Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ሃይማኖትናን ንረብሃ ሰላም

0 378

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

 

                                                         ብማህደር ተከዘ

ናይ ሎም ዘበን ሮሞዳን ብዓለም ብርኪ ልዕሊ 1.5 ቢሊዮን ናይ እስልምና እምነት ተኸተልቲ  ብፍሉይ ኹነታት አኽቢረምዎ ፡፡ አብ ሃገርናውን ቑጽሮም ልዕል ዝበለ ናይቱ እምነት ተኸተልቲ ፍሉይን ድምቕ ብዝበለ ኹነታት ብሰላምን ብምትህስሳብን አኽቢረምዎ። ብፍላይ አብ  ሃገርና ዐሲሉ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን ንከየዝረግ ምስ አካላት ፀጥታ ብምትህብባር ዝተኸበረ ክኸውን ከሎ ብሐፈሽኡ ናይሃገርና ምርግጋዕ ነቱ ብዐል ብዐብዩ አማዕሪግዎ ውዒሉ፡፡

በዓል ሮሞዳን ክጽዎም ከሎ እቶም ናይቱ እምነት ተኸተልቲ ቀትሪ ምሉዕ ብጾምን ብጸሎትን ከህልፉ ይውዕሉሞ አብእዋን ፀሐይ ዐራርቦ እቱ ጾም ንምፍታህ ይዳለውሞ ፍፁምን ብዝተረጋገዐን ሰላማዊ ኹነታት የፍጥሩ፡፡ ከፍጥሩ ከለ ድማ ብፍፁም ንፅህናን ሥሩዕ ቤተሰባዊ ፍቕሪን ምትህስሳብን ብምኳኑ እቱ ምፍጣር ፍሉይን ምቁርን ጥዑምን ምኳኑ ሰዐብቲ እቱ እምነት ብፍቕሪ ክገልጽዎ ይስማዕ፡፡  

ነቶም ሰዓብቲ እምነት ህጉስ ረማዳን (Happy Ramadan) ይኹነልኩም ብምባል ትምኒትካ ክትገልጸሎም ከለኻ ዝሰምዖም ሐጎስ ፍሉይ ምኳኑ ይዛረቡ፡፡ ንሶም ብወገኖም ድማ “Ramadan mubarak”  ብምባል ዘህጉስ መልሲ ይህቡካሞ እቱ ዝድለ ሰላምን ምርግጋዕን ብኡ አቢሉ እንዳተራጎደን ሰላማዊ ዝኾነ መንፈስ ከም ማዕበልን ክመፅእ ከሎ ይሰማዐካ ፡፡ “Ramadan mubarak” ክብሃል ከሎ ብትርጉ ደረጃውን “Ramadan blessed”ብሩኽ ረማዳን ምኳኑ ስለዝፍለጥ ፡፡

ብናይ ሙስሊም ካላንደርን Islamic calendar ወይክዐ አቆጻጽራ ዘመን  አብሻብዐይ ወርሂ ዝኽበር በዐል ክኸውን ከሎ እቶም ሰዓብቲ እምነት እቱ ጾም ክጅመር ከሎ “Ramadan Mubarak” ብምባል ሰላምታ ክኅብሩ ከለዉ እቶም መለስቲ ድማ ብወገኖም ብጸመሳሳሊ ቋነቋ “Ramadan Mubarak” ወይከዐ “Ramadan Kareem”” እንዳተበሃሃሉ ብጽቡቕ እሰላማዊ ፍሉይ ሰላምታ ክልዋወጡ ይርአዩ፡፡ ረማዳን ሙባረክ ኾነ ራማዳን ከሪም ብሃፈስኡ ብሩኽ ራማዳን ይኹነላካ ከምማለት እዩ “Blessed Ramadan” .

 

ናይ እቱ ሰላማዊ ርክብ ምልክት ንምኳኑ ንምርዳእ ብቋንቋ እንግሊዝ እውን ዝስዕብ ትርጉም ይህቦ A direct translation of Mubarak means blessed or blessing while Kareem translates to generous. Therefore, Ramadan Mubarak translates to a greeting of have a “blessed Ramadan” while Ramadan Kareem translates to have a “generous Ramadan.”

ህዝበ ሙስሊም አብ እዋን ራማዳን ዘርእይዎ ሀልየት፤ ፍቕርን ሰላምን አብቱ ብዐለ ጾማት ጥራህ እንተይኮነስ ብሐፈሽኡ አብቱ ካሊእ እዋንውን እቱ አብ እዋን ራማዳን ዝፀንሀ ሀሌት፤ ምትህስሳብን ፍቕርን ክራጎድን ክስስንን ፍሉይ ትኹረት ሂብካ ክስራህ ከምዝግብኦ እቶም መራህቲ ሃይማኖት ንቶም ሰዓብቲ እምነት ክምዕድዎም ይስማዕ፡፡ ከምዚዝዓይቱ ምትህስሳብን ልማድን ንምርግጋዕ ዐድን ፍቕሪ ህዝብን ንምትእስሳር ዐብይ እጃም ከመዘለዎ ይእመን፡፡

ናይሎሚ ዘበን ሮሞዳን ብፍላይ አብቱ ሃገርና ዝነፍስ ዘሎ ናይ ሰላም ንፋስ ንምድንፋዕ አብዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ዝበዐለ በዐል ስለዝኾነ እቱ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም ነፋስ ንድህሪት ከይምለስ እቱ ዝተጀመረ ጸሎትን ጾምን እወናዊ ጌርካ ምውሳድ ይግባእ፡፡

ንአብነት አብ አዲስ አበባን ካልኦት ክልላትን እቱ በዓል ክኽበር ከሎ ዝተርአየ ሰለምን ምርግጋእን ከምአብነት ብምውሳድ፤ እቱ ዝተርኸበ ሰላምን ምርግጋዕን እንዳተራጉደን እንዳሰሰነን ንክኸይድ እቶም ካልኦት ሰዓብቲ እምነትውን ከምቶም አሃት ሰዐብቲ እምነት እስልምና እጃሞም ንክዋጽኡን  ፍሉይ ተበግሶ ብምውሳድ ንሰላምን ምርግጋዕን ዝግብኦም ጻእሪ ብምግባር ተወፋይነቶም ከርእዩ የድሊ፡፡

እስልምና ሰላም እዩ፤ እስልምና ፍቕሪእዩ፤ አብ እዋን ራማዳን ዝተርአየ ምትህልላይ አይኮነንዶ ንሳእብቲ ካልኦት እምነት ንኻልኦት እምነት ዘይብሎም ከይተረፈ ክኽተልዎ ዝግባእ ዐብይ መንገዲ ሰላምዩ፡፡ ናይ ሰላም ዋጋ ብጣዕሚ ክቡርዩ፡፡ ሰላም አብዘይዐሰለሉ ሃገር እምነትውን ትረጉም አይብሉን፡፡ ሰላም እንተሃሊዩ ግን ብእምነት ንምንባረውን መንገዲ ይፈጥር፡፡ ሃሳባዊ ፍልልይ ሂዝካ ንምዝታይውን ሰላም ወሳናይ እዩ፡፡ ብዘይሰላም ዝዐቢ ሃገር የለን፡፡ ሰላም እነተሃሲሩ ዐዲ ከምዓዲ ንክትቅጽል ትፅገም፡፡ መናእሰይን ህጻውንቲን ይፅገሙ፡፡ ሰላም ዋጋእ አይትመንንሞ አብ እግሪ ሰላም ዐሲልና ህብረትን ሀልየትን ነሰስን፡፡

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy