Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ውሳነ አልጀርስ ንመፃኢ ሰላም ክልትኤን ሃገራት፤

0 514

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ውሳነ አልጀርስ ንመፃኢ ሰላም ክልትኤን ሃገራት፤

                                                              ብማህደር ተከዘ

ኣብ ፅባሕ እቲ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘስዓበ ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ ጉንበት 1998 ክሳብ ሰነ 2000 ዝተኻየደ ኲናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዕርቅን ምርድዳእን ከምዝፈጥር ዝተኣመነሉ ሰነድ ኣብ ኣልጀርያ ከተማ ኣልጀርስ ክፍረም ከሎ አብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝቢ ረብህኡ ዕብይ ዝበለ ህዝባዊ ርክብ ክፈጥረ ከምዝኽእል ዘየትጸበየ ሰብ አይነበረን፡፡  

ዕለት 3 ታሕሳስ 1993 ዓ/ም ከም ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ (12 ታሕሳስ 2000)፡ ኣብ ሞንጎ ቀዳማይ ሚንስትር ነበር መለስ ዜናዊን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝተፈረመ በዓል 6 ዓንቀፃት ሰነድ ስምምዕ መሰረታውያን ሸቶታትውን እቱ ብኺናት ዶብ አቢሉ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘስዓበን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝነበሮ ርክባት ንከቋረፅ ካብ ምግባር ንላዕሊ ኺናትን ሰላምን ብዘይብሉ ኹነታታ ንነዊህ ዐማውቲ ክፀንህ ከሎ አብ ማህበረቑጠባዊ ዘኸተሎ ፅዕንቶውን ቀሊል አይነበረን፡፡

ካብኡ ሐሊፉ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝነበረ መንፈስ ፅልኣት፤ ስጉምትታት ብአለም ለኸ ደረጃ ከይተረፈ ጽእንቶ ንምፍጣር ከይተረፈ ዝተውሰዱን ንመንገዲ ሰላም ረብሐ ክህልዎም ዝኽእሉ ሰጉምቲታት ውጽኢት ከየምፅኡ ተሪፎምእዮም፡፡  

ቅድሚኡ ኣብ ባሕቲ ሰነ 1992 ዓ.ም ዝተበፅሐ ሓንቲ ነታ ካልአይቲ ከም ፀላኢ ናይ ዘይምርኣይን ናይ ምቁራጽ ተጻቦኦታት ስምምዕ ክኽበርን ክፍፀምን ውሕስና ምሃብ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ምሩኻትን ካልኦት ውልቀ-ሰባትን ነናብ ሃገራቶም ክምለሱ ምግባር ክልትኤን ሃገራት ኣብ ግዝኣተን ዝርከቡ ዜጋታት (እታ ሓንቲ ናይታ ካልእ) ሰብኣዊ መሰላቶም ክሕሎን ብምግባር ደረጃ ሥተሞከረ ነገራት አይነበረን አይብሃል ድአምበር ብጥቕልሉ ከርአከሎ ግን ብዙህ ብርክታት ዝተጉዐዘ አይነበረን ክብሃል ይክአል ።

እቲ ሰነድ፡ እቶም ዝተዘርዘሩ ሸቶታት ንኽፍፀሙ፡ ነፃ ናይ ዶብን ካሕሳን ኮሚሽናት ንኽምስረቱ’ውን መበገሲ ኮይኑ። ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቖፈ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብናይ ባዕሉ መገዲ ምርመራ ኣካይዱ፡ ንዘይምርድዳእ ምኽንያት ዝኾኑ ናይ ዶብ ከባብታት ነየነይቲ ሃገር ከምዝግብኡ ንምውሳን ክኽእል ኣብ ስምምዕ  ዝተበፀሐሉ ይኹን ድአምበር ብተግባራዊ አፈጻጽማ ደረጃ ክህሰብ ከሎ ግን ነዊህ ጉዕዞ ከይከደ አብመንገዲ ዝተረፈ ከይዲ ነይርዎ ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ሰነድ፡ ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ሕግታት መግዛእትን ዓለም ለኻዊ ሕግን መሰረት ብምግባር እቲ ኮሚሽን ውሳነ ንኸሕልፍ ተጠቒሱ ዝነበረን ከምኡ’ውን እቲ ኮሚሽን ዝህቦ ውሳነ ደረትን ምኽላልን ናይ መወዳእታን ቀያድን ንክኽውን ዝነበረ ይኹን ደአምበር ሀዝውን በአፈጻጽማ ደረጃ እቱ ሥምምዕ ናብዝሃሸ ብርኪ ንምስግጋር ዝነበረ ናክልትኤን ሃገራት ተገዳስነት ተሪርን ግዱስን ስለዘይነበረ እቱ ውዕሊ ናብመሬት ንምውራድ እዚ ዝብሃል ሥራህቲ አይተሰርሀን ።

ብ1994 (ሚያዝያ 2002) ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ውሳነ ኣሕሊፉ። ብመሰረት እቲ ውሳነ ክልትኤን ሃገራት ካብ ዝተዋግኣለን ቦታታት ሓንቲ ዝነበረት ባድመ ግዝኣት ኤርትራ ንክትኸውን ተበይኑ ዝብል ኹነታታ ዝነበረ ይኹን ድአምበር ናይ እቱ ውሳነ ትረጉም እንታይ ምኳኑ ንህዝቢ እኹል ሀበሬታን መረዳእታን ከይቀረበሉ ኺናትን ሰላምን ብዘይብሉ ኹነታት እስካእ ሀዚ ንክንቅመጥ ኮይኑ ፡፡

ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ስዒቡ ምጥራር ዶብ ክፍፀም እንተኾይኑ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግብኦም ነገራት ስለዘለው፡ ክፍጠሩ ይኽእሉ ዝበለቶም ፀገማት ብምዝርዛር፡ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ተወሰኽቲ ልዝባት ክካየዱ ዋላ ድአ ትህተትምበር ፤ ኤርትራ ንሕቶ ኢትዮጵያ ከይተቐበለት ብምትራፋ፤ እዚ ድማ ጉዳይ ዶብ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገርት ን16 ዓመታት ዝቐፀለ ቅርሕንቲ ክፍጠር መንቀሊ ኮይኑ ስለዝነበረ ሀዚ ግን እቱ ዘስዐቦ ማህበረቑጠባዊ ቅልውላው አብግምት ብምእታው ንፅባህ ዝዋሃብ እዮ ገዛ ዘይምኳኑ ርዱእ ብምግባርን ዐለም ዝተኸተሎ ሥልጡን መንገዲ ከምአብነት ብምውሳድን ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ናብዝሃሸ ብርኪ ብምስሳን መንገዲ ሰላም ምምራጽ እዋናዊ ዛዕባ እዩ ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ንደሓር፡ ከም ዝሰርሕዎም ካብ ሞንጎ ዝገለፅዎም እቲ ሓደ፡ ምስ ኤርትራ ዕርቂ ምግባርን ሰላም ምፍጣርን ስለዝኾነ አብሞንጎ ጉራብቲ ህዝቢን መፃኢ ሰላም ክልትኤን ሃገራትን ንምምዕባል፤ እኹል ናይ ህዝቢ ርክባት ሥራህቲ እነተተሰሪሁ እቱ ን20 ዐመት ዝአክል ነዊህ ግዘ ዝወስደ ጉዳይ ዶብ ክፈታህ ከምዝኽእል እምነት ብምሃዝን ተስፋን መንገዲ ሰላምን ሰኒቕካ ምውስዋስ ይግባእ፡፡

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy