Tigrigna

መሸጣ ብፅሒት፤ ናብ ሃብቲ ዋንነት ዜጋታት፤

By Admin

June 11, 2018

መሸጣ ብፅሒት፤ ናብ ሃብቲ ዋንነት ዜጋታት፤

                                                     ብማህደር ተከዘ

መንግስቲ ንበይኑ ክቆፃፀሮም ዝፀንሐ መፍረይትን ኣገልግሎት ወሃብትን ትካላት ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ከኣ ብኽፋል ናብ ዋንነት ውልቀ ክዘሩ ክውስን ከሎ ማህበረቑጠባዊ ረብህኡ ዘዐበየ ምኳኑ ክፍለጥ አለዎ ፡፡   

እቱ ውሳነ ድማ ንሃገር ልምዓት ካብዘለዎ ፍሉይ ጥቕሚ ዘስተማቐረ ውሳነ ምኳኑ ብግቡእ ምርዳእ  የድሊ፡፡ ሰብ ሃብቲ ውሽጢ ዓዲ ፤ ኣብ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብፅሒት ክህልዎም ዝተወሰነሉ መበገሲ ምኽንያት ድማ ንዝሃሸ ማህበረቑጠባዊ ሃዋህው ንምፍጣር ግዱስ ዝገበረ ኹነታታት እዩ ።

ብመሰረት’ዚ፤ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝርከቡ ኮነ ገና ኣብ ህንፀት ዘለዉ ናይ ባቡር፣ ልምዓት ሽኮር፣ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ ከምኡ ድማ ኣብ ሆቴልን ማንፋክቸሪንግን ዝሰርሑ ትካላት ኩሎም፤ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ከኣ ብኽፋል ብዝግበር መሸጣ ብፅሒት (ኣክስዮን) ናብ ዋንነት ውልቀ ክዘሩ ከለዉ ናይ ውሽጢ ሃገር ሰብ ሃፍቲ ናብ ዝሃሸ ቑጠባዊ ብርኪ ንምስግጋር ዘለዎ ረብሃ ብቐሊል ክንግምቶ አይክአልን።   

ብተመሳሳሊ ድማ፤ ኣብ ኢትዮ ቴሌኮም፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መፈልፈሊ ሓይልታት ኤሌክትሪክን መንግስቲ ዝዓበየ ብፅሒት ሒዙ፤ እቲ ዝተረፈ ብፅሒት ንሰብ ሃብቲ ውሽጢ ዓዲ ክወሃብ ከምዝሰርሕ ኢህወዴግ ከፍልጥ ከሎ እቱ ከጋጥሞ ዝኽእል ህንክልክል ቀሊል ክኸውን ከምዘይክእል ዋላ እንኳ ተተገመተ እቱ አማራፂ ግን ዝዐበየ ፖለቲካዊን ማህበረቑጠባዊን ረብህኡ ዑዝዝ እዩ፡፡

ንውሕ ንዝበሉ ዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ቑልፊ ትካላት ልምዓት ንብሕቱ ተቖጻጺሩ ምሓዙ ካብ ዓለምለኸ ትካላት ገንዘብ ነቐፌታ ከተኣናግድ ጸኒሑ’ዩ፡፡ ግዳስ እቱ ፅዕንቶ ዝፈጠሮ ፍሉይ ጉዳይ አይኹን ድአምበር ብሳንስ ቑጠባዊ ትንታነ ከምዚአይነት ናይ ፖሊሲ ክልሳ ምግባር እዋናዊን ሥልጡንን ውሳነ እዩ፡፡

ኣብዚ እዋን ትካላዊ ለዉጢ ብምምጻእ ቑጠባዊ ስግግር ንምርግጋጽ ከምዝስራሕ ዝተመጻብዐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ትማሊ ብፈጻሚት ስርሕ ገዛኢ ግንባር ኢህወደግ ኣቢሉ ሰብ ሃፍቲ ዉሽጢ ዓዲ ኣብ ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ብጽሒት በዓል ዋንነት ክህልዎም ምውሳኑ ታሪኻዊ ውሳነ ክብሃል ይኽእል፡፡

ዓለም ብባህሪአ ዳይናሚክ ባህሪታት ናይምትእንጋድ ሥነባህሪ ዘለዋ ዓለም ከምኳና መጠን አብሃደ ቀዋም ተተኺልካ ምንም ዐይነት እዋናዊ ፖሊሲ ዘይምልዋጥ ብባዕሉ እቱ ቑጠባዊ ምእባለ ዘይምሥላጥ ኹነታታት ከጓንፎ ስለዝኽእል እቱ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብፍሉይ ማህበራዊ ዐይኒ ጥቕሚ ምርአይ አድላዪ እዩ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኮይኖም ኣብ ህንጸት ዘለዉ ፕሮጀክታት ልምዓት ሽኮር፣ ፓርክ ኢንዳስትሪ፣ ሆቴልን ዝተፈላለዩ ትካላት መፍረዪን ሙሉእ ንሙሉእ ወይ’ዉን ብኽፋል ብመሸጣ ኣክስዮን ናብ ዉልቀ ሰብ ሃፍቲ ክአቢ ምግባር እቱ ናይበአል ዋንነት ውልቀ ሰባት ከዕቢ ዝኽእልን ውልቃዊ ሀፍቲ ናይምዕባይ ፍሉይ ረብሃ ልህልዎ የኽእል ፡፡

ትካላት መገዲ ኣየር፣ ኢትዮ-ቴሌኮም ፣ መጓዓዝያ ባሕር ሎጀስቲክስን እቲ ዝዓበየ ብጽሒቶም ብመንግስቲ ተታሒዙ እቲ ዝተረፈ ንሰብ ሃፍቲ ዉሽጢ ዓድን ወጻእን ክመሓላለፍ ኣንፈት ኣቐሚጡ’ዩ። ከም መገዲ ኣየርን ኢትዮ ቴሌኮምን  ዝኣመሰሉ ዓብዪ መኽሰብ ዘምጽኡ ዘለዉ ትካላት ንዉልቀ ሰብ ሃፍቲ ክሽየጡ ግቡእ ኣይኾነን ዝብሉ ሰብ ሙያ ቑጠባ እንተሃለዩኳ፤ ብኻልእ ወገን ድማ መንግስቲ ሕዚ ተግባራዊ ክገብሮ ዝኣተዎ ዉሳነ ብአወንታ ዝርእዩዎን እዚ መስርሕ ምትሕልላፍ ትካላት ልምዓት ሓድሽ ከምዘይኾነ’ዮም ክዛረቡ ዝስማዕ።

እንተኾነ ግን ሜጋ ፕሮጀክታት ንሰብ ሃፍቲ ምኽፋቱ ዓብዪ ነገር ይኹን ምበር ። እዚ ግብራዊ ክኸዉን ግና ምምሕያሽ ናይ ሃደሃደ ፖሊሲ የድሊ’ዩ” ክብሉ ርእዩቶ ዝህቡ ድማ አለዎ፡፡ እዚ ጉዳይ ብፍላይ ድማ ልምዓታዊ መገዲ ክትኽተል ንዝጸንሐት ሃገርን ገና ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝርከቡ ቑጽሮም ዘይነዓቕ  ዜጋታት ንእተመሓድርን ሃገር እቱ ሃዱሽ ናፖሊሲ ለውጢ ኣካታዓይዩ ።

ዉጽኢታዉነት እዚ መገዲ ግና መንግስቲ ብዘካይዶ ጥንኩር ስራሕቲ ምቁጽጻርን ክትትልን ከምዝዉሰን አብግምት ምእታው የድሊ፡፡ ብርግጽ እቱ ለውጥታት ብስርዑ ምትግባር እንተተኽኢሉ፤ መፍረያይነት ክዓቢ፣ ዉጽኢታዉነት ትካላት ክጠናኸርን ጽፈት ስራሕቲ ክብርኽን ሓጋዛይ ግደ ክህለዎ ከምዝኽእል ግን ምግማት ይከኣል።

እዚ ድማ ዉልቀ ሰብ ሃፍቲ ኣትረፍቲ ክኾኑ ስለዝደልዩ ኣብዚ ወጻኢኦም ነክዮም ትርፊ ንምብዛሕ ኣብ ዝገብሩዎ ጻዕሪ ጽፈት ክተባባዕን ኣድኸምቲ ቢሮክራሲያዊ ጉዳያት ብምንካይ ግዘን ጉልበትን ዝቑጠበሉን ባይታ ክፈጥር ተስፋ ምግባር ከምዝከኣል ይእመን ።

ገዘፍቲ ትካለት ዉልቀ ሰብ ሃፍቲ ክኣትዉዎ ምግባር ንሕንሕ ስለዘተባብዕ፡ ሓደ ዋጋ ይንኪ፡ መንግስታዊ ኣታዊ’ዉን ክዉስኽ ይኽእል። ይኹን’ምበር ዋላ’ኳ እቶም ሰብ ሃፍቲ ከትርፉ ክብሉ ዝሰርሑ እንተኾኑ፡ መንግስቲ ብኽፋል ስለዘቕርቦ ግና ካብቲ ሚኢቲ ሚኢታዊ ንብሕቱ ዝረኽቦ ዝነበረ መኽሰብ ክማቐል ስለዝጅምር ክንድቲ ዝረኽቦ ዝነበረ መኽሰብ ዘይክረክብ ዋላ እነኳ ተኾነ አብ ነዊህ ጉዑዞ ቑጠባዊ እታ ሃገር ብዕብይ ዝበለ ዐይኒ ክረአ ከሎ ግን ካብ ጉድአቱ ንላዕሊ እቱ ቑጠባዊ ረብህኡ አገዳሲ ምኳኑ ርዱእ ምግባር የድሊ፡፡ ካብ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንምድሓን፡ ተለቂሓ ዝጀመረቶም ፕሮጀክታት ንምዝዛም ክሕግዛ’ዩ” ዝብል ናይ ብዙሃት ሰብ ሙያ  ርኢይቶ ከምዝኸነውን ምርዳእ ይክአል።