Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ኩላትና ንሰላም ንሕበር !

0 498

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

 

ኩላትና ንሰላም ንሕበር !

ስምረት ገ/ዝጊ

ኣፍሪቃዊያን ተንተንቲ  ፖለቲካ ሓደሓደ ሃገራት ካብ ኣፍሪካ ዝረኽቡዎ ዘይተኣደነ ረብሓ ንምዕቃብ ክብሉ ብሽም ሓገዝን ዲሞክራስን ዝልእኽዎም ትካላትን ጥንኩር መሓውር ስለያኦምን ብምጥቃም ኣፍሪካ ማእኸል ጎንፂ ንክትኾን ናይባዕሎም እጃም ከምዘለዎም ይላበዉ።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይምርግጋዕ ይኹን  ጎንፂ ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ብመንፅር ረብሓኦም ቓንዮም ስለዝርእይዎ ብልዝብ መዕለቢ ክረክብ ኣብ ምግባር ሕፅረታት ከመዘርእዩ እቶ ሙሁራን ይገልፁ።   ካብዚ ብተወሳኺ ኣፍሪካውያን ፍልፍል ጎንፅታቶም ፈልዮም ኣፍሪካዊ መፍትሒ ክህብሉ እናተገብኦም ነንሕድሕዶም ከናኸሱን ክገራጨዉን ምርኣይ ተለምዳዊ ኮይኑ ይርከብ ።

ኣብ አፍሪካ ዝልዓሉ ጎንፂታት ክፍትሑ ዝኽእሉ ብኣፍሪቃዊያን ባዕሎም ከምዝኾነ ወላኳ እነተተፈለጠ ነዚ ኩነታት ኣጠናክርካ ኣብ ምኻድ ሕፅረታት ይርኣዩ።  በሓደ ወገን ዝተወሰኑ ሃገራት ኣብ ናይካልኦት ጎረቤት ሃገራት ናይ ውሽጢ ጉዳይ ጣልቃ ብምእታው ሰላም ክዘርጉ ይርኣዩ። ብካልእ ወገን ድማ ነቲ ሰላም ኣፍሪካ ንምዕቃብ ላዕሊ ታሕቲ ዝብላ ሃገራት ኣለዋ።

በዚ መዳይ ክርአ እንከሎ   ሃገርና ኢትዮጵያ ንአስታት ዕስራ ሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል ሰላም፣ ድሕንነትን ልምዓትን ኣፍሪካውያን ንምውሓስ እትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ሓበን ኣፍሪካውያን ምዃኑ ባዕሎም ኣፍሪካዊያን ኮነ ምዕራባዊያን ከይተረፉ ዝመስከርዎ ሐቂ እዩ።  

ምስዚ ተኣሳሲሩ ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ዝሓለፉ ውስን ዓመታት ጀሚሩ ሓዱሽ ኩነታት ተተኣናግደ ዘላ ሃገርና ሐዚውን ኣብ ኣፈሪቃ ሰላም ዘለዋ ተራ ልዑል እዩ።   

 

ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣካል ኣብ ኤርትራን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ናይ ዘሎ ቅርምት ዝኾነ፣ ግብፂ ሰራዊታ ኣብ ኤርትራ ምቕማጣና ካልኦት ከም እኒ ሳውዲ ዓረቢያን ቱሪክን ዘኣመሰላ ሃገራት እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ወደብ ኤርትራ ይጠቀማ ከምዘለዋ ብዝተፈላለያ ዓበይቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለምና እናተጋውሐ ይርከብ።

 

ፕረዝደንት ኤርትራ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት “ብዕራይ ወለደ ወረ እዩ” ዋላ እኳ እንተበልዎ ኤርትራ ምስ ግብፂ ክተካይዶ ጀሚራ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ረኽቢ ግና ግብፂ ፀጥታ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምሕማስ ናይ ዘለዋ ስትራተጂካዊ ድልየት ምልክት ክኸውን ከም ዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ እናሓበሩ ይርከቡ። ብፍላይ ንሃገርና ንምብፅባፅ ንነዊሕ እዋናት ክትሰርሐሉ ዝፀንሐት ኩነታት እዩ። እዚ ውሽጣዊ ሰላም ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪካን ዝሕምስ ኣካይዳ ኣደብ እንተዘይገዚኡ ነቲ ስሉጥ ልምዓት ሃገርና ከሰናክል ኣይክእልን ኢልካ  ክሕሰብ አይግባእን።

 

በዚ መመዘኒ እቲ ኩሉ ኣብ ሃገርና ዝርአ ዘሎ ህውስውስን ጎንፂን ናይዚ ውፅኢት ከምዝኾነ ምግማት ይክኣል።  ግብፅን ኤርትራን ንጉዕዞ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘለዎን ኣሉታዊ ፅልዋ ዘይንዓቕ ብምምዃኑ ኣብዛ ሃገር ዘለዋ ኩለን ብሔር ብሔረሰባትን ሕዝብን ኣነፅረን ክፈልጣ ይግባእ፡፡

 

ውሽጣዊ ፀገምና ብምይይጥን ምርድዳእን ክንፈትሕን ናይደገ ፀላእትና ክንምክትን ይግባእ።  ሓደሓደ ሙሁራት ከምዝገልፅዎ ፖለቲከኛታት ሃገረ ግብፂ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዓለም ዝነበሮም ተሰማዕነት ኣብዚ እዋን እዚ ቀኒሱ እዩ። ብተፃራሪ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ተሰማዕነት ክብ እናበለ መፂኡ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ  ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ለውጥን ሃገርና ቀልቢ ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን እናስሓበ ምምፃኡ እዩ።

 

ቅድም ክብል እውን ግብፂ ንዝተፈላለያ ሃገራት እቲ ዞባና ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምእማንን  ኣብ ናይ ሃገርና ኢኮኖሚ ዕብየት ፅልዋ ንምሕዳርን ዝተፈላለዩ ፈተነታት እናገበረት ምፅንሓ ስለዝኾነ ግብፂ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ካብ እዋን ናብ እዋን ዝሰኣነቶ ልዕልነት ፖለቲካ ኣብ ቀጠና ቀርኒ ኣፍሪካ ክከሓሓስ ካብ ዘለዋ ባህጊ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ተጠቒማ ምንቅስቓስ ምጅማራ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ተግባር ምዃኑ ይገልፁ።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ከምዝገለፆ ኣብ ግድብ ኣባይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ምፍልፋል ሓሊፋ ንመስኖ ኣገልግሎት ከምዘይጥቀም ፍሉጥ እዩ። ሃገረ ሱዳን እዚ ብምርዳእ ምስ ሃገርና ትተሓባበር ኣላፁ። ይኹን እምበር እዚ  ንፖለቲከኛታት ሃገረ ግብፂ ዘይተፀበይዎ ስለዝኾነን ቅድም ሱዳን ምስ ግብፂ ዝነበራ ምትሕብባርን ሓድነትን ዝለወጠት ብምዃና ኪሳራ ኣስዒቡሎም እዩፁ።

 

በዚ ምኽንያት ርክብ ኢትዮ-ሱዳን እናተጠናኸረን እናሓየለን ምምፃኡ ዘይትወሓጠላ ግብፂ ክሳብ ንናይ ፕሬዝደንት ኣልበሽር መንግስቲ ምግልባጥ ናብ ኤርትራ ብምእታው ንተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን ምስልጣን ከምዝጀመረት ዝተፈላለያ ዓለምለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ይፅብፅባ ኣለዋ።

 

ግብፂ ኣብ መሰልጠኒ ወታሃደራት ኤርትራ ፍሉይ ሽሙ ሳዋ ኣብዝበሃል መዓስከር ክሳብ 30 ሸሕ ወታደራታ ክተስፍር ድሌት ከምዘለዋ እውን እቶም መኸቢ ሓፋሻት የጋውሑ ኣለዉ። እዚ ናይ ግብፅን ኤርትራን ሴራ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ብምሕዳር ሃገራዊ ጥቕመን ንምኽባር ልኡኽ ዘለዎ እዩ።

 

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ፖለቲካዊ ቀውሲ ናብ ምብራቕ ኣፍሪካ እናተሰሓበ ብምዃኑ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ወፃኢ ርክባቱ ምቁፅፃር ዘይኽእልን ርክባቱ ድማ መትከላዊ እንተይኮነስ ምስ ዝዓምበረ ብምዃኑ ንህንፀት ሃገሩ ዘይግደስ ዝለመሰ ስርዓት ኮይኑ ኣሎ። መንግስቲ ኤርተራ ንባዕሉ ይልመስ እምበር ንጎረባብቲ ሃገራት ንከልምስ እውን ላሕ ይብል ከምዘሎ ይፍለጥፁ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ደገፋት ህልውናኡ ክሳብ ዘረጋገፀሉ ንካልኦት ደገፍ ምሃብ ጥራሕ እንተይኮነስ ካልኦት ዓበይቲ ዝብሃሉ ውሳነታት ክሳብ ምትሕልላፍ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእልን ነዚ ድሉው ከምዝኾነ ምግማት ይክኣል።

 

ግብፂ ናይ ርሑቑን ቀረባን ጥቕማ ብምርኣይን ብምምማይን ገፃ ናብ ኣፍሪካ መሊሳ ኣላ። ግብፃውያን ኢትዮጵያ ሰላም ከይትረክብ ንዘመናት ክፅዕሩ ፀኒሖም እዮም። እዚ ሕዚ’ውን ኣጠናኺሮም እናቐፀልሉን እናሰርሕሉን ምህላዎም ኣብ ቀረባ ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓስ ምስክር እዩ።

 

እዚ ኩነታት ኣብዘን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ዘሎ ኩነታት ንኣብነት ኣልዐልና እምበር ኣብ መላእ ሃገራት ኣፈሪቃ ዘሎ ኩነታት ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኮነን።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብመሰረት ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ኣቢሉ መልክዕ ንምትሓዝ ዝሰርሐሉ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ እቲ ኣብ ምዕራባውያን እናተቐፃፀለ ዝርከብ ቀውስን ስእነት ሰላምን በዚ ሽርሒ ኣቢሉ ከይትኣታቶ ክምክትኡን ሓድነተን ከጠናኽራሉን ከም ዝግባእ ንጉዳይ ኣፍሪካ ኣመልኪቱ ዝትንትን “ሆርን ኣፈይርስ” ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ዋጋ ሰላም ክትመን ዘይክእል ብምዃኑ ኩለን ሃገራት አፍሪቃ ንሰላም ክሓብራ ይግባእ።

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy