Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ተሳትፎ ህዝቢ ንምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳር!

0 317

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

 

  • ተሳትፎ ህዝቢ ንምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳር!

 

ሲዒድ መሓመድ

 

ናይ ክራይ ኣካቢነት ጉዳይ ኣብ ሃገርና መነጋገሪ ኮይኑ ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ዘሎ ዕብየትና ሰላምን እታ ዓዲ ዓብዪ እንቅፋት ይኾን ከምዘሎ ሙሁራን ይገልፁ። ካብቶም ክራይ ኣካቢነት ዘስዐቦም ፀገማት ሓደ ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ብልሹእ ኣሰራርሓን እዩ።

 

ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ዘይተረጋገፀሉ ደረጃ ኮይንካ ህዝብን ሃገርን ናብ ዝለዓለ ብርክን ምዕባለን ንምስግጋር ዘይከኣል ምዃኑ ዝስሕቶ ወገን ኣይህልወን  ምኽንያቱ ብኩለ መዳያት ሓሊኹ ምንቅስቓስ ዝኸልእን ማሕንቖ ዕብየት ዝኾንን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንህላወኻ ዝፈታትን ስለዝኾነ።

 

እቲ ዓንቃፊ ዕብየትን ለውጥን ዝኾነ ብዝግባእ ተፈሊጡ ካብ ሱር መሰረቱ እንተዘይተማሒዊ  እቲ ማሕለኻ ዕብየትን ለውጥን ባዕሉ፣ እቲ ናይ ሕጊ ኣካል እውን ባዕሉ እንተኾኑ ግን፣ እቶም ፀገማት ህዝብን ሃገርን ዓሰርተ ሻዕ እንተተፀርሑ መሰረታዊ ለውጢ ክፍጠር ይኽእል እዩ ኢልካ ትፅቢት ምግባር፣ መሊስካ ናብ ዝኸፈአ ዓዘቕትን ከርፋሕ ሂወትን ካብ ምስጣሕ ሓሊፉ ካልእ ዝፍጠር ተኣምር ኣይክህሉን። ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ክራይ ኣካቢነትን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ካብሱሮም ተማሒዎም ከፀንቱ ምግባር ናይግዲ እዩ።

 

ጠንቅን ማሕንቖን ሰናይ ምምሕዳር ምስፍሕፋሕ ክራይ ኣካብነት  ካብ ሱር መሰረቱ ንምጥፋእ ካብ ላዕለዎት ናይ ፌደራል ኣካላት ጀሚሩ ክሳብ እታ ዝነኣሰት ጥርናፈ ኔት ወርክ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ናብዝሓሸ ብርኪ ክሰጋገር ኣለ

 

በዚ መበገሲ መሰረት  ክራይ ኣከብቲ ዝተውሃበካ ሓላፍነት ብግቡእ ዘይምፍፃምን ከምኡ ‘ውን ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ኣብ ውልቀ ረብሓኻ ምውዓልን ምጥፍፋእን ዝምልከት ብምዃኑ ነዚ ኣብዝግበር ቃልሲ ኣብምስጓም ናይኩሉ ሕብረተሰብ ሓድነትን ምትሕግጋዝን የድሊ።

 

ዝተውህለለ ዓቅሚ እንተድኣ ዘይተጠናኪሩ  ተግባራውነቱ ኣብ ባይታ ወሪዱ ነቲ ቀንዲ መሳለጢ ክራይ ኣካብነት ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ሃገርን ሰላምን ዝተረጋግዐ ሂወትን ንምህናፅ ሓሊኹ ሰንሰን ዘብል ዘሎ ኣካል ብዝግባእ ተፈቲሹ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ የፀግም።

 

እቶም ሕድሪ ህዝቢ ራሕሪሖም ናብ ክራይ ኣካብነት ዝኣተዉ ኣመራርሓ እናተፈለዩ ናብ ሕጊ ክቀርቡ ምግባር ብትሕብባር የድሊዮ እዩ። ሎሚ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ክሳብ ታሕተዎት ካድረታትን ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮን ንጉድለት ሰናይ ምምሕዳር ክራይ ኣካብነት ቀንዲ ዓንቃፊ ልምዓትናን ዕብየትናን እዩ ብዝብል መሰረታዊ ፍታሕ ንምምፃእ ይሰርሑ ዋላ ይሃልዉ እምበር እቲ ቃልሲ ቀሊል ከምዘይኮነ ምግማት አይሰኣንን።

 

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሃገርና  ክራይ ኣካብነት እቲ ዋና ማሕንቖ ኩሎም ዝተፈጠሩ ሽግራት ናይ’ታ ሃገር ኮይኑ ኣሎ።  ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ንምድርዓት ንኣስታት ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ዝተኻየደ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ኢትየጵያ   ምኽንያት ካብ ዝኾንዎ ነጥብታት ሓደ ጉዳይ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን እዩ ነይሩ።

 

መግለፂ ምርግጋፅ ሰላምን ዴሞክራስን እውን ስለ ዝኾነ ውድብ ህወሓት/ኢህወዴግ  ከም ብሌን ዓይኑ ይሪኦ ዝነበረ መደብ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን ሰናይ ምምሕዳር ምዕባለ ከየርአየ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተበላሸየ ይኸይድ ኣሎ።

 

እቶም ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎን እየን።  እተን ውድባት ህልውንአን ብህዝባዊ ተሳትፎ እዩ ክዓቢ ነይሪ ሐዚውን ዝዓቢ ዘሎን ክዓቢ ዝኽእልን። ስለ ዝኾነ እውን ጉባኤታት ውድብ ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ሓፋሽ ብወኪሉ ኣቢሉ ኣብቲ መድረኽ ክሳተፍ ብምግባር ውዑይ መድረኽ ምትህንናፅ እናፈጠረ ክኸይዳ ይግባእ።

 

ካብዚ ብምብጋስ በቢእዋኑ ንዘጋጥሙ ፀገማት ምስ ህዝቡ ተረዳዲኡ እናፈትሐ ብምኻድ ፀገማት ከይተባኣኣሱ እናፈትሐ ናይ ምኻድ ልምዱ ከጠናክር ይግባእእ።    እቲ ህዝቢ እውን ውሳነታት ኢህወዴግ ኣኽቢሩ ኣብ ጎድኒ ውድቡ ብምዃን ግጉያት ዝንባለታትን ኣተሓሳስባታትን ፈልዩ ክቃለስ ብምኽኣሉ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝመሓየሹ ነገራት ኣለዉ እዮም።  

 

እዞም ክፍተታት ስርዓትን ኣሰራርሓን ኣተኣታቲኻ ብምድራቕ ንምዕሳል ሰናይ ምምሕዳር በሪ ዝኸፍቱ ኣተሓሳስባታትን ኣሰራርሓታትን ክልኮቱ ከምዝግባእ ብምእማን መንግስቲ ብፍላይ እቲ መሪሕ ውድብ ሐዚእውን ከምቀደሙ ኣብህዝባዊነቱ ጠጠው ኢሉ ይርከብ።

 

በዚ መልክዕ እቶም ቀንዲ ፍልፍላት ክራይ ኣካብነት ምሕደራ መሬት፣ ስርዓት ኣተኣኻኽባ ግብሪ፣ ምሕደራ መንግስታዊ በጀት፣ ዕድጊት ንብረትን ስርዓቱ ዘይሓለወ ውድድር ዕዳጋን ብምዃኖም ኣብዚኦም ዘሎ ኣሰራርሓታት ግልፅነት ክህልዎ ምግባር የገድስ።

 

ንሕድሕድ ክፍተት ዝዓብስ ኣሰራርሓታትን መምርሕታትን ወፂኡሉ ኣብ ተግባር ብቓልሲ እናተመርሐ ክከይድ ኣለዎ።  ጉዳይ ምዕሳል ሰናይ ምምሕዳር ኣካል እቲ ኣጠቓላሊ ምንቅስቓስን ህንፀትን ልምዓትን ዓዲ ኾይኑ ተኣሳሲሩ ምፍፃም ስለዝተጀመረ ምምሕያሻት ይርኣዩ ኣለዉ። እዚኦም ምምሕያሻት ግና መሊኦም ንክስጉሙ ኩላትና ድርሻና ክንዋፃእ እቲ ዘለናሉ እዋን ይጥለብ።

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy