Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ግርም ምድማር

0 546

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ግርም ምድማር

                                               ብፍቕረሰላም

ፈጻሚት ስራሕ ኢህወደግ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ስምምዕ ኣልጀርስን ዉሳነ ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ ኹነት ተቐቢሉ ንምትግባር ከምዝተሰማምዐ ከሎ እቱ ስምምዕ ምስቱ እዋናዊ ናይምድማር ፖለቲካዊ ከይዲ ክጽምበር ከሎ አቱ ፖለቲካዊ ከይዲ አብቱ ቀጣና ምስዝረከባ ሃገራት ቅድም ኢሉ አብሞንጎ (ጀቡቲ፤ ሱዳን፤ ኬንያ፤ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን) ዝተጀመረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ አብምሩጋድ ዘለዎ እጃም ዐብይ እዩ ።

እቱ ፖለቲካዊን ማህበራዊን ረብረሐ ዘለዎ አታሃሳስባ ምድማር  ክፈጥሮ ዝኽእል ሃዱሽ መንገዲ ይቅረታን ሰላምን ምኽታል ንምዕባለ ሃገር ዘለዎ አብ እጃም ቀሊል አይኮነን፡፡ አቱ ናይምድማር ፖለቲክስ አብውሽጢ ጉዳይና ምስምማዕ ምስጀመርና እቱ አታሃሳስባ ካባና ተሳጊሩ ንደቡብ ሱዳን ተናሐናሕቲ ወገናት ከይተረፈ ዐብይ መረአያ ምኳን ክኢሉ ፡፡ አብቱ ሀዚ አዋን ክልቲኦም ተናሓናሕቲ ውድባት ብአካል ተራኺቦም ንምዝታይ አብዝኽእልሉ ብርኪ ክበጽሁ ምኽአሎምውን አብይ መርአያ እዩ ፡፡

ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምምህያሽ ንክልቲኡ ህዝቢ ሰላምን ምርግጋዕን ካብዘለዎ ረብሐ ንላዕሊ አብቱ ቀጣና ብዝበለጸ ድማ ንናይ ቐርኒ አፍሪካ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላቀው ምርግጋዕ ዘለዎ ረብሐ ቀሊል አይኮነን ፡፡ እቱ ናይ ምድማር ፖለቲካዊ ረብሐ ንውሽጢ ሃገር ካብዘለዎ ረብሐ ንላዕሊ አብ ቐርኒ አፍሪካ ካብዘለዎ ረብሐ ተበጊሱ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ቕልውላው ንምፍታህውን ዐብይ እጃምን አበርክቶን ወፊዩሎ ፡፡

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኢትዮጵያ ልኡኽ ከምዝሰድድ ድሕሪ ምፍላጡ ፤ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ  ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ። እቲ ልኡኽ ኣብ መዕልቦ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣቀባብላ ተገይርሉ ። ብተወሳኺ ድማ  ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ኣሕመድ ሽዴ፣ ኣርከበ ዑቑባይን ከምኡ’ውን ምክትል ኢታሞዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ነቶም ኣጋይሽ ተቐቢሎም ናይ እነኳዕ ደሓን መጻእሑም አቀባብላ  ሥርዓት ክፍፀም ከሎ ካብዚ ዝዓብይ ናይምድማር ፖለቲካዊን ዲፐሎማሲያዊን ማህበራዊ ትርጉም አይነበረን ፡፡

እቲ ካብ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ልኡኽ ብወገኑ ፤ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ከምኡ ድማ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝሓዘ’ዩ ።እ ቱ ልዑኽ ብኪነጥበበኛታትን ብፍሉይ ኽብርን ዝተገብረሉ አቀባብላ ንቐፃላይ ህዝባዊ ርክብ ዕዙዝ ረብሐ ከምዘለዎ ብመራኸቢ ሐፈሻት ዝትአከበ ህዝባዊ ርእይቶ ይህብር ፡፡ ነቱ ፅብቕ ዝበለ ምግያሽ ተኸቲሉ ድማ ፤ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለፂ ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ በረራ ከም ዝጅምር ኣፍሊጦም  ። ቀፃሊ ሓድሽ ዓመት 2011 ዓ፡ም ኣብ ከተማ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ስለዝኽበር ነዚ ሓበራዊ በዓል ንምድማቕ ከየንቲ ተዳለዉ ኢሎም ። ኣብ ምፅዋዕ ንምዝናይ ዝናፈቕኩም ኢትዮጵያውያን እውን ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ በረራ ስለዝጅምር ድሉዋት ኩኑ፡ ክብሉ ተዛሪቦም ። ምስ ጎራብቲ ሃገራት እንዳተናሐናኻን አብ መዋጥር ተጀቕጂቕኻ መንባር ንማንም ዘምፅኦ ክስቢ የለን ፡፡ ይልቑነስ በቱ ዝፍጠር ወጥሪ አቢልካ ዝቕስቐስ አሉታዊ ርእዮት ናብ ዘይድሊ መንገዲ ክገንሐና ይኽእልዩ ፡፡ ንሱውን ውጽኢቱ ኺናት ይኸውን ፡፡

ሰብ ንምቕታል ድቃስ ካብ ንስእን ከመይ ገይርና ኢና ንምዕራብ ትግራይን ምስኡ ዝዳቦብ ክፋል ኤርትራን ኣራኺብና ብሓባር ነልምዖ ኢልካ ምህሳብን ምስትንታንን ጊዜ ዝጠልቦ ውሕልልን ሥልጡንን ከይዲ ክኸውን ምስተገበኦ ነይሩ ፡፡ ይኹን ድአምበር በዚ ኹርናእ ክንሰርሖ ዝግብአና ሥራህ ብዘይምስራህና ክሐልፍ ዘይግብኦ ጊዜ ሐሊፉ ፡፡  ሀዚ ድማ ምንሳህን ናብ ጸጸት አቲና ክነስቁነቀን አይግባእን ፡፡ እቱ ሀዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጡጡህ ባይታ ብምጥቃም ናብ ዝሐሸ ባይታ ንምስጋር የኽእልዩ ፡፡

ከመይ ገይርና ኢና ዶብ ኣልቦ ኮይንና ሓባራዊ ሰላም ብሓባር ንሕሉ፡ እቲ ዝጎደለና ካብኦም ሓቲትና እቲ ዘለና ድማ ምስኦም ተማቒልና፡ ብሓበር ክንነብር ንኽእል ዝብል ሓሳብ ንዓና ይጠቕመና እዩ ፡፡ ነዚ ጉዳይ ኣፅንዖት ሂብና ክንሰርሀሉ ዝግባእ ዲፕሎማሲያዊ ዕማም ክኸውን ይግባእ ። አይኮነን ዶ ምስ ኤርትራ ታሪኻዊ ርክብ ዘለናን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ፍሉይ ምትህብባር ዘለና ሃገራት ተሪፉ ምስ ምሉእ አፍሪካ ብፍላይ ድማ አብ ቐርኒ አፍሪካ ምስዝርከቡ ሃገራት ፍሉይ ቑጠባዊን ማህበራዊን ርክብ ብምፍጣር ተረባህቲ ክንከውን ይግባእ ፡፡  እቱ ዝፍጠር ዘሎ ጡጡጥህ ባይታ መንገዲ ሰላም ዘእንፍት ምዕባለ ኮይኑ ክውሰድ ይግባእ ፡፡

ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ዘዋፅአና ፡፡ ዘተ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ኣገዳሲ ምዃኑ ክስመረሉ ዝግባእ እዋናዊ ዛዕባዩ ። እቱ ሀዚ ብሃገር ብርኪ ጀሚርናዮ ዘለና ናይምድማር ማህበራዊ ባይታ ካብዙ ሀዚ ዘለዎ ብርኪ አገዚፍካ ብምስራህ ዲፐሎማዊ ዐወታትና ክነራጉድ ይግብአና ፡፡ኢትዮጵ ከም  ሃገር ንዜጋታት ፍቕሪ እንበር ባእስን ቂምን ክተውርስ ከምዘይግባእ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኢትዮጵያውያን ህፃናት፡ ኣብ ኤርትራ ኣሕዋት ከምዘለዎም እናፈለጡ ክዓብዩ ከምዝደልዩን፡ ኤርትራውያን እውን ተመሳሳሊ ድሌት ክህልዎም ኣተስፍዮም ። ኤርትራውያን ኣሕዋትና ኣብዚ ክራማት ናብ ኢትዮጵያ መፂእኹም ሃገርኩም ክትህውፁ ድማ ንላቦ፡ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ግርም ምድማር።

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy