Tigrigna

ብቕዓትን ውፍይነትን ዝጠለቦ

By Admin

May 21, 2018

ብቕዓትን ውፍይነትን ዝጠለቦ

መረፃ፤

ብማህደር ተከዘ

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ምሰተሸሙ ዘስምዑዎ መደረ ፤ ሀዚውን መዘራራረቢ ህዝብን አጀንዳ ዝተፈላለዩ ጉጀለታትን ኮይኑ ይምርሽ አሎ ፡፡ እቶም ዘረግቲ ሰላምን ምርግጋእንውን እተን መደረ እንዳ ቖረጹን እንዳሰፈዩን ንናይባዕሎም ፖለቲካዊ ረብሃ ንምውዓል ላዕልን ታህትን ክብሉ ምርአይ ካብ ዕለታዊ ሥራህቶም ንላአዕሊ መገደሲ ገይሮም ክወሳወሱ ንርእይ አለና ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብሻላ እቱ ዝውክልዎ ህዝቢ ቑጽርን ብዝሃትን  ካብኡ ብዝሃለፈ ድማ ብክልላዊ መልክአ-ምድራዊ ግፍሃትን መበገሲ ተገይሩ ከምዝተመረጹ ብምውሳድ ዝካታዕ ሃይሊ ክንርኢ ኸለና ህዝውን ኢህወደግ ብብቕዓትን ብውፍይነትን መራሂ ውድቡ ዝመርጽ ውድብ ምኳኑ ዝዘንገዐ ሃይሊ ምህላዉ እቱ ኹነታት ይህብር ፡፡ ኢህወደግ በቱ ዘማዕበሎም ዲሞክራሲያዊ ምንህናህ ካብቶም አርባዕተ አባል ውድባት ሃደ ሰብ ክመርጽ ይግብኦ ከምዝነበረ ጋህዲ ምኳኑ ብዒሊ እንዳተፈለጠ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶከተር አብይ እውን አበርክትኦምን ውፍይነቶምን መበገሲ ተገይሩ ዝተመረጹ ምኳኖም ብግቡእ ምርዳእ የድሊ ፡፡

አብ ኑብር ኹነታት ሃደ ዓዲ ግጭትን ጎንጽን ብዝተፈላለየ ኩነታት ክልዓል ይኽእል  ። ኣብ ገጠራት ብሳዕርን ማይን፡ ብደረት ግራትን ጥሕሰት ሕዛእትን፡ ኣብ ከተማታት ከኣ ብውርሻን እብጽሓንን ካልእ ማሕበራዊ ኩነታትን ይኽሰት። እቱ ግጭት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኹነታታት ብህቶ ጸገም ሰናይ  ምምህድዳር ኮይኑ ክልዓል ይኽእል ፡፡ እቱ ህቶ ትኽክል ይኹን አይኹን መንግስቲ ናይ ምፍታህ ግዱስነት ክወስድ ይግባእ ፡፡ መደረ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶከተር አብይ እውን ናይ እቱ ሰናይ ምምህድዳር ጸገም ክንፈትህ ኢና ኢሎም ከም ቀዳማይ ሚኒስትርን ከም አቦወንበር ኢህወደግን ዝአተይዎ ቀል ኪዳን መሰመር ኢህወደግ ዘራጉድ እምበር ዘሀስስ ዘየምኳኑ ምርዳእ ይግብኣና ፡፡

ኣብ ኣባላት ስድራ፡ ጎረባብትን ጎደቦታትን ክልላትውን  ፀገም የጋጥምዩ ። ይኹን እምበር በቲ ናይ ቅድም ኣነባብራ ኣበዋት  ይዕበ ይንኣስ ጎንጺ ብማሕበራዊ ስርዓት ዳንነት ብስርዓተ ሽም ኣሕዋት ኣብ ባይቶ ይፈትሕዎ  ምንባሮም አብ ግምት ብምውሳድ ፤ አብ መንጎ አሃት ጎረባብቲ ክልላት ኦሮሚያን ሶማልን ዝነበረ ጎንፂ ንምፍታህ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር አብ  ሰሙን ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ከምጽቡቕ ተበግሶ ክንወስዶ አለና ፡፡

ኢትዮጵያ ከምሃገር ክንሃስባ ከለና ፣  ፖለቲካዉን ቑጠባዉን ድሌት ሓይልታት ወጻኢን አብ ሃገር ውሽጢ  ዘለዎ ናይ እታ ሃገር ምርግጋዕ ዘይግድሶም ሃይልታት ዝተፈላለዩ ስምዒታት ዝንጸባረቐሉ ሃገር’ዩ ። ኣብ ርእሲኡ ድማ  እታ ሃገር ብተደጋጋሚ ተፍጥሮኣዊ ሓደጋን ሓድ ሕዳዊ ጎንጽን ዝፈታተኑዋ ጽንኩር ሃገረ’ያ ። ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር፣ ድርቅን ስደትን፣ ዉሕስነት ምግብን ካልእ ቁጠባዉን ማሕበራዉን ጠለባትን ቅልዉላዋትን ቀንዲ ጠንቂ ምኽንያት ሰናይ ምምህድዳርን ምስሕሓብን ዘፈጥር’ዩ ። በዚ ምኽንያታት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ ናብ ላእለዋይ አመራርሃ ምምጻእ ኸዚ ዝፈጥሮ ጥጡህ ናይ ሰላም ምዕሳል እንዳራጎድና እቱ ተፈጢሩ ዘሎ ጡጡህ ኹነታታት ቀፃላይ ንምግባር ምስ ህዝቢ ልቢንልቢ ብምርኻብ ብተወፋይነት ክንሰርህ አለና ፡፡

ንሃገራት ኢትዮጵያን፣ ኤርትራ፣ ኬንያ፣ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳንን ጎረባብተንን ዝሓቖፈ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊን ቑጠባዊን ድሌቱ  ክረጋጋዕ ዝግበኦ ከባቢ’ዩ ። ኣብ ርእሲኡ እዚ ዞባ’ዚ ብተደጋጋሚ ሓድ ሕዳዊ ጎንጽን ዝፈታተንዎ ጽንኩር ዞባ ከምኳኑ ፍታህ ምርካብ ንፅባህ ዝብሃል ኩነት አይኮነን፡፡   ብፍላይ ምስ ኤርትራ ዘሎ ዶባዊ ጎንጺ ብፍምፍታህ ርክብ ህዝቢ ኢትጵያን ኤርትራን ናብ ንቡር ርክብ ንምምላስ በቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝትአተወ ቃል ግቡር ንምግባር ካብሀዚ ጀሚርና ክንወሳወስ ይግበአና

መብዛህትኡ  እዋን ጠንቂ  ጎንጽን ግጭትን ዕብለላ ሃብትን ነገራዊ ትሕዝቶን ምኳኑ አብ ግምት ብምእታው  ምሕደራ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ፀገም ሰናይ ምምህድዳር ብምፍታህ ናብ ዝሃሸ ጥጡእ ብርኪ ከንሳገር ይገበአና ፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝረአ ዘሎ ጉድለት ሰላምን ምርግጋዕን መሰረታዊ መበገሲኡ ብምፍላይን ለሊኻ  ንጹር ብምግባርን ዕለታዊ እንተይኮነስ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ክሳገር ዝኽእል መፍትሂ ምርካብ የገድስ እዩ ፡፡

ንአብነት ሸዉዓተ ዓመት ዝወሰደ ኲናት ሶርያ ዘስዓቦ ሞትን ምምዝባልን ሓደ ዓቢ ኣብነት ናይቲ ኣብ ዓለምና ዝረአ ዘሎ ህውከትን ዕግርግርን እዩ ። ጎንጽን ኩናትን ዕንወት እዩ ዘኸትለ ። ሰላም ህዝብን ጎረባብትን ይዘርግ። ሰላም ግን ህልዉና ህዝብን ሃገርን ዘረጋግጽ መገዲ ብርሃንን ለዉጥን ስለዝኾነ እቱ ኸዚ ተረኪቡ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን ብምዕቃብ ናብ ቁጠባዊ ምዕባለ ክንሰጋገር ይገባአና ፡፡ ብሰንኪ አብ ህሉፍ አዋርህ ተኸሲቱ ብዝነበረ ዘየምርግጋእ እቱ ተፈጢሩ ዝንበረ ኩነታት ከም ፍሉይ ተመክሮ ብምውሳድ ካልአይ ንኸይኳሳህ ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝትዓጀበ ሃለዋ ክንገብር ይግባእ ፡፡