Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ሰላም መናብርቲ ልምት!

0 329

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ሰላም መናብርቲ ልምት!

 

ሲዒድ መሐመድ

 

ኣብዚ እዋን እዚ ኩሎም መናእሰይ ሃገርና ብፀጋታት ሃገሮም ማዕረ ምጥቃም ዘኽእሎም ኩነታት ይሃሉ እምበር ብሰንኪ ብልሹው ምምሕዳር  ተስፋ እናቆረፁ ንስደት ይቃልዑ ኣለዉ፡፡ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ዘኽእሉ  ፖሊሲን ስትራተጂን ከምኡ’ውን ፓኬጃት ተቐሪፆም ተግባራዊ ምዃኖምን መነባብሮ መናእሰይ ንምልዋጥ ቅድም ክብል ብዙሓት ናይስራሕ ዕድላት ከምዝተፈጠሩ ዝፍለጥ ኮይኑ    ኣብዚ እዋን እዚ እውን መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ፡፡ መናእሰይ ነዚ ብምርዳእ ምስመንግሰቲ ክትሓባበሩን ሰላም ሃገሮም ከሕልዉን ይግባእ፡፡

ከምዝፍለጥ ኣብዝኾነ ይኹን ማሕበረሰብ ንዕብየት ቑጠባን ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ግደ መናእሰይ ዝልዓለ ምዃኑ አየጠራጥርን። ሃገርና ንእተመዝግቦ ቕልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ንእትሃንፆ ዘላ ስርዓት ዴሞክራሲን መናእሰይ ዓብይ ብፅሒት ከምዘለምልም እውን ርዱእ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት ዕስራ ሸውዓተ ዓመታት ከምዝተርኣየ መናእሰይ ሃገርና ህንፀት ልምዓትን ዴሞክራሲን   ክብ ዝበለ ጊደ ነይርዎም፡፡

ብፍላይ ኣብ ሃገርና ንመፈለምታ እዋን ኣብ ሩባ ኒል  ኣብቲ ዝህነፅ ዘሎ መመንጨዊ ሓይሊ ዝነበሮም ተሳትፎ ዛልዓለ እዩ፡፡ እዚ ሐዚ እውን ቀፂሉ ከምዘሎ መረዳእታታት የርእዩ፡፡ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ህንፀቱ ንክቀላጠፍ መንእሰይ ወለዶ  የበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ዝለዓለ ምዃኑ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይግለፅ ኣሎ።

በዚ ምኽንያት መናእሰይ ክሳብ ሎሚ ኣብ ምንካይ ድኽነት ዝነበሮም ጊደን  ተሳትፎ ብምሕያል ዘላቒ ተጠቃምነቶም ከረጋግፁ እንተደኣ ኮይኖም ሰላም ሃገሮም ክሕብሕቡ ይግባእ።

ድኽነት ኣብ ምጥፋእን ልምዓት ኣብ ምቅልጣፍን ሓላፍነት መናእሰይ ዝዓበየ ብምዃኑ  መናእሰይ ዝማዕበለት ሃገር ክርከቡን ከመሓላልፉን ሃገራዊ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንምፍፃም ዓርሶም ብትምህርትን ፍልጠትን ከማዕብሉ ከባቢኦም ከልምዑን ሰላም ሃገሮም ክሕልዉን ይግባእ፡፡  

መናእሰይ  ኣብታ ሃገር ብዘሎ ምቹው ኹነታት ተቒሞም ውዳብኦም ብምጥንካር ኣብ ሃገሮም ዘለዎም ፍትሓዊ ተጠቃምነት ከዕብዩ ይግባእ፡፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሰላምን ኩለመዳያዊ ዕብየትን ቐፃልነት ክህልዎ ብፅሒቶም ክፍፅሙ ከምዘለዎም እውን ክርድኡን በኡ ኣቢሎም ድማ ሓድነቶም ከጠናክሩ ይግባእ፡፡

ኣብ ገለ ከባብታት ሃገርና ዘጋጠሙ ጎንፅታት ስዒቡ ዘጋጠመ ምጥፋእ ህይወት ንፁሃት ዜጋታት መጉዳእቲ ኣካልን መንፈስን ኢሉ’ውን ምዕናው ንብረት ንመፃኢ ከይድገም ኣብ ምግባር ምስ መንግስትን ደላዊ ሰላም ህዝብናን ክትሓባበሩ ከምዘለዎም ርዱእ እዩ፡፡

ሃገርና ብኹለመዳያዊ ዕብየትን ልምዓትን ብሩህ ተስፋ ዘለዋ ምዃና ተገንዚቦም ሰላም እዛ ሃገር ክሕልው  ይግባእ። ብፍላይ ብናይ ፀላእቲ ፀለመን ናይ ፈጠራ ወረታትን ከምኡውን ብሚዲያታት ብዝግበር ሃገር ናይ ምፍራስ ቃልሲ ከየተታለሉ ሓድነቶም አጠናኪሮም ሰላሞም ክህልዉ  እቲ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ይጠልብ፡፡

ብኻልእ ወገን ሓሳብኻ ብሰላማዊ መንገዲ ምቕራብን ዝወሃብ ምላሽ ብትዕግስቲ ናይ ምፅባይ ልምድን ክዓቢ ይግባእ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ከዕቢ ዝክእል ኣሰራርሓ እናሃነፀ ኣብዘለሉ ኣብዚ እዋን እዚ ኩሎም መንእሰይ ሃገርና ምስቲ መንግስቲ ክተሓባበሩ ይግባእ።

ኣብዚ እዋን ዳርጋ ኣብኩለን ከባቢታት ሃገርና   ዝልዓል ዘሎ ሕቶ መናእሰይ ስእነት ስራሕ ከምዝኾነ ይፍለጥ፡፡ ብርግፅ ስእነት ስራህ ኣብኩለን ሃገራት ዓለም ዘሎ ፀገም ዋላካ እንተኮነ ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣመሰሉ ሃገራት እቲ ዘሎ ማሕበራዊ ምጣኔ ሃብታዊን ፖለቲካዊን ኩነታት ስለዘጋድዶ ዘሕድሮ ፅዕንቶ ክብ ዝበለ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ከይተረፈ  ስእነት ስራሕ ከምዘሎ መፅናዕታት ይሕብሩ፡፡

ንኣብነት ኣብ ጎረባብትና ዘሎ ኩነታት እንተርኢና ስእንት ስራሕ ከቢድ ስግኣት እዩ፡፡ ኣብ  ቀረባ እዋን ዝተሰርሐ መፅናዕቲ ከምዘርእዮ ካብ መንጎ ዓሰርተ መናእሰይ ኬኒያ እርባዕተ ብሰንኪ ስእነት ስራሕ ካብ ሃገሮም ንክወፁ ከምዝደልዩ የርኢ፡፡

ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት አውን ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኮነን፡፡ ስእነት ስራሕ ናይ ብዙሓት መናእሰይ ፀገም እዩ፡፡ መንግስቲ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስድ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡

እቲ ዝካየድ ዘሎ ፅዕረት ምንካይ ስእነት ስራሕ መናእሰያት በብደረጅኡ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ተግባራዊ ንክከውንን ውፂእት ንክህልዎን ዝኽእል ሰላም እንተልዩ ጥራሕ እዩ፡፡ እዚ ሰላም ንከይስስን ፀላእቲ ህዝብናን ሃገርናን ዝተፈላለዩ ፈተነታት የካይዱ ኣለዉ፡፡

እዞም ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት ናይቲ መንእሰይ ስሚዒት እናቀስቀሱ ሰላም ንክይመፂእን ተረጋጊዑ ስራሑ ንክሰርሕን ተካሳሕቲ ኣጀንታታት እናኣለሹ ንባዕሎም ብድሕሪት ኮይኖም ንመናእሰይ ናብ ጥፍኣት ብምውፋር ሰላም ከደፍርሱን ልምዓት ከደናቅፉን ይፅዕሩ ኣለዉ፡፡

ይኹን እምበር ሰላም እንተዘይድኣ ሃሊዩ ነቲ መንእሰይ ተረባሒ ንምግባር ዝስራሕ ዘሎ ፅዕረታት ፍሪያት ክህልዎ አይክእልን፡፡ ስለዝኾነ እቲ መንእሰይ ኣብሰላሙ ክረባረብ ይግባእ፡፡ ሰላም እንተሃልዩ ህዝቢ ንልምዓቱ ይትሓባበር ልምዓቱ የረጋግፅ ካብ ፀገማቱ ይናገፍ፡፡ ሰላም ተልዩ ኩሉ ሰብ ናብ ዝደሊዮ ብነፃነትን ብዘይምንም ስግኣትን ይንቀሳቀስ ይሰርሕ  እቶት ይረክብ፡፡

ሰላም ተሊዩ እቲ ዝርአ ዘሎ ፀገማት አውን ብዝተረጋግዐ መልክዕ ይፍታሕ፡፡ ሰላም መናብርቲ ልምዓት ከምምዃኑ መጠን ሰላምና  ተሓልውና ልምዓትና ይረጋገፅ፡፡ ነዚ ከዓ ኩሉ መናእሰይ ክረባረባ ይግባእ፡፡

መናእሰይ ሰላሞም ዓቂቦም ልምዓት ሃገሮም ንቅድሚት ከመርሹ ይግባእ፡፡ ቀዳማይ ሚኒሰትር ዶ/ር ዓብይ አህመድ ንመናእሰይ ብዘመሓላለፍዎ መለእኽቲ ከምዝገለፅዎ  “ መናእሰይ ሃገረይ መንእሰይነት ሓዊነት እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ መንእሰየነት ሓዊን ከቢድ ረስኒን ኣሎ፡፡ ነዚ ሓዊ ሓፂን ኣቕልጥሉ ሩባ ጥለፉሉ ጎቦታት ኣፍሪስሉ ነዚ ረስኒ ፋብሪካታትን ድልድያትን ህነፅሉ….›  ከምዛበልዎ መናእሰይ ሃገርና እቲ ዘለኩም ዉዑይ ሓይሊ ነሃገርኩም ልምዓት ክተውዕሉ ይግባእ፡፡ ሰላም መናብርቲ ልምዓት ከምዃኑ መጠን ንሰላም እነጥፍኦ ገንዘብን ጊዘን ኣብቀፃሊ ናይ ሃገርና ልምዓትን ዕብየትን ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ፡፡

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy