Tigrigna

ሥልጡን ውሳነ ዶብ ንርክብ ክልቲኦም ሃገራት፤

By Admin

June 11, 2018

ሥልጡን ውሳነ ዶብ ንርክብ ክልቲኦም ሃገራት፤

                                                         ብማህደር ተከዘ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ሙሉእ ንሙሉእ ተቐቢሉ ተግባራዊ ከምዝገብር ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ ኢህወዴግ ከምዝወሰነ ይፍለጥ፡፡ ነዚ ተኸተቲሉ አብሃገርና ዝተፈላለዩ ርእዮቶታት ክውሃቦ ፀኒሆምዮም ፡፡ ግዳስ ናይ እቱ ውድባዊ ዓንዲ ምግለፂ አጥሊልካ ምርዳእን ምስትውዓልን ከምዘድሊ ይእመን፡፡

ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ ኢህወዴግ ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ኣኼብኡ ዘሕለፎም ውሳነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ተደሪኽና ክነስተውዕል ከለና እቱ ረብሃ፤ ንክልቲኣዊ ረብሓ ክልቲኦም ህዝብታት ኢትዮጵን ኤርትራን ክበሃል፤ ነዚ ውሳነ ምሕላፉ ከፍልጥ ከሎ ካብ ሰላም እምበር ካብ ወጥሪን ምስህሃብን ዝርከብ ምንም ዐይነት ጠቕሚ ከምዜርክብ አብግምት ዘእተወ ውሳነ ምኳኑ ክፍለጥ ግባእ ።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ 1990 ጀሚሩ ዝተፈጥረ ኲናት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘጋጠሙ ደም ዘፋስሱ ሓደ እንትኾን፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ብርክት ዝበለ ህይወት ጠፊኡ እተን ሃገራት ዘትረፈኦ ምንም ዓነት ለለቲካዊን ማህበረቁጠባዊን ትረፊ የለን፡፡ ስለዝኾነ እቱ ዝሃለፈ ሥህተት ከይድገም ጥራህ እንተይኮነስ መንገዲ ሰላም ተኸቲልካ ናብ ዝሃሸ ህዝባዊ ርክባት ምእታው ንፅባህ ዘይብሃል ዕዮ ገዛ ብምኳኑ እቱ ውሳነ እዋናዊን ፍትሃውን ውሳነ እዩ፡፡

እዚ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ሰፊሕ ማሕበረ ቑጠባዉን ፖለቲካዉን ቅልዉላዉ ፈጢሩ ዝፀንሀ አጀንዳ ዐጺኻ ናብ እቱ ንቡርን ናብምትህልላይን ብምእታው ንኽልቲኡ ህዝቢ ረብሃ ዘለዎ ሥራህቲ ንምስራህ ካብዚ  ዝላዐለ ካልእ ዘዋጽእ መንገዲ ከምዜይለውን ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዝብል ሕቶ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ከምኡ’ዉን ማሕበረሰብ ዓለም ኮይኑ ንዝጸንሀ አተሃሳስባ እዋናዊ  መልሲ ዝሃበ ጥሉል ውሳነ እዩ።

ብድሕሪ እቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝኣተዉኦ ኲናት ብኣዛታይነት ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ብስምምዕ ኣልጀርስ ክዛዘም’ኳ እንተተገበረ፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ተፈፃሚ ከይኮነ ‘ዩ ጸኒሑ። ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝነበሮ ኩነታት ንምምላስ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተኻየዱ ፈተነታት ኩሎም ዉጽኢት ከምጽኡ ሥለዘይኽኣሉ፤  ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ብዝሃሸ መንገዲ ተረዲኡን አሥተውኢሉን ዝህለፎ ውሳነ ናይ ሥልጡናት መንገዲ ዥተኸተለ ውሳነ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሰላም ንምስፋን ካብቲ ዝነበረ ዝተፈለየ ቅዋምን ኣካይዳን መንዚእኻ ማጻእ የድሊ ብምባል በቱ ውድብን መንግሥትን ዝትወሰደ ስጉምቲ ካብ እዋናዊነቱ ንላዕሊ ርክብ ክልቲኡ ህዝቢ ንምርጓድን ናብ ዝሃሸ መንገዲ ሰላም ብምግናህ ዝሃሸ ማህበረቑጠባዊ ረብሃ ክልቲአን ሃገር ናብ ዝሃሸ መንገዲ ንምውሳድ ዘኽእል መንገዲ ሰላም ንምፍጣር ዐቕሚ ክኸውን ዘኽእል እዩ።

ድሕሪ ምዝዛም ኩናት ኢትዮ ኤርትራ ክልቲኤን ሃገራት “ኩናት ኮነ ሰላም ኣብዘይብሉ ሃዋህው” ንነዊሕ አመታት ምፅናህ ዘኸተሎ ሳእቤን ቀሊል ኤይኮነን፡፡ በዚ መዳይ እዚ ዥትፈጠር ቅልውላው መናእሰይ መንስደት፤ ማህበራቑጠባዊ ኩነታት አውን ንዕንወት ዘዳረገ ኹነታት ፈጢሩ ህዝብ ከምህዝቢ ተረጋጊዑ ንከይነብር ብምግባር ብርኪውን ዝተፃወቶ አሉታዊ ግደ ቀሊል አይኮነን፡፡ ነዚ ሃሲብካ እንተብቅእ እሰካሀዚ ብስቀቕታ ምህላፍና ከየተጣዐስና ካብ ሀዚ ንድሃር እቱ ናይሰላም መንገዲ ተኽቲልና ብምምራሸ መፍትህታት ብምምሃዝን ፀገማትና ብሃባር ብምእላይ መንባብሮ ህዝብና ምቕያር ንኽእለሉ እዋናዊ ዛዕባ ምፍጣር ብባዕሉ ዓብይ ዐወት እዩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮሚሽን ዶባት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምውልዋል ከተግብሮ ከምዝወሰነ ምስ ሰምዑ፡ ተሓጒሶም ብእልልታ ዶርጊህዎ ዜጋታት ክሊትኦም ሃገራት ቑፅሮም ቀሊል ከምዘየነበረ ርዱእ ምግባር ተኻኢሉ። እቲ ዕርቂ ንርብሐ ክሊቲኡ ህዝቢ ካብዘለዎ ዕዙዝ ጠቕሚ ተላዕሎም ድህሪ ሀዚ ክልቲኡ ህዝቢ ብዕሊ ክራኸብ ንክሪኡ ዝሃፀፁ ዜጋታት እውን ብዙሃት እዮም፡፡ ብጥቕልሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰሉስ 5 ሰነ ንትግባረ ስምምዕ ስላም ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ክትግብር ሙኻኑ ምስገለጸ፡ ብዙሓት ደሃይ ሰላምን ዕርቅን ክሰምዑ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን አሐጒሱ እዩ።

ምናልባት ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ክማላእ ኣሎዎ ዝብሉዎ ነገር ይህሉ ይኸውን፤ ብሃፈሹ ግን ካብ ኩናትን ምስህሃብን ዝርባህ ሃገርን ህዝብን  ከምዘይለ ብምህሳብ እቱ ውድብ ኢህወደግን መንግስቲ ኢትዮጵያን ወሲደምዎ ዘለዎ ኢኒሸቲቨ ናብ ቀፃላይ ብርኪ ብምስግጋር ብወገን መንግሥቲ ኤርትራወን ክቕበልዎ እዮም ዝብል ትጽቢት አብ ምሉእ ማህበረሰብ ዐለም ክጋዋህ ዝቀነየ ሃበሬታ ምኳኑ ርዱእ እዩ።