Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ተመክሮ ኮሪያውያን ንዘላቒ  መፍትሂ ዶብ ኢትዮኤርትራ፤ ብማህደር ተከዘ፤

0 395

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

Article 36.12.2

ተመክሮ ኮሪያውያን ንዘላቒ  መፍትሂ ዶብ ኢትዮኤርትራ፤

ብማህደር ተከዘ፤

አብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን  ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝዘለቐ ኩነታት ፤ ብፍላይ ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ዝነብሩ ህዝብታት ንስደት፣ ቑጠባዊ ጸገማትን ካልኦት ማሕበራዊ ሕልኽላኻትን ክቃልዑ ምኽንያት ከምዝኾነ ብዝህ ዝበሉ ፖለለቲካዊ ምሁራት ቀርኒ አፍሪካ ይህብሩ ፡፡ እቱ ፀገም ንምፍታህ እውን  ፖለቲካዊ  ቑርጸኝነት መራህቲ እተን ክልቲአን ሃገራት ዝሓትት ዉሳነን ህዝባዊ ሥምምዕነትን ጻዕርን ዝምልሶ ጉዳይ ከምዝኾነ ይሕብሩ።

ብወገን ኢትዮጵያ እዚ ኩነታት ንምፍታሕ ድልዉነት ከምዘሎ ክገልጽ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን’ዉን ብሓዱሽ ቐዳማይ ሚኒስትሩ ኣቢሉ ተመሳሳሊ ቅዋም ከምዘለዎ ገሊጹ’ዩ። እንተኾነ ግና ንጸገም ኢትዮጵያን ኤርትራን  ኣፈላላይ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ፍሉይ ፀገማት ከምዘየሎ’ዩ ኩነታት ዘማላኽቱ ዘለዉ ። ሀዝውን ነቱ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ፃውኢት ሥላምን ናይ ንዘራረብ መልእኽቲ መንግሥቲ ኤርትራ እስካዕ ሀዚ ዝሃቦ ዕላዊ መብርሂን ሃበሬታን ብዘይምህላዉ ድፍኢት ብምግባር ናብ ሰላም ጠረጴዛ ንምምፃእ ዘይተሃለለ ፃእሪ ክንገብር አለና ፡፡ እንተይዘኮነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዝብሎ ጸኒዑ እንተቐፂሉ  ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ሰላማዊ ኩነታት ምፍጣር ክኸብድ ይኽእልዩ ፡፡ ካብዚ ወጺኦም ክሰርሑ ዝፈቅድ ድልዉነት እንተሃልዩዎም ግና ዘይከኣል ጉዳይ አይህሉን

ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት ብሄር ብሄረሰባት ሃገር’ያ። እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ድማ ብደረጃ ኢትዮጵያን ኤርትራን  ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ኩነታት ክልቲኦም ህዝብታት ተዛረብቲ ትግርኛ ዝፈትሑዎ ዕዮ ገዛ እንተይኮነስ መላእ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዝፈትህዎ እምበር ብካልእ ወገን ድፍኢትን ላእልን ታህትን  ዝፍታህ ከምዘይኮነ ርዱእ ክግበር አለዎ ፡፡ ተዘይኮነ እቱ ዝተፈጠረ ፍልልይ ብሃገዝቲ ሽማግለታትን አሃት ሀገራትን ንምእላይ ጻእሪ ምግባር እውን የድሊ ይኸውን ፡፡ መራሕቲ እዘን ሃገራት እውን  ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት ንአብነት ናይ ሰሜንን ደቡብን ኮር ልምዲ  ሰኒቖም ናብ ሰላም ክመጽኡ ኣለዎም ።

እቶም  መራህቲ ዐዲ መን ቀዲሙ ሞተ ናብ ዝብል ንቕጽና እንተይአተዉ  ብዓይኒ ረብሓ ህዝቢ ብምእታውን ናይ ዘላቒ ሰላም ጥቕሚ አብ ግምት ብምእታው  እቶም ከም ምኽንያት ኾይኖም ዝቐርቡ ሀንከልቲ ሳዕቤናት እንደአለኻ ዝጠቕሙ ተሞክሮታት እንዳራጎድካ ምንቅስቓስ ንፅባህ ዘይብሃል ቤት ዕዮ ክኸውን አይግብኦን ፡፡  ብዓይኒ ፖለቲካዊ ሽርሒ ብዘይ ምርዓይ ናይ እቱ ህዝቢ ማህበራዊን ቑጠባዊን ረብሀ ብምቕዳምን ዐሰር አበይቲ ወለዲ ተኸቲልካ  ብለባማት ዓይኒ እነዳዓቀንካ ካብ እቱ ዝነበረ ሃተውተው ወጺኦም ክፈትህዎ ይኽእሉ’ዮም ።

ካብዚ ሓሊፉ ኩነታት ህዝቢ እዘን ሃገራት ዝልወጠሉ ዕድል ክፍጠር መሪሕነት መንግስቲ ኢትዮጰያን ኤርትራን  ብዝጠልብዎ  ሕንጻጸ ክፍፀም  ይግባእ ዝብል አታሃሳስባ ብደረጃ መሪሕነት ጥራሕ ዘይኮነስ፤  እቲ ጸገም ህዝቢ ዕዮ ገዝኡ ክፍጽም ኣለዎ ። ንምኳኑ ምስሕሓብ  ኩናት ዶባት ክሳብ መዓስ ርክብ አሕዋት ህዝብታት ክዕንቅፍ? እዚ ናይ  ኢትዮጵያን  ኤርትራን ብዶብ ጉዳይ ዘይምስምማዕ ዝመስል  ፅልዋ ኣብ ሞንጎ አሕዋት ህዝቢታት ዝመጽአ ጎንጺ ብምዃኑ  ኣህዛብ   ክልቲኤን  ሃገራት ብፍላይ ከኣ በቲ ወጥሪ ብቐጥታ ዝጽለው ህዝብታት  እቱ ፀገም ህፁፅ ፍታህ ንክረክብ  ጻዕሪ ክገብሩ  ኣለዎም ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ናይ ደገ ሓይሊ መጻወቲ ክገብረን  ከምዘይብሉ ክንርዳእ ይግብአና ። እተን ዘህለፍናየን ፅልምትምት ዝበላ ርክብ አሃትን ጎረባብትን ህዝብና  ካብ ዘምፀኦ ሳዕቤን ተበጊስና  ንዓና ዓብዪ ትምህርቲዩ  ፤

ብፍላይ እቶም ጎራብቲ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን  ሓደ ዓይነት ሥነልቦናዊ አተሃሳስባ ዘለዎ ህዝቢ ስለዘለወን ድሌታቶምዉን ክፈላለ  ኣይኽእልን  ብዝብል  መሪህ ሃሳብ  ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት መነባብሮ ህዝብታት  ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓድሽ መገዲ ሒዝካ ንምምጻእ ዘኽእል ምንም ዓነት ሳዕቤን እንደገበጥካ ምንባር እዋናዊ አይኮነን ፡፡ ታሪኻዊ  ለዉጢ  ብምምጻእ ኣብቲ ዘለዉሉ ዞባ ምሰራቅ አፍሪካ  ሰላማዊ ሃዋህዉ ንምፍጣር እንትሰማምዑ  ብኹለ መዳዪ  ሓደ ዝኾነ ህዝቦም ክዝንጋዕ ስለዘይብሉዩ ። ከብዚ ተበጊሥና ጎንፂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝሰልጠነ መንገዲ ምፍታህ ተተኻኢሉ ፤ ንክልትኤን ሃገራት ካብዘለዎ ፖለቲካዊ ማህበራዊን ቁጠባዊን ረብሃ ንላዕሊ ፤ እዚ ፍጻሜ እዚ ነተን ብምስሕሓብ ዶባት ኮነ ብፍልልይ ስነ ሓሳብን ካልእን  ኣብ ጎንጽን ግጭትን ዝርከባ ሃገራት ተሞክሮ ክኸዉን ከምዝኽእል ክንሃስብ ይግብኣና ፡፡

ብዝተኻየደ ደማዊ ዉግእ፡ ኣብ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ጸኒሐን ዝነበራ ኢትዮጵን ኤርትራን ። ሎሚ ጽባሕ፡ ካሊእ ኩናትዶ ክውላዕ ይኸውን እንዳበለ ህዝቢ አብሥግአታዊ መነባብሮ ንክነብር ተጌሩ እዩ ፡፡ እቱ ዶባዊ ዘይምስምዕማዕውን ናብ ካልእ ብርኪ ኬስጋገር  ዝብል ስግኣት ጸኒሑ ። እዚ ዝዓነቱ ካብጉርብትና ተበጊሱ ዝውላዕ ዶባዊ ጎንፂ አብ ዶብ ኢትዮኤርተራን ጥራህ ዝተፈጠረ ክስተት አይኮነን ፡፡ ኣብዚ እዋን ዝተፈላለያ ሃገራት ፖለቲካውን ዶባውን ስነሓሳባውን ጎንጽታት ኣለወን። ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ እስራኤል ፍልስጤምን፣ ቱርክን ኩርድን፣ ቻይናን ታይዋንን፣ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ድማ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ኣብነት ምልዓል ይከኣል። ሥለዝኾነ ጊዜ እንተይወሰደ እቱ ኩነታት ናብ ንቡር መሰረቱ ብምምላስ ህዝቢ ምስህዝቢ ክራኸበሉ ዝኽእል መዳይ ክፍጠር ይግባእ ፡፡

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy