Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ረብሓ ህዝቢ ንምርግጋፅ!

0 463

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ረብሓ ህዝቢ ንምርግጋፅ!

ሲዒድ መሓመድ

እቲ ኣብሃገርና ንዝሓለፉ አስታት 27 ዓመታት ክሳለጥ ዝመፀ ዴሞክራሲያዊ ልምዓታዊን ፖለቲካዊ መስመርና  ኣብ ተግባር ዘውዐሎም ዘተባብዕ ውፂኢት ዘምፅኡ ፖሊሲታት ሃገርና ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ በብደረጃኡ ተጠቃሚነቶም ዘረጋግፅ ፍትሓዊ  ልምዓት ከምዘስፈነን እዚ ከዓ ብዓለምለኸ ናይ ቁጠባ ትካላት ከምዝተረጋገፀ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

እቲ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትና ኣብ ሃገርና ንመፈለምታ እዋን ኣብ ድልየትን ማዕርነትን ዝተመስረተ ማዕረ ተሳትፎን ተጠቃምነትን መላእ ብሔር ብሔራትን ህዝብታትን  ኢትዮጵያ ዘተግበረ ስርዓት ፈጢሩ ንክደላደል ገይሩ እዩ። ኣብኡ ኣቢሉ ድማ እቲ ዲሞክራሲያዊ ሓድነት ሃገርና እናተጠናኸረ ክከይድ ሓጊዙ።

ኣብዝሓለፉ ዓመታት ዝተዓተረ  ለውጢ ንሚሊየናት ዜጋታት ተስፋ ዝሰነቐ ከምዝኮነ ብጭቡጥ  ዘመስከረ ምዃን ዋላኳ እንተዘይተክሓደ ኣብተን ዝሓለፋ ኣስተት  ኣርባዕተ ዓመታት ነቲ መሰረታዊ ናይ ሰላም ዲሞክራሲን ልምዓትን ለውጢ   ከናግዕዎ ዝኽእሉ ኩነታት ተፈጢሮም ነይሮም ምንባሮም ኩላትን እንፈልጦ ጉዳይ እዩ። እቲ ናይ  ሰላም፣ ሓድነት፣ ዲሞክራሲን ልምዓትን ተስፋ ኣብዝተርኣየሉ እዋን ዝተርኣየ ህውከትን ግርጭትን  ልምዓት ዝኾልፍ ዓይነት እዩ ነይሩ፡፡

ካብ ኩሉ ንላዕሊ  ምንም ዘይበደሉ ዜጋታትን ህዝብታትን ብማንነቶም ምኽንያት ዘርኣዊ መጥቃዕቲ በፂሑዎምን ተጋፊዖምን እዮም። ቀሊል ዘይብሃል ቁፅሪ ዘለዎም ዜጋታት እውን ህይወቶም ሓሊፉ። ኣሻሓት ተፈናቒሎም፣ ብሚሊዮናት ዝግመት ንብረት እውን በሪሱ፡፡

ኣብዝተፈላለየ እዋን ሙሁራት ከምዝገለፅዎ  ቀንዲ መንቀሊ እቲ ሽግር መሪሕነት ኢህወዴግ ምዃኑ እዩ። እዚ መሪሕነት ከም ሃገር ተስፋ ዝህብ ዓወታት ህዳሰ ኣመዝጊቡ እንተብቅዕ  ንዘጋጥሙ ሽግራት ምፍታሕ ዘይክእል፣ ንኣባላቱን ህዝብን ዘይሰምዕን ብቑዕ ምላሽ ዘይህብን ብምዃኑ እዩ።

እቲ ውድብ ኣብ ውሽጡ ፀረ-ዴሞክራሲያዊ ኣረኣእያን ተግባርን ኣማዕቢሉ፣ መሰል ህዝብን ኣባላትን ዝግህስ ተግባር ምፍፃ ተተሓሒዝዎ፣ ሕጊ ረሲፁ፣  ሓድነት ኣፍሪሱ በዚ ምኽንያት ኣብ ህዝቢ ተኣማንነት ስኢኑ። ነቲ ውድብን ነታ ሃገርን ዝመርሑ በብደረጅኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ እቲ ኩሉ ዝመፅእሉ ኩነታት ብምዝንጋዕ  ገዛኢ ደርቢ ናይ ምዃን ዝንባለኦም ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በፂሑ።

ነዚ ኩሉ ውድቀት እቲ መበገሲ ከዓ ኣብ መሪሕነት ኢህወዴግ ዝተፈጠረ ሽግር ዝተገንዘቡ ናይ ውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ስርዓትና ከፍርሱን ናይ ክራይ ኣከብቲ መንግስቲ ክምስርቱን ዓሊሞም ዝገብርዎ ምርብራብ ከምዝኾነ ኩሉ ይርድኦ እዩ። ነቲ ኩነታት ብመሰረታዊነት ዘይተረድኡን በቲ ዘሎ ምምሕደር ብሰንኪ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ፀር ፀር ዝበሉ ስራሕ ክረክቡ ዘይክኣሉ መናእሰያት ፍታሕ ዝረከቡ መሲሊዎም ንዝተወሰነ ጊዜ ነቲ ናይ ነውጥን ሁከትን ሓሳብ ደጊፎም ተንቀሳቂሶም እዮም።

ፀረ ሰላም ሓይልታት ነቲ ሃገር ናይምብራስ ዒላሚኦም ንምትግባር ዝሕግዝ  ደገፍቲ ንምርካብ ከዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዝተዋደደ ዘርኣዊ ጥቕዓት ብምልዕዓልን ብምፍፃምን ኣብ ከይዲ ንኹሎም ህዝብታትን ናብ ደማዊ ጐንፂ ብምእታው ፌደራላዊ ስርዓትና ክፈርስን ሃገር ተሓሚሳ ክትበታተንን ምግባር እዩ ነይሩ እቲ ቀንዲ ዒላሚኦም።

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝተወሰደ ስጉምቲ መረፃ ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገርና ብዝሓለፉ አስታት ሰለስተ ሰሙናት ኣብ አዘካየድዎ ህዝባዊ ምይይጣት ምርዳእ  ከምዝክኣል ኢህወዴግ ከም መትከላውን ዴሞክራሲያውን ውድብ ነዚ መድረኽ ዝምጥንን ነቶም ፈተናታት ክፈትሕ ዘኽእልን ዕቑር ዓቕሚ ከምዘለዎ የመስክር ኣሎ። እቲ ኣብዚ እዋን ዝተመረፀ ካቢኔ ሃገርና ነቶም ችግራት ህዝቢ ብዝግባእ መልክዕ ክኣልዮም እንተድኣኪኢሉ ሃገርና ዝጀመረቶ ናይ ተሃዲሶ መስመር ከምዝዕወት ኣየጠራጥርን።

ፖለቲካዊ መስመር ኢህወዴግ  ነቶም ዓብዪ ጉድለት ዘለዎም መሪሕነት ብምርጋፍ ብቑዕ ኣመራርሓ ንምፍጣር ዘክእል ኩነታት ፈጢሩ ብቐፃሊነት ንህዝቢ ኣተሓባቢሩ እንተድኣ ሰሪሑ እታ  ሃገር ዝወጠነቶም ምዕባለታት ክተቐፅልን ክተዕውትን ከምእትኽእል ምርዳእ ይክኣል።

እቲ ሐዚ ጀሚርዎ ዘሎልዕሊ ናይ ባዕሉ ረብሓ ብምርኣይ ቅንዕናን ትረትን ዘለዎ ቃልሲ እንተካይዱን ተሓታትነት እንተረጋጊፁ፣ ቅንዕና ዘለዎም ህዝባውነቶምን ዴሞክራሲያውነቶምን ዘረጋገፁ ኣመራርሓ ብድፍረት ናብ ዝለዓለ ኣመራርሓ ምምፃእ እንተቀፂሉ እቲ ሽግር ሙሉእ ብሙሉእ  ክፍታሕ ከምዝኽእል ሙሁራት ይዛረቡ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ጅግጅጋ ኣምቦ መቐለ ጎንደርን ባህዳርን ብምካድ ምስቲ ህዝብ ብምምይያጥ ሰላም ንክፍጠርን ሰባት መሰሎም ተኸቢሪሎም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንክዘዋወሩን ዘኽእልን ሓድነት ህዝብታት ሃገርና ዘጠናኽር ተግባራት የካይዱ ኣለዉ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ንሰላምን ሓድነት ህዝብታትን ብምጥባቕ ነቲ ዝተፈጠረ ህውከትን ግርጭትን አዐርዩ ብምኹናን ህዝቢ ሰላሙ ከይድፍርስ  ዴሞክራሲያዊ ሓድነቱን ከይሽርሸር ወሳናይ ተራ ከምዘበርክት ቃል ይኣቱ ኣሎ።

እቲ ሓድሽ መሪሕነት ኣብ ምምሕዳር ዘሎ ፀገም ክፈትሑ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም ሓደሽቲ ኣመራርሓ ብዝተፈላለየ ደረጃታት ብምምዳብ ሓዲሽ ካብኔ ብምጥያሽ እቲ ህዝቢ ዘልዕሎ ዘሎ ፀገም ኣብሓፂር እዋን ንምፍታሕ ብዝገበሮ ፃኝሪ ናይ ኩለን ክልላት ህዝብታት ደገፍ ይረክብ ኣሎ።

ካብዚ ተበጊስካ እንትርአ መፍትሒ ናይዚ ኩነታት ኣብ ኢድ ኢህወዴግን ህዝብን ብምዃኑ ሃገርና እቲ ኣብዝሓለፉ ጊዚያት ከጋጥማ ዝነበረ ዘይምርግጋዕ እውን ጠጠው ዝበለሉ ኩነታት ብምፍጣሩ እቲ ችግር ሙሉእ ብሙሉእ በብደረጅኡ ከምዝፍታሕ ህዝብታት ሃገርና ተስፋ ገይሮም ኣለዉ።

ረብሓ ሕዝቢ ምርግጋፅ  እቲ ዋና አጀንዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኮነ ይፍለጥ። እዚ በቶም ዛሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓመታት መሰረት ክሕዝ ተገይሩ እዩ። ሐዚ ዘዲሊ ነቲ መሰረት ሓሊካን ኣጠናክርካካን ምካድ ከምዝኮነ ብዙሓት ይኣምኑ። ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ድም ህወሓት/ኢህወድግ  ክሳብ ሐዚ ዝርአ ዘሎ ፃዕሪታት እቲ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ተስፋ ዝህብ ብምዃኑ  ነዚ ናብ ጭቡጥ ተግባር ምንቅስቓስ ብምቕያር እቲ ውድብ ውሽጡ ከፅርይ ዝጀመሮ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ክቕፅልን ስርዓትና ናብቲ ንቡር ክምለስን ክገብር ድማ ታሪኻዊ ሓላፍነት ብዝግባእ መልክዕ ክውፃእ ኣብዝገብሮ ፃዕሪ ኩላትን ናይ እጃምና ክነወፊ ናይግዲ ይከውን።

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy