Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ዞባዊ ሓድነትን ምትሕብባርን፤

0 291

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

 

ዞባዊ ሓድነትን ምትሕብባርን፤

ዝፈጠረ ዕላዊ ዑደት፤

ብማህደር ተከዘ፤

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናብዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ካብ ዘካይዶም  ምብጻሓትን ህዝባዊ ዘተታትን ብዝዘለለ፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ጅቡትን ሱዳንን ኬኒያን ብምዝውዋርን ዕላዊ ዑደት ብምግባርን ዝተፈላለዩ ስምምዓት ከካይድ ከሎ ፤ ኣብ ጅቡቲ  ኣብ ዝነበሮ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ኢንቨስት ክትገብር ሕቶ ብምቕራብ ካብ ጎራብቲ ሃገራት ናብ ዝዓበየ ብርከን ምዕባለን ከብጽሖ ከምዝኽአለ ዐለም ለኸ መራኸቢ ሀፋሻት ጸብጺበን፤  

ከም ሃበሬታ እተን አለም ለኸን አህጉራዊን  መራኸቢ ሓፋሻት ፤ ሃገራት ቀርኒ አፍሪካ ክህሰባ ከለዋ ኢትዮጵ ብወገን ጅቡቲ እወንታዊ ምላሽ ረኺባ እያ ። ሱዳን’ዉን ምስ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ዝምድና ክትፈጥርን ካልኦት ምትሕብብራትን ከጠናኽራን አብስምምዕነት በጺሃላ ፤ ብወገን ኬንያውን  500 KV ሃይሊ ኤሌክትሪክ ንክትረክብ አብስምምዕነት ምብጽሖም ማዕከላት ዜና ፤ ን ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ እንዳጠቐሳ ሀበሬታታት ክፍንዋ ቐንየን፡፡

እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ተሰማሚዑሎም ዘሎ ሃበራዊ ሥምምዕነትን ኣብዘን ሃገራት ዝተካየደ  ዑደት ኣፍሪቃዊ ምትሕብባር ቑጠባን ፖለቲካን ዘዕቢ’ዩ ክብሉ ምሁራት ቁጠባን ፖለቲካን ሃበሬታ ክህቡ ይስማዐሎ ።

ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ንሰለስቲኤን ሃገራት (ጅቡቲ፣ ኬኒያን ሱዳንን) እተማእኽል ብምዃና ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ነገር ኩሉ ብኣወንታን ኣሉታን ዝጸልወን እንትኾን፡ ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ንሰለስቲኤን ሃገራት ወሳኒ’ዩ ቁጠባዊ ፤ ፖለቲካዊን ዲፐሎማያዊን ዓወትውን እዩ ተባሂሉ አሎ ፡፡

“ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ነንሕድሕደን ዘሎ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ዉሑድ ምዃኑ ይፍለጥ። ኢትዮጵያ ድማ ንንግዲ ዝኾና ናይ ወደብ ኣማረጺታት እናደለየት እያ ። ቅድም ክብል ልምዓት ኮሪደር ላሙ ኣብ ሞንጎ ደቡብ ሱዳን ፣ ኬኒያን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝዝከር’ዩ ። እዚ ተግባራዊ  እንተድኣ ኾይኑ፡ ዝለዓለ ቑጠባዊ ረብሓ ዘለዎን ንምዕባለ ርክብ ቀርኒ አፍሪካ አብይ ጸጋታት ዝጠልብ ክይዲ ካብምኳኑ ንላዕሊ ብግሎባል ደረጃ ንዘጋጥም ንህንህ ንግዲ ተዓዋታይ ኮይነን ንምውፃእውን ወሳናይ መደብ እዩ፡፡

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ’ዉን ነፍሲ ወከፍ ሃገራት እቲ ቐጠና ህዝበን ዝተኣሳሰረ ርክብ ዘለዎ’ዩ እንክብሃል ከሎ ብፍላይ እቱ ቁጠባዊ ረብህአን ናብ ዝሃሸ ደረጃ ንምብፃህ እቱ ዶባዊን ናይ ወደብ ምትእስሳረን ንሃበራዊ ምዕባለ እተን ሃገራት ፍሉይን ዕዙዝን ግደ ሥለዘለዎ እዩ ፡፡ ሕዚ’ዉን ስግኣታት ሰላምን ደሕንነትን ዘጋጠምሉ ኩነታት ክህሊ ከምዝኽእል ክህሰብ ከሎ ናይተን ሃገራት ቐርኒ አፍሪካ ብዕሊ ምትእስሳር ፍሉይ ረብሃ ከምዘምፅእን ፅቡቕ ፀጋታት ከምዘሥዕብን ተጽቢት ይግበር ፡፡ መንግስታት እዘን ሃገራት ብዙሕ ግዜ ብሓደ ክሰርሑ ምርኣይ ኩለመዳያዊ ርክብ ንምጥንኻር ዓብዪ እጃም ከምዝክእልውን ይእመን ።

ጉዳይን ርክብን ቐርኒ አፍሪካ  ተስፋ ዝህብ ይኹን እምበር ህሓሊፉ ድም  ሓደሽቲ ዘስግኡ ዝበሃሉ ነገራት አየጋጥሙን  አይብሃልንሞ ፤ ብህብረት ቐርኒ አፍሪካዊ ምህዝነት ምንቅስቃስ እዋናዊ ዛዕባ እዩ ፡፡  ንአብነት አብ ዝሃለፉ አዋርህ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ጎንጺ ተመዛቢሎም ናብ ኬኒያ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውን  አብ ክፉእ ሃደጋ እንተይበጽሁ ፤ ናብ መረበቶም ንምምላስ ብወገን ኬንያን ኢትዮጵያን ዝተገበረ ከባባያዊ ህብረትን ምትእስሳርን ክጠናኸር ዝግብኦ ተመክሮ እዩ ። ነዚኦም ደሚርካ ዶብ ተሳገርቲ  ጸገማት’ዉን ስለዘለዉ ኣብዚኦም ዘቲኻ ረብሓ ዜጋታትካ ንምሕላዉ ዘኽእል ክልላዊ ሥምምዕነት ንምፍጣር ብጠቅላይ ሚኒሥትር አብይ አህመድ ዝተገበረ ዑደት ንርክብ እተን ሃገራት አብይ እጃም አለዎ ፡፡

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ብአጠቓቕማ ወደብ ምስ ጂቡቲ ዝተገረ ሥምምዕ ንረብሃ ኢትዮጵያ ዐብይ እጃም አለዎ ፡፡ ብፍላይ ናይ ወፃእን አታዊን ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ክህሰብ ከሎ ኢትዮጵያ ከምሃገር እቱ ዝነበራ ናይ ወደብ ህጽረት ንምንካይን ዝሃሸ ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ንምጥላብ ዐብይ እጃም ክህልዎ እዩ ፡፡ ምስተን ካልኦት ሃገራት ዝተገበረ ሥምምዕውን ኢትዮጵያ መማረፂ ናይ ወደብ ተጠቃሚት ንኽገብራ ዘኽእል ረብሃ ንክትረክብ የህግዝ ፡፡

ብኻልዕ ወገን ብፍላይ ቻይና ንኢትዮጵ ብዝትገብሮ ዘላ ኩለ መዳያዊ  ድጋፍ አመልኪቶም መራኸቢ ሓፋሻት ዓለም ሃበሬታ ክፍንዉ ከሪሞም ፡፡ ቻይና ንኢትዮጵያ ብቁጠባዊ ዕብየት ንክትምዕብል ካብእትገብሮ ደገፍ ንላዕሊ ብዋን ቤልት ዋን ሮድ ኢኒሸቲቨ ንኢትጵያ አማእኺላ ትሰርሆ ዘላ ስራህቲ አጠንኪራ ከምትቕጽል ብወገን ቻይናን  ኢትዮጵያን ዝተገበረ ዘተ የማላኽት አሎ ፡፡ ብፍላይ አብዚ ሰሙን ብቻይናውያን ልዑኻት ዝተገብረ ዑደት ኢትዮጵያ ብኹለመዳያዊ ምንቅስቃስ ምስ ቻይና ፈጢራቶ ዘላ ምህዝነት ክጠናኸር ከምዝግብኦ አብ ሥምምዕነት ተበጺሁ አሎ ፡፡

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy