Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ዘተ ቤት ምኽሪን ንጡፍ ስምምዕነቱን

0 455

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ዘተ ቤት ምኽሪን ንጡፍ ስምምዕነቱን

                                                      ብማህደር ተከዘ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ አብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ አብዘሥምዕዎ መደረ፤  ሽብር እንተረጉሞ ተተባሂሉ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ብዘይኣግባብ ሓይሊ ምጥቃም ዝዉስኽ’ዩ ። ዝኾነ ይኹን ወገን ሕገ መንግስቲ ከኽብር ኣለዎ ። እቲ ሕገ- መንግስቲ ትካላት ደሕንነትን ምክልኻልን ዘይሻራዊ ክኾኑ ኣለዎም ይብል  ግናኸ ከምኡ ዲና ሃኒጽናዮም ክብሉ ህቶን ትዕዝብትን ዘለዎ ሃሳብ አቅሪቦም ፡፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተኣሰሩ ሰባት ሰብአዊ መሰሎም ክኽበር እነተኾይኑ እቱ መሰሎም ንክኽበር ቀዳማይ ኢኒሼቲቨ ክውሰድ እንተኾይኑ ክንወስዶ ዝግብአናን ህገመንግስታዊ መሰላት ብስሩዕ ክኽበሩ ክንሰርህ ዝግብዐናን ንህና ኢና ፡፡ ግነከ ከም ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ዘዕግብ ሥራህቲ ዘይምስራህና እንተይኮነስ ጉድለታት ከምዝነበረና ስፍህ ዝበለ መረዳእታ አሎ ክብሉ እቶም ቀዳማ ሚኒስትር ሐቢሮም ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢታት እዛ ሃገር ክፍጸምዝፀንሐ  ምክልኻል ሰብአዊ መሰላት ንቡረን ሥሩእን ነይሩ ኢልካ ንምዝዛም አይክአልን ። ካብ ቀበሌ ጀሚሩ ዝነበረና ህጋዊ አተሐህዛን ዘዕግብን ሥሉልን ስለዘይነበረ ኩሉ ብሕጊ ዝግዘአሉን ዝመሐዳደረሉን ኩነታት ዝልወጠሉን ታሪክ ናይምፍጣር ታሪኻዊን ህገመንግሥታዊን ሐላፊነት አለና ፡፡

ብግብረ ራዕዲ ተኸሲሶም ዝተኣሰሩን ሞት ዝተፈርዶምን፡ ብስርቅን ካልኦትን ዝተኣሰሩ ምፍትሖም ሕጊ ምጥሓስ ከይኮነስ ፤ “ኽሶም ሽብር፣ ስርቅን ካልእን’ኳ እንተኾነ፡ ቤት ህንጸት እንትኣትዉ ግና ተኣረምቲ ስለዝኾኑ  እቲ ናይ ይቕረታ መስርሕ ሕጊ ተኸቲሉ ዝተሰርሀ ሥራህቲ ብፍሉይ ዐይኒ ምርአይን ንፖለቲካዊ ክስቢ ንምውዐል ምምኳር ናዐና አይጠቕመናን ክብሉ ተሰሚኦም ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ፡፡

ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ፖለቲካዊ ምህዳር እታ ሃገር ዚያዳ ብምስፋሕ ኩሎም ፖለቲካዊ ትካላት ክሳተፉ መንግስቲ በሪ ኸፊቱ ይሰርሕ ብምህላዩ ብፍላይ አብሚድያን ፍትሕን ዝርአ ዘሎ ለውጥታት ከምአብነት ክውሰድ ይግባእ ፡፡  ብርክት ዝበሉ ብፖለቲካዊ ጉዳያት ተኣሲሮም ዝነበሩ ፖለቲከኛታት፣ ካልኦትን ተፈቲሖም፣ ኣብ ከይዲ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ መዝገባት ክሲ ድማ ብምቁራጽ ብሰላማዊ መገዲ ፖለቲካዊ ተሳትፎኦም ዘዕብይሉ መንገዲ ምፍጣር ብባዕሉ ምስታሃገር ዝነበረ ወግዐዊ ኩነታት ክነፃፀር ከሎ ዘዕግብ ጅምር ከምዘሎ ይህብር ፡፡  ምስ ሚዲያን ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን ተዛሚዱ ይዉሰድ ዘሎ ስጉምቲውን ካልእ ምዕባለ እታ ሃገር ጌርካ ምውሳድ ይከአልዩ ፡፡ ኩሎም መማረጺታት ሚዲያ ብናጻነት ክሰርሑ ብርክት ዝበሉ እሱራት ጋዜጠኛታትን ዓምደኛታትን ተፈቲሖም ክንቀሳቀሱ ይገበርአሎ ፡፡ ቅድሚ ሐዚ ተዓፅዮም ዝነበሩ ድረ ገፃት ክኽፈቱን ሓሳቦም ብነፃነት ክገልፁ ከምዝተፈቐደውን ይፍለጥ ፡፡

እዚ ስጉምትታት ዝውሰድ ዘሎ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓውዲ ዲሞክራሲ ንምስፋሕን፡ ካብ ብጥይትን ጉልበት አተሃሳስባ ወፂኻ ብሓሳብን ብመትከልን ምንሕናሕ ዝፈጠረሉ ሃዋህው ፖለቲካ ንምትዕርራይ ብምሕሳብ ምዃኑ ድማ ክፍለጥ ይግባእ ፡፡ ኢትዮጵያ ድህሪ ሀዚ ብሃሳብ ዝነሃነሁ ጉጅለታትን ውለቀሰባትን ድአንበር ዝተፈላለዩ ሃሳባት ሂዝካ ካብ ምዝታይ ናብ ዐውደውግእ ወሪድካ ብአፈሙዝ ምዝታይ ዘመናዊነት ከምዘይኮነ ርዱእ ምግባር የድሊ ፡፡  ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝተርአየ ቅልውላውን ጉድለታት ሰናይ መምሕዳር ዋና ጠንቁ ኣብቲ ሕግን ስርዓት ፍትሕን ዘሎ ክፍተት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ ፡፡ ህግን ሥርዐትን ፍትህን ክጎድል ከሎ ሃሳብ ምስሃሳብ እንዳተወሃደ ንምትዕርራይን አብ ወሰን ጣውላ ተሰሪዕኻ ምዝታይ እቱ ጊዜ ዝሃቶን እዋናዊን መስርዕ እዩ ፡፡

ግልጽነት ዝጎደሎም ሕግታት እነተሃሊዮም ብፍሉይ ምርምርን ዘተን እንዳማዕበሉን እቶም ፀገማትውን እንደተአለዩን ብኣግባቡ ክመሓየሹ ከምዝግበኦም ምህሳብ ጥራህ እንተይኮነስ መፍትህታት እናዳቅረበካን እንደተዛተይካን ምምዕርራይ የድሊ ፡፡ እንተዘይኮነ  ህግታት ግልፅን ብርህ ዝበሉ እንተዘይኮይኖም ብፍላይ አብአፈጻጽማ ዘጓንፍ ዘሎ ከፍተታት ንምእላይ ሀዝውን ጸገም ክፈጥር ይኽእልዩ ፡፡ ነዚ ዝመርሕን ዝከታተልን ቤት ምኽሪ ምምሕያሽ ፍትሒ ተጣይሹ ዝማዕበለ አሰራርሃ ንምዝርጋህ እቱ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ እውን ናብ ዝሃሸ ብርኪ ብምስግጋር ፍሉይ ረብሃ ዘለዎ ምንቅስቃስ ይግበርሎ ፡፡

ከብዚ ንላዕሊ ብፍላይ ሓደ ሓደ ዓበይቲ ትካላት መንግስቲን ፤  ልምዓት መንግስቲ ናብ ውለቀ ንክዛወሩ መንግስቲ ዝወሰነሉ ምኽንያትን ልምዐታዊ መንግስቲ ነቱ ንፁር ሊበራል ኢኮኖሚ መሰጋገሪ ድልድይ እንበር ምርጓድ ልምዓታዊ መንግስቲ ብርዕሱ ቁጠባዊ ሽቶ አይኮነን ፡፡ ብፍላይ አብ አበይቲ ምንግሥታዊን ልምዐታዊን ትካላት ዘሎ አሰራርሀ ንሙስናን ኽፍእ ንዝበለ ስርቅን ዘቃልዕ ብምኳኑ፤ ናይ ምንግስቲ ኢድ ሙሉእ ብሙሉእ እነተይሰሃብናን  ኢድና እንተይውፃእናን ካልኦት ውልቀሰባትን ትካላትን ሼር ክውስዱ ምግባር ግብኡን ነቱ ዝድለ ቁጠባዊ ረብሃ ዐብይ እጃም ክህልዎ እዩ ዝብል ሃሳባት አብቱ ቤት ምኽሪ ክንፀባረቐን ናብ መረዳእታ ክሳሃቡ ተራእዮምዮም ፡፡

ድህሪ ሀዚ መንግስቲ ዝውንኖ ልምዐታዊ ትካላት እንዳቐነሰ ፤ ውልቀ ትካላት እንዳሰሰኑ ዝኸድሉ መዳይ ልምዐት ምፍጣር ይግባእ ፡፡ እቱ ንቡር ዐለምለኻዊ ተመክሮን ርዕዮት ዘርዕየናውን እዚ እዩ ፡፡ ንእዳጋ ዐለም በርኻ ዐፂኻ ዝፍጠር መህበረቑጠባዊ ረብሃ የለን ፡፡ እቱ እዋን ዝሃቶ ዘሎ ሥርዐት ግሎባላዘሽን ተረዲእኻን ጎኒ ንጎኒ ምኽያድ እነተዘይከአልካ ማህበረቑጠባዊ ንህንህ አንዳመራህኻ ትኸደሉ ጊዜ ክህልው አይክእልን ፡፡ ግዳስ እቱ ማህበረቑጠባዊ ምንቅስቃስ በናፃን ንዴሞክራሲ ዕብየት አጃም ከበርክት ብዝኽእለሉ ኹነታት ምትዕርራይ ይግባእ ፡፡

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy