድሕሪት ከምዘይንምለስ መረጋገፂ ኮይኑና ኣሎ።

ኣብዚ ንመበል 7ይ ዓመት ዝኽበር ዘሎ ምጅማር ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኮይንና እነረጋግፆ መሰረታዊ ሓቂ ድማ እዚ ህዝቢ እዚ ኮነ እዛ ሃገር እዚኣ ዝሓለፍዎም ናይ ፀልማትን ድኽነትን ዘመናት ምሉእ ብምሉእ ተቐንጢጡ ናብ ሓዱሽ መዋእል ምዕባለን ህዳሰን ክሰግሩ ዘኽእሎም ትኽክለኛ ኣንፈትን ዝተኸተለ መንግስቲ እትዮጵያ ነቲ ዝተበገሰሉ ህዝባዊ  ዕላማ መሊኡ ብምዕዋት ህዝብና ክሓልፈሉ ናይ ምግባር ሸቶ ከምዝዕወትን ዋላ እንኳን ሪዱእ እንተኾነ ሐዚ ኣብታ ዓዲ ዘሎ ቕልውላው ኣተሓሳሳቢ ከመዝኮነ እሙን እዩ። ይኹን እምበር ብትምክሕትን ፀቢብነትን ዝግለፁ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ፅግዕተኛ ምብስባስ ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ተዋዲዶም ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመርና ንዘረጋገፆም ዓበይቲ ውፅኢታትን ንምፍርራስ ዝካየድ ዘሎ ርብርብ ኣብዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝበፅሐ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ።

መንግስቲ ኢትጵያ ነውፅን ዕግርግርን ንምህዳእን ሃገር ናብቲ ንቡር ኩነታት ንምምላስን ንዓሰርተ ወርሒ ዝፀንሐ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምእዋጅ ኣብተን ህውከት፣ ጥፍኣት ህይወት ሰብን ብርሰት ንብረትን  ጋጥማ ዘለዋ ከባቢታት ሰላም ነምዕሳል የስራሐ እሎ፡፡

ሕዚ እውን ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለው ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ህውከትን ዕግርግርን ክሰፍሕ ብምግባር ኣብ  ዜጋታት ስግኣት ክፍጠር ብምግባር፣ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ዘነፃፀረ፣ ሓውሲ መንግስታዊ ስልጣን ብዓመፅን ብሓይሊን መንዚዕኻ ድልየታትካ ንምምላእ ዝካየድ ዘሎ ኩነታት ጠጠው ኣየበለን ዘሎ፡፡

ሕልሚ እዞም ሓይልታት ጥፍኣት ከንቱ ንምግባርን ብዋናነት ድማ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትናን ሃለዋት ህዝብናን ናብ ቦታኡ ንምምላስን መንግስቲ ኣብ መላእ ሃገር ንሽዱሽተ ወርሒ ዝፀንሕ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምውፃእ እናቀሳቀሰ ይርከብ።

ብመሪር ቓልስን መስዋእትነትን ዝተተኸለ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ትማሊ ብዝተስዓሩ ሓይልታት ጥፍኣት ከይፈርስን ከም ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ታሪኻዊ ጥፍኣት ከይስዕበናን ኩሉ ህዝቢ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዋርድያ ኮይኑ ጠጠው ክብል ኣለዎ።  

መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደላይ ሰላም፣ ተኽኣኢሉን ተኸባቢሩን ዝነብር ከምዝኮነ ይፍለጥ፡፡ ሰላሙ በምዕቃብ እቲ ኣብ ከይዲ ዘሎ ልምዓት ከሳልጥ ይግባእ፡፡  ግድብ ዓብዪ ህዳሰ ንክዕወት ሰላማ ምስፋን ቀዳሚ ተግባር እዩ፡፡

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy