Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት፤ ክእለ ዝግብኦ ፀገም ክልተ ህዝቢ ፤

0 298

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት፤ ክእለ ዝግብኦ ፀገም ክልተ ህዝቢ

                                                          ብማህደር ተከዘ

ሃገር ከምሃገር ክህነፅ እንተተድልዩ ፤ ንፖለቲካዊ ክስቢ ዝስራህ ምንም ዐይነት ስራህቲ  ክህሊ አይክእልን ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኢህወዴግ ኣብ ጉዳይ ኢትዮ ኤርትራ ዘሕለፎ ውሳነ ከብራህርሁ ከለዉ ዘቕረብዎ ትንታነውን ምስ እዚ ሃሳብ ይስማዕማዕ ፡፡  

ንዝሓለፈ 18 ዓመታት አብ ሞንጎ ኢትዮጵን ኢርትራን ነጊሱ ዝነበረ ሃዋህው ‘ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት’ ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ዝተወሰደ ስጉምቲ ድአምበር እቱ ውሳነ ንፖለቲካዊ ክስቢ ተባሂሉ ዝትወስደ ፖለቲካዊ ስጉምቲ አይኮንን ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ተፈጢሩ ዝበሉዎ ፅልኣት ድማ መሰረት ዘይብሉን ናይ እቱ ህዝቢ ወግዐዊ ኩነታት አብ ግምት ዘይእተወን ፥ ኣብ መሬት ዘሎ ወግዓዊ ሓቂ ዘየገናዘበ  አመለኻኽታ ዝወለዶ ከምዝኾነ ኣትሪሮም ልመና በዝተሃወሰሉን ሐልየት ህዝቢ ብዝለዎ መንፈስ ኣተሓሳሲቦም ።

ንመንግሰቲን ህዝብን ኤርትራ ዝተገብረ ፃውዒት ሰላም ከምሓደ ዓብይን ፍሉይን ፀጋ ህዝቢ ተገይሩ ክውሰድን  ክረአን ከምዘለዎ ብፅቡቕ ዘረባን ውሽጣዊ ስምዒትን ሓቢሮም ፡፡”ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ናይ ምፍታሕ ዕማም ብዋንኡ ብፍላይ ኣብ ዶብ ዝነብር ህዝቢ ጥቕሚ ዘኽብር ከምዝኸወን አትሪሮም ክዛረቡ ተሰሚኦም ፡፡ ከምኡ ድማ እቲ ስጉምቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት ዘሎ ርክብን ህዝቢ ምስህዝቢ ዝነበሮ ምትእስሳር  ንምምሕያሽን እቲ ዞባ ልዕል ክብል ድማ እቱ ቀጠና ንምርግጋዕን ዓብይ እጃም ከምዝህልዎ ወሲኾም ተዛሪቦም።

ከምመብራህርሂ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ ናይ ህዝቢ ትግራይ ማህበረ ቑጠባዊ ፀገም “ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለናን ከብቱ ክልል ብርህቐት ዘለና ማህበረ ሰባት ኣይንግንዘቦን ፡፡ ብፍይ ድማ ኣብ ዶብ ዝነብር ህዝቢ ዝረኽቦ ዘሎ መከራን ቅልውላውን ከቢድን ዘስካህክህን ካብ ምኳኑ ንላዕሊ እቱ ህዝቢ ግና መከርኡ ይርኢ’ዩ   ክብሉ ተሰሚአም ። አብቱ ዶብ ዘሎ ናይ ክልትኤን ሃገራት ህዝቢ ምልማዕን ምስራሕን ኣይከአለን ፡፡ ኵናት መዓዝ ከምዝልዓል ኣይፍለጥን ፡፡ ሓሓሊፉ ድማ መንነቶም ብዘይፍለጥ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ናይ ከብቲ ዘረፋ ከምዝካድ ይሰመዕ ኣሎ ። በዚ ሳዕቤን ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ፀገም ንምእላይ ‘ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ይፈታሕ’ ዝብል ሓሳብ ምቕራብ ብምንም ዐይነት መዐቀኒ  ንፖለቲካዊ ክስቢ ዘይኾነስ ንረብሓን ህዝብን ሃገርን ዝዉዕል ክኸዉን ከምዝግብኦ ሃሳብ ቀሪቡ ፡፡

 

ውሳነ ኢህወዴግ ነባሪ ሰላም ከምጽእ  ከምዝኽእል እምነት ተታሒዙ እንተተሰሪሁን ንህዝቢ አንቀሳቂስካን አለዐዒልካን ሥፍህ ዝበለ ፖለቲካዊ ሥራህቲ ብምሥራህ  ንሰላምን ምርግጋዕን ዐብይ እጃም ክህልዎ ዝኽእል ተግባር ብምፍፃም ረብህኡ ዝዐበየ ውፅኢት ከምፅእ ይክአልዩ ፡፡ ንውዕል አልጀርስ ንምፍፃም ኣብ አተገባብራ ዝጎደለ ነገር እንተሎውን ብወገን ኤርትራ ይረኣ ካብዘሎ ፅቡቕ ምላሽ ብምህዋስ እቱ ፍልልይ  ብምይይጥን ብዘተን ንምእላይ ድልው ምዃን የድሊ ፡፡

ዐላማ ሃገርናን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵን ምስጎራብትና ከይተረፈ መስመር ምስማር ዘይኮነስ እናተደመርና ብሓባር ንምልማዕ ድልዋት ክንከውን ይግባእና እቱ ዝብል ናይ ቀዳማ ሚኒስትር አብይ ዘረባ ፖሊቲካዊ ጥራህ እነተይኮነስ ናይ ሓልየትን ናይ ፍቕርን ሃሳባት ክነራጉዶ ከምዝግባአና ከንአምን ይግብዐና  ። ፈጻሚ ስራሕ ኢህወደግ ኣብ ጉዳይ ባድመ ኣይኮነን ዘትዩ ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ነዊሕ ዶብ ዝምልከት ኢና ተዛቲና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገርና አብይ አህመድ እቱ ሃሳብ ብገፊህ አረአእያ ካብ ምርአይ ንነጀው ናይ ባድመ ብህታዊ ውሳነ ገይርካ ብምውሳድ አብቱ ኸባቢ ሰላምን ምርግጋዕን ንከይህልው ምግባር ንክልትኤን ሃገራት ብፍላይ አብቱ ኸባቢ ንዘሎ ህዝቢ ለምዘይጠቅም ርዱእ ክግበር ከምዝግብኦ ክፍለጥ ይግባእ ክብሉ ርኢቶኦም ዝህቡ ዜጋታት ቑፅሮም ቀሊል አይኮነን ፡፡

ውሳነ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ፡ ቅድሚ ሐዚ እቲ ቤት ምኽሪ ባዕሉ ዝፈረሞ’ምበር ሓድሽ ነገር ከምዘይኮነ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ኣብሪሆም ። ህዝቢ ትግራይ እዚ ጸገም ክፍትሐሉ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ከምዘልዐሎውን ብዕሊ ይፍለጥ ፡፡  ልክዕ ከምቲ ባድመ እንትትንከፍ ኩላትና ብሓባር ዝዘመትና ሰላም እንትብሃል’ዉን ብሓባር ክንዉስን ኣለና” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ፃውዒት ከቕርቡ ከለዉ ብፍላይ ትግራይ ካብቱ መንገዲ ሰላም ህሉፍ ተጠቃሚት ክትከውን ይግመት ፡፡

ዝስተ ማይ’ኳ ዘይረኸበ  ህዝቢ ትግራይ ዲሞክራሲ፣ ሰላምን ልምዓትን ክመጽእ’ዩ ብዝብል ልዕሊ ዝኾነ መስዋእቲ ኸፊሉ። ኮይኑ ግና እቲ ዝኸፍአ ጸገም ሰናይ ምምሕዳር ዘሎ ኣብቲ ክልል’ዩ” ክብሉ ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ዘሎ ፀገም ገሊፆም ። ብሰንኪ ጎስጓስ ዝተፈላለዩ ሚድያታትን ተቓወምቲ ሓይልታትን እዚ ህዝቢ ናይዚ ስርዓት ሕልፊ ተጠቃሚ ንዝመስሎ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሕልፊ ዝተረብሐ፣ ዝተፈለየ ዝተጠቐመ ዝመስለና ብፍላይ ኣብ ክልላት ደቡብ፣ ኦሮሚያን ኣምሓራን እንርከብ ሰባት ህዝቢ ትግራይ ሕዚ’ዉን ማይ ንምስታይ ዝጽገም ህዝቢ’ዩ። ዝረኸቦ ትርፊ የለን። ዉሑዳት ሰባት ተሰሓሒቶም እንተሰሓሕቱና፡ ኣብ ጫፍ ወለጋ ዝነብር ሰብ ብሽም ትግራዋይ ምቕጻዕ ግቡእ ኣይኾነን። እዚ ዘይኣምን ገጠር ትግራይ ኸይዱ ይርአ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐብይ አህመድ አትሪሮም ተዛሪቦም ፡፡

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy