Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ሓይሊ ከይኮነስ ልዝብን ስምምዕን እዩ ዘድሊ፤

0 793

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ሓይሊ ከይኮነስ ልዝብን ስምምዕን እዩ ዘድሊ፤

                                                        ብማህደር ተከዘ

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ  እሱራት ዝነበሮ ክሲ ከምዘቋረጽን ፤ ንካልኦት ድማ ኣብ ዘየለውሉ ተኸፊቱ ዝፀንሐ ክሲ ‘ውን ክቋረፅ ክውስን ከሎ ፤ እቱ ዝካየድ ዘሎ ናይየቅርታን ኽሲ ናይምቁራጽ ዕማም አብ ዝተፈላለዩ እዋናት አብልዕሊ መንግስቲ ዝልዓሉ ዝነበሩ ህቶ ዘፈር ፍትሂ ምጉዳልን  ህቶ ምጉዳል ሠናይ ምምህድዳርን ንምምላስ ካብ ዝብል ግዱስነት እምበር ካሊኢ ዕላማ ክህልዎ አይክእልን፡፡ ብኡ አቢልውን እቱ ብምጽባቡ ናይ ዕለታዊ ህቶ ተናሃናህቲ ውድባት ዝነበረ ፖለቲካዊ ሥነምህደር እውን ንምግፋእ ዝአመተ ፖለቲካዊ ውሳነታት ምኳኑውን ርዱእ ክግበር ይግባእ ፡፡ እቱ  ውሳነ ኣካል ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይነፍስ ዘሎ ንፋስ ለውጢ ገይርካ ንምውሳድ ከምዝኽእል ውን ርዱዕ ምግባር የድሊ ፡፡

ኢትዮጵያ ብሃፍሸኡ ንኩላትና ስዒቡ ድማ  ንሰላምን ሐድነት አእያዳ ዘርጊሃን በራ ከፊታን ዝትጽበ ሃገር ከምምኳና መጠን ፤ ድህሪ ሀዚ እቱ ዲሞክራሲያዊ ሥርዓት ንምርጓድን ንምስሳንን  ዜጋታታ ተወሳኺ መስዋእትነት ክከፍሉ ዐይግባአን ፤ አመለኻኽታናን ፖለቲካዊ ርዕይቶናን ካብ ፅልኢትን ሥሚዒት በቀልን ዘርአውነትን አፅሪና ፤ ሃገርና ሰላምን ማዕርነት አማዕቢላ ዜጋታት እውን ብሰባአዊ መሰሎም  ተከባቢሮምን ተሃጋጊዞምን አብፍቕርን ምትህልላይን ዐሲሎም ፤ ንነብረላን ብቁጠባዊ ዕብየትን ሃለዋ ዲሞክራሲያ መሰላትን ድማ ሹማ አብ መድረኽ ስላም ዝጋወሀሉ ሃገር ክትከውን ፃዕሪ ምግባር የድለየና፡፡

አቶም አብደገ ዝርከቡ ተናሃናህቲ ውድባትውን ኃይልታት እውን ፤  ብተወፋይነትን ብምትህልላይን ተበግሶ ወሲዶም ፤ንዓዶም ዝጠቅም ትልሚን ፖለሊካዊ ሃሳባትን እስካሃዝሃዙን ብሰላማዊ መንግዲን ዲሞክራሲያዊ ከይድን ክንክተል ኢና ዝብል ቅዋም እንተሃሊውዎም እታ ሃገር ንዕዖም ከጋይሽ ዝኽእል ፖለቲካዊ ሃዋህውን ጥጡዕ ባይታን ንክትፈጥረ ዘዐንቅፋ ምንም ዐይነት ሀንኬል አይህልን ፡፡ እቱ ናይ ትማልን ዝሃለፈን ፖለቲካዊ ምዕራፍ ዐጺናን ንከይምለሥ ረሲዕናን ናብ ቀፃላይን ሃዱሽን ዲሞክራሲያዊ መንገዲ ብምእታው ንሃገር ሰላምን ንህዝባዊ ሃድትናን ምዕባለ ብዝጠቅም መንገዲ ፤ እታ ሃገር ናብ እተደሊዮ መንገዲ ሰላም ብምዕሳል ፤ ብሄራዊ ምርድዳእን ሃደ ዝዓይነቱ  ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ማህበረሰብ ንምፍጣር እቱ ዝጀመርናዮ ጥጡዕ ከይዲ ብውፍይነት ክንቅፅለሉ ይግብአና ፡፡

ነዚ ንምትግባር ድማ እቱ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ምርድዳዕን ሰላማዊ ባይታን ንድህሪት ከይምለሥ ንጡፍ ከይዲ ብምኽታልን ንቕድሚት ብምስጓምን አብ ሞንጎ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሰላምን ምርግጋዕን ንክዐሥል ፍሉይ ትኹረት ክንህብ አለና፡፡

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ  እሱራት ዝነበሮ ክሲ ከምዘቋረጽን ብይቅሬታ ንክፍትሁ ስጉምቲ ክወስድ ከሎ ነዚ ተኸቲሉ ብፍላይ ብወንጀል ሥተኸሰሱን ብብልሹውናን ብሙስናን ዝተአሰሩ ወገናት ንምንታይ ይፍትሁ ብዝብል አብ እቱ ማህበረሰብ ዝተፈጠረ ብዥታ ከምዝሃለወ ይፍለጥ ፡፡ ክፍለጥ ዝግብኦ ዐብይ ጉዳይ ግን ፤ መንግሥቲ ንዝኩሉ ጥፍአትን ምስህሃብን ፤ መበገሲኡ ማንም ከይኮነስ ንህና ባዕልና ኢና ክብል ከሎን፤ አብታሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ  ሃዋህውን ሥነምህዳርን ምፅባቡ እስካእ ዝአመነ፤ ናይእሱራት ይቅሬታን ምቁራፅ ክስን ካሊዕ አጀንዳ ፈጡሩ ባዕልናንባዕልና ዘባልዕ ባይታ ክፈጥር አይኽእልን ፡፡ ግዳስ እቱ መንግስቲ አብ ሙሥናን ምክልኻል ገበንን ዝውስዶ ዝነበረ ነቕ ዘይብል ቅዋም ሀዚውን ከምዘይሽራረፈ ምርዳእ ይግባእ ፡፡

ብተወሳኺ ድማ ፤ እቱ አብ መንግስቲ ዝተገበረ ገምጋም እቱ ብልሽውና ናይብዓልና  ናይመንግስቲ እዩ ክብሃል ከሎ ምስ መፍትሂኡ ክመፅእ ይግብኦ ስለዘነበረን መፍትሂኡ ድማ እቱ ብልሽውና ካብ መሰረቱ ንምእላይ ማህበረሰባዊ ለውጢታት ምዕሳል እስካዝኾነ ፤ እቱ ማህበረሰባዊ ለውጢ ንምምፃእ ድማ አብእሱራት ምፍትሃን ይቅሬታን ዝተወሰደ ስጉምቲ  ካብእቱ ቅድም ኢሉ ዝተውሃበ መንግሥታዊ አቅጣጫ ዝነቅል እምበር ብስምዒትን ብዘይምድላውን ዝተገበረ ጉዳያት ከምዘየለ ክፍለጥ ይግባእ ፡፡

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ለይብነትን ጠልቆምቆምን ካብልቡ ዝፅየፍ ወለዶ ምፍጣር እንበር ብስነምግባር ዝተላሸዉ  ገበነኛታትን አብሙስና ዝተጀቕጀቑ ዕሱባትን እናሃደንካን እንደከሰስካን መደብ ሂዝካ፤ ላዕልን ታህትን እነዳበልካ ምንባር ብባዕሉ ዐብይ ሃገራዊ ኪሳራ እዩ ፡፡ ግዳስ እቱ ሃዱሽ ወለዶ ከምዚዝዓነቱ ገበንን ኢ-ሥነምግባራዊ ዝኾነ ከይድን ካብምጽያፍ ኃሊፉ ክኹንኖን ከአልዮን ከምዝግባእ እንደሃሰብና እቱ መንገዲ ዋላእንኳ ጥውይዋይን ዐቐበትን ቁልቁለትን ዝበዘኸሖ ይኹንምበር፤ ነዚ ኩነታት ንምዕርራይን ናብ ዝሃሸ ብርኪ ብምስግጋርን ዝዐረየ ወለዶ ንክንጠልብ  አድሂብና ከንሰርህ ይግብአና ፡፡

ብዝተርፈ ናይእሱራት ምልቃቕ እቱ ፖለቲካዊ ሥነ-ምህዳር ንምስፋህ እዩ ኢሉ ካብልቡ ዝተቐበለ ማህበርስብ ይሀሊ ድአንበር ፤ ብትዝተወስደ ሃፈሻዊ ከይዲ ብፍላይ ናይ ሙሰኛታት ተባሂሎም ዝተዐሰሩ ውልቀሰባት ጉዳይ እውን ካብቱ ሃገራዊን ፖለቲካዊ መኽሰብ ዝነቐለን ነዚ ዝዓይነቱ ከይዲ ድማ ናብዝሃሸ ምርግጋዕን  ሰላምን ዘሳግር ድአምበር ካሊእ ፖለቲካዊ መኽሰብ ከምዘይብሉ አብቀረባን አብ ርሁቕን ዘሎ ሐይሊ ክርድኦ ዘኽእለሎ መድርኻት ብምፍጣር ሃበሬታ ምሃብ የድሊ ፡፡

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy