Tigrigna

ናይማን ወርቂ ህዝቢ!

By Admin

May 04, 2018

ናይማን ወርቂ ህዝቢ!

 

ስምረት  ገ/ዚጊ

 

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዓሲሉ ዝነበረ ወፅዓን ጭቆና ሕብረተሰብን ምግሃስ ሰብኣዊን ድሞክራሲያዊን መሰላት ህዝብታት ሃገርና ኣንገፍግፍዎ ብዘይካ ብረታዊ ቓልሲ ዘይፍታሕ ምዃኑ ብምርዳእ ነቲ ስRዓት ንምምሓውን ካብስሩ ነቒሉ ንምድርባይ ዓሊሙ  ንመሰዋእትነት ቅሩብ ኮይኑ፡፡

ንመላእ ህዝብታት ሃገርና ሰላም ልምዓትን ዴሞክራሲን ንከጎናፀፍ  ጠመንጃ ሓንጊጡ ጎቦታት ደይቡን ወሪዱን ሩባታትን ሰጊሩ ብዙሕ ውፃእ ውረድ ገጥምዎ  ኣሽሓት ኣማኢት ደቁ መስዋእቲ ገቢሩ፡፡ ብዙሓት ኣማኢት ኣሽሓት እውን ኣካል ጉድኣት ኮይኖሞ፡፡ ብፅንዓት ነቲ ገዛኢ መደብን ወተሃደራዊ ስርዓት ደምሲሱ ንኩሎም ህዝብታት ብማዕረነት ዝሓቁፍ ስርዓት መስሪቱ፡፡

እቲ መሪር መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድብ ህወሓትን ካብ መጀመርታ ዝተበገሰሉ ዒላማ ነቲ ዘስካሕክሕ ስርዓት ብምምሓው ኣብታ ሃገር ኩሎም ብሔር ብሔራትን ህዝብታትን ዘሳተፈ ማዕርነት ማእኸል ዝገበረ ሰላም ዴሞክራሲን ልምኣትን ከስፍን ዘኽእል ስርዓት ምህናፅ እዩ ነይሩ፡፡

ናይ ኩሎም ህዝብታት ማዕርነት ምርግጋፅን መሰል ምኽባር ሰብኣዊን ዴሞክራሲዊን መሰላት ምርግፅን እዩ ነይሩ እቲ ዋና ዕላማ መስዋእትነት ህዝቢ ትግራይ፡፡ ኣብታ ሃገር ሓደ ገባሪ ሓዳጊ ካልእ ተኣዛዛይ ዘይኮነሉ ስርዓት ንምህናፅን ስልጣን ብጠመንጃ ከይኮነ ብመረፃ ህዝቢ ዝተሓዘሉ ስርዓት ናይ ምህናፅ ዕላሚ ሒዙ እዩ ዝተበገሰን ንኣስታት ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ዝተቓለሰን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንኣስታት ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ብዘካየዶ መሪር ቓልሲ ነቲ ስርዓት ገርሲሱ  ዴሞክራሲዊን ልምዓታዊን ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ብዓለም ደረጃ ዘስደምም ውፅኢት ረኺቡ እቲ ኣብታ ሃገር እናማዕበለ ዝመፀ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንኩሎም ህዝበታት ኢትዮጵያ ካብቲ ዝነበሮም ደርባዊ ጭቆና ኣላቒቑ ብማዕርነት ዝነብሩላና ማዕረ ተጠቀምቲ ዝኾኑላ ሃገር መስሪቱ፡፡

በቲ ህዝቢ ትግራይ ንካልኦት ህዝብታት ሃገርና ብምትሕብባር ዝሃነፆ ስርዓት ማዕሪነትን ልምዓትን ኣቢሎም ኩሎም ብሔር ብሔረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብምክብባር ዝተደረኸ  ሓድነቶም ኣጠናኺሮም ኣብዚሓለፉ ኣስታት 27 ኣመታት ንዓለም ዘስደመመ ቁጠባዊ ዕብየት ከረጋጊፁ ክኢሎም ኣለዉ፡፡

ድህሪ እቲ ኩሉ መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይ ይኣክለኒ ኣይበለን፡፡ ሐዚውን ኣብ ሃገርና ፍትሒ ክዓስልን ሰላም ክረጋገፅን እጃሙ ይውፃእ ኣሎ፡፡  መስዋእትነት ብምኽፋሉ ካልእ ሓለፋ ከይሓተተን ምስኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ማዕረ ተጠቃሚ ከኾን ዘኽእሎ ስርዓት ምስካልኦት ኩሎም ህዝብታት ብምትሕብባር ናይ መድብለ ፓርቲ ስርዓት ክምስረትን ህዝባታት ሃገርና ፖለቲካዊ ስልጣኖም ክዕወቱ ገይሩ፡፡ ብጠመንጃን ሓይልን ናብስልጣን ዘይድየበሉ ኣሰራርሓ አስሪፁ፡፡

በመስዋእቲ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያን ብዝገርም መልክዕ ናይታ ሃገር ቁጠባዊ ዕብየት እናተጠናከረ መፂኡ፡፡ እቲ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት አውን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተጠናኸረ ጠቕላላ ናይታ ዓዲ ኩለመዳያዊ ኣንፈታት ተለዊጡ፡፡ ልምዓት እታ ሃገር መስመር እናሓዘ መፂኡ፡፡ ዴሞክራሲያዊ ስርዓቱ እውን እናተጠናከረ ከይዱ፡፡

ሕዝቢ ትግራይ ዋላኳ ሓለፋ መስዋእቲ ይኽፈል አምበር  ካብ ካልኦት ህዝብታት ብዝተፈለየ መልከዕ እዚ ይግብአኒ ከምዚ ይገበረለይ ዝበሎ ነገር የብሉን፡፡ ካብ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝተፈለየ ነገር ዘይጠለበ ለባም ወርቂ ህዝቢ እዩ፡፡

አቲ ሓዱሸ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ዓብይ ኣሕመድ ኣብ መቐለ ምስ ህዝቢ ኣብዛገበሮ ምይይጥ ከምዘስመረሉ ህዝቢ ትግራይ ሓለፋ መስዋእቲ ኸፊሉ ምንም ዓይነት ሓለፋ ዘይደሊ ብኢትዮጵያዊነቱ ድማ ዘየናሲ ወርቂ ሕዝቢ እዩ፡፡

ናይቲ ባዕሉ ብመስዋእትነቱ ዘምፅኦ ሰላምን ልምዓትን ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብማዕርነት ንምጥቃም ዝደሊን ብኢትዮጵያዊነቱ  ዘየወላድእ ህዝቢ ኮይኒ እንከሎ ነዚ ህዝቢ ንምፅላም ዝዓለሙ ፀላእቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾኑን ኣብቲ ህዝቢ ትግራይ ዝደመሰሶ ወተሃደራዊ ስርዓት ተጠቀምቲ ዝነበሩ ወገናት ብካልእ መንገዲ ተሰሊፎም ነቲ ወርቂ ህዝቢ ዘይበልዖ ከምዝበልዐ ዘይተጠቐሞ ከምዝተጠቐመ እናምሰሉ ብምድንጋር ካብ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ክፈላልይዎን ናብዘየዲሊ ጎንፅን ግርጭትን ከእትይዎ ላሕ ይብሉ ኣለዉ፡፡

እቲ መስተውዐሊ ህዝቢ ትግራይ ግና ሐዚእውን ኣብታ መስመሩ ኣሎ፡፡ ፀላእቱ እንመን ከምዘኾኑ ፈሊዩ ብምጥማት ምስኩሎም ህዝብታት ሃገሩ ብምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ሰላሙ ንምርግጋፅን ልምዓቱ ንምዕዋትን ይቓለስ ኣሎ፡፡ ናይማንባ ወርቁ ህዝቢ፡፡