Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ሰላም ብምዕሳሉ ዝተልዐለ፤ ኣዋጅ  ህፁፅ ግዘ፤

0 438

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ሰላም ብምዕሳሉ ዝተልዐለ፤ ኣዋጅ  ህፁፅ ግዘ፤

                                                            ብማህደር ተከዘ

ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕብኽንት  ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ጎንፅን ዘይምርግጋዕን ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተነቢሩ ዝነበረ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንክለዓል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክውስን ከሎ አብታዐዲ ዐሲሉ ዘሎ ሰላምን ምርግጋእን ካብዝፈጠሮ ነፋስ ሰላም ምኳኑ እዩ መንግስቲ ንህዝቢ ብስራቱ ዝገለፆ  ።

ኣዋጅ ህፁፅ ግዝ ንክፀድቕ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ካብ ሞንጎ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ እቶም ዝተወሰኑ ድምፂ ተቓውሞ ሂቦም ምንባሮም ክህሰብ ከሎ አብቱ ቤት ምኸሪ ዝተፈላለየ ሃሳባት ብምንፅብራቕ ሃዲሽ ዲሞክራሲያዊ ልምድታት ዝተርዐየሉ ምዕባለ እነዳርአዩ ዝመፅሉ ባይታ ዝፈጠረ ኹነታት ክረአ ከምዝኽአለ ይዘረብ ከምዝነበረ ይዝክር፡፡  

ንተኸታተልቲ  ሰለስተ ዓመታት ሕቶ መሰልን ቁጠባን ብምልዓል ብፍላይ ብመናእሰይ ዝተደራጀወን ዘይተደራጀወን ዝመስል ሰልፍታት ብናህሪ ክወሳወሱ ምስተርአየ ፤ ነዞም አብ ማህበረቑጠባዊን ዲሞክራሲዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ካብ ጉድኣት ንምክልኻል እቱ   ተቓውሞታት ኣብ ዝነበረን ዝተፈላለያ ከባብታት በቱ ኣዋጅ ህፁፅ ግዝ ሕግን ስርዓትን ምኽባር ከምዝተኽኣለ፡ ሀዚ ግን አብታ ሃገር ዐሲሉ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን ውህስነት ዘለዎ ምኳኑ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብምግላፅ፡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንክለዓል ረቂቕ ምድላዉ ኣፍሊጡ ነይሩ ።

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ እቱ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንክልዐል ዝቐረበ ረቂቕ ሰነድ ምስመርመረ ፤  ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንክለዓል እዚ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝቐረበሉ ረቒቕ  ከጽድቕ ከሎ ካብ ዘበርክቶ ልዑል ሃገራዊ ምስሊን ምረግጋዕ ሰላምን አብግምት ውሽጢ ብምእታው እዩ ። ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣብታ ሃገር ንሽድሽተ ኣዋርሕ ክፀንሕ’ኳ ተኣዊጁ እንተነበረ፡ ንከብቅዕ ኣስታት ክልተ ወርሒ ምስዝተረፎ  ንክለዓል ክውሰን ከሎ እታ ሃገር ከምሃገር አብ ሥሩዕ ማህበረቁጠባዊ ሃዋህው ንክትአትይ ዘለዎ ዕዙዝ ረብሃ ንምጥቃም ካብዝተበገሰ ሃሳባት ምኳኑ ምርዳእ ግባእ ።

ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ዝተኣወጀ ቀዳማይ ሚኒሰትር ነበር እታ ሃገር ኣይተ ኃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ሕቶ ድሕሪ ምቕራቦም ምኳኑ ይዝከር ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ካብ ስልጣኖም ድሕሪ ምውራዶምን ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ምእዋጁን ስዒቡ፡ ድሕሪ ሰሙናት ውድብ ኢህኣዴግ ሓድሽ ኣቦ ወንበሩ መሪፁ ብቤት ምኽሪ ተቐባልነት ረኺቡ። ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብታ ሃገር ምርግጋዕ ከምፅኡ ዝኽእሉ ቁጠባውን ፖለቲካውን ለውጥታት ከምዘምፅኡ ቃል ምእታዎም ክዝከር ከሎ ከምቃሎም ተረኺቦምን ምስውድቦም ብምምካር ብዝወሰድዎ ዝተፈላለየ ሥጉምቲታት አብታ ሃገር ሰላም ካብምዕሳሉ ንላዕሉ ህዝቢ ሰኒቕዎ ዘሎ ተስፋ ድማ ሰላም ንክወርድ ጥጡህ ባይታ ሥለዝፈጠረ አዋጅ ህፁፅ ግዘ ምልዐል እዋናዊን ብተስፋ ዘክይድን ካብ ምኳኑ ንላዕሊ አብታሃገር ረብሃ ኢንቨስትመንት ንምስሳንን ንምርጓድን ዐብይ ግደ ክህልዎ ከምዝኽእል ተፅቢት ይግበር ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ እሱራት ተፈቲሖም ። ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ንምፍራስ ምስ ዝተዓጠቑ ጉጅለታት ከይተረፈ ንምዝርራብ  በዝትገበረሎም ናይ ሰላም ፃውዒት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላም ክዝትዩን ናብ ሰላማዊ መንገዲ ተፀንቢሮም አብታሃገር ሰላም ንክዓስል ከምዝሰርሁ ቃል ክአትዉ ይረአሎ ።

ናይ እቶም ናብ ሃገር ዝተመለሱ ውድባት ከይዲ ክረአከሎ ፤ አብታሃገር ዐሲሉ ካብዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን ተበጊሶም ፤ ድህሪ ሀዚ ናይ ኢትዮጵያ ወግአዊ ኩነታታት ክረአ ከሎ ና ረእዮተ ዐለምን ናየ አታሀሳስባ ፍልልይ እነኳእንተሃሊዩ ብምምይያጥን ብዝሰልተነ መንገዲ ካብምእላ ወጻኢ ብኩናትን ብሃይልን ንምፍታህ ድልት ከምዘይብሎምን በዚ መንገዲ እዚ ፍታህ ክርከብ እዩ ኢሎም ዝሃስቡ ገለገለ ውድባት እንተሃሊዮምውን እቱ ፖለቲካዊን ውድባዊ ኬይዶም ህድእ ኢሎም ንከስተውዕልዎ ጻውዒት አቕሪቦም፡፡

ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ክእውጅ ከሎን ናይቀዳማይ ሚኒስትር ዐብ አህመድ ናብ ሥልጣን ምምፃእን ክረአ ከሎ እቶም ዝተወሰዱ ሃደሽቲ ናይእርቅን ይቕረታ ስጉምቲታት ንቱ አዋጅ ምልኣል ዐብይን አዎንታውን ጽዕንቶ አለዎ፡፡ ብፍላይ እቱ ተዘሃሂሉ ዝነበረ ናይቱሪዝም ምንቅስቓስ ከበረታትዖ ተባሂሉ ይግመት፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ናይወፃእን አታዊን ንግዳዊ ምንቅስቃስ ክህሰብ ከሎ ምስ እቱ ናይ ቱሪዝም ምንቅስቓስ መሳንመሳ ምክድ እንተተካኢሉ እቱ ማህበረቑጠባዊ ዕብየት ናብ ነቡር መንገዲ ንምምላስ ዐብይ ግደ ክህልዎ ከምዝኽእለ ይግመት፡፡

ብፍላይ አብቱ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ዝተሰርዑ ወገናት ሃገር ከይተረጋገዐ ዝግበር ምንም ዐይነት ትርፍን ናብራን ከምዘይህልው ብምፍላጥ፤ እቱ ናይ ህፁፅ አዋጅ ክልዐል ከሎ ከምፀጋታት ብምውሳድ ቅድም ክብል ብህፁጽ አዋጅ ምኸንያት አብቱ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ፈጢረምዎ ዝነበሩ ጽዕንቶ ብምግዳፍ ናብቱ ንቡርን ሥርዑን ንግዳዊ ምንቅስቓስ ንክምለሱ ይግባእ፡፡ ተዘይኮነ ግን ፍሉይ አጋጣሚታት እንዳሃለኻ እቱ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ናብ ዘይድልን ሃላፊነት ናብዝጎደሎ መንገዲ ምውሳድ ግብኡ አይኮነን፡፡ ስለዝኾነ እቱ ናይ ህፁፅ አዋጅ ምልዐል ንኹሉ ዜጋ ማኅበራዊን ዲሞክራሲያዊን ምንቅስቓስ ረብህኡ ዝዐዘዘ ምኳኑ ብምርዳእ ዜግነታዊ ሃላፊነት ምውፃእ የድሊ፡፡

 

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy