Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

አብ  እዋን ፍቕሪ፤ ንምንታይ መጥቃዕቲ

0 624

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

አብ  እዋን ፍቕሪ፤ ንምንታይ መጥቃዕቲ

ብፍቕረሰላም

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፣ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሰልፊ ድጋፍ መጥቃዕቲ ቦምባ ኢድ ከምዝተፈፀመ ይዝከር። ኣብቲ ንቐዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ናይ ድጋፍ ሰልፊን ፤ አብ እዋን ፍቅርን ምትህልላይን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ንምንታይ ከምዝተገብረ ውፅኢት ምርመራ ፖሊስ ዝህቦ ሐበሬታ ብሃንቀውታ ዝፅበ ማህበረሰብ ብቑፅሪ ብዝህ ዝበለ ይኹን ድአምበር እቱ ዝተገብረ ከይዲ ግን ማህበረሰብ ፍቕርን ምትህልላይን ብህርቃን ክኹኑኖ ተሰሚኡ፡፡

ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አህመድ  ዘረባ ኣስሚዖም ምስወድኡ’ዩ ድምፂ ምፍንጃር ነታጒ ቦምባ ኢድ ዝተሰምዐ፡፡ መላእ ህዝቢ አጆኹም ፍቕሪ አይሽነፍን ዝብል ጭረሖ እንዳስምዑ ህዝቢ ንክረጋጋዕ ዝግበርዎ ዝነበረ ፃእሪ ዘገርምን ዘኸሐብንን ክኸውን ከሎ ፤ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ አህመድ  ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ፤ እቲ መጥቃዕቲ “ኢትዮጵያውያን ፍቕሪ ክዘንብ ኣብ ዝገበሩሉ መዓልቲ፡ ሰላም እታ ሃገር ዘይደልዩ ኣካላት ብዝተፀንዐን ብዝተሓሰበሉን መገዲ ሞይኦም ተጠቒሞም ህይወት ሰባት ንምጥፋእን ደም ንምፍሳስን ዝለዓለ ፃዕሪ ገይሮም ” ክብሉ ተዛሪቦም እቱ ተግባርወን ኮኒነምዎ ።

ኣባል ኣታሓባባሪት ኮሚቴ ኣይተ ጉደታ ገለልቻ አብዝሃብዎ መግለጺ  “ምስ ፖሊስ ፌደራል፣ ኣዲስ ኣበባን ኦሮሚያን ተዋዲድና እናሰራሕና ነይርና ምስበሉ ። እቲ ዝተፈጠረ መጥቃዕቲ ግን ኣብ ኣካላት ፀጥታ ክፍተት ከምዝነበረ ኣርእዩና” ክብሉ ተዛሪቦም ፡፡ ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ  ጀነራል ዘይኑ ጀማል ብወገኖም ፤ አብቱ እዋን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ኣብቲ ሰልፊ ዝተርኣየ ናይ ሓለዋ (ድሕንነት) ክፍተት ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ድዩ ኣይኮነን? ዝብል ከምዝፃረ ተዛሪቦም።

እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍፀም ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ግርማ ካሳ ንሃገራዊ ቴሌቪሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ “ኣካላት ፅጥታ ብዙሕ ምድላው ገይርና ነይርና፤ ይኹን ዳኣ’ምበር ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኣካላት ድማ ዝለዓለ ምድላው ገይሮም ስለዝፀንሑ ክፍፀም ኪኢሉ” ክብሉ ንመራኸቢ ሐፈሽ ርዕይቶ ሂቦም ፡፡

ድሕር’ቲ መጥቃዕቲ ዘለዉ ሰባት ንምፍላይ ዝግበር ፃዕሪ ይቐጽል ድአምበር ፤ ምስ እቱ ገበን ብዝተሐሐዘ ትሸዓተ ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን ኣዲስ ኣበባን ካብ ስራሕ ከምዝተሰጉ ፤   ኣብቲ ዕለት ካልኦት ሽድሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ምርመራ ክካየደሎም ከምዘሎ ፖሊስ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ከምዚ ዝዓይነቱ ብዓርሰ ተበግሶ ዝካየድ ህዝባዊ ሰልፊ ክሕሰብ ከሎ፡ ነዚ ዘይደልዩ ኣካላት ድማ ነቲ በዓል ንምትእጉጓል ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ንምክልኻል ምድላዉ ምግባር ወሳናይ’ዩ ፡፡ ኣዳለውቲ ንፀጥታ ብዝምልከት ብዝድለ መጠን ተዋዲዶም ዝኣተዉ ኣይመስሉን  ኢሎም ርእይቶ ዝህቡ ዜጋታት ቑጽሮም ቀሊል አይኮነን ። እቱ ገበን ዕዉት ገበን ክኸውን ተዝኽእል ነይሩ አብታሃገር ከህድሮ ዝኸእል አሉታዊ ጽልዋ ብቓላት ንምግላጽ ከቢድዩ ፡፡ ናይታ ሃገር ሰላምን ምርግጋዕን ዘይደልዩ ሐይልታት ዝገበርዎ ዘይዕዉትን መሰሪን ጻእሪ ውጉዝ – ከመአርዮስ ተባሂሉ ተኾኒኑ እዩ ፡፡

እቲ መስርሕ ምርመራ ብናይ ደገ ክኢላታት ምስ ኤፍ ቢ አይ ምርመራ እነዳተሐገዘ   ይካየድ ምህላዉ ዝተዛረቡ ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ጀነራል ዘይኑ፡ ንሶም ካብ ዝመርሕዎ ኮሚሽን ፣ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ከምኡ’ውን ካብ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ዝተውፃፅኡን በቲ ሞያ ዝለዓለ ተሞክሮ ዘለዎምን ሰብ-ሞያ ይሳተፉ ምህላዎም ኣረዲኦም ። ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡን  ምርመራ ይካየደሎም ዘለዉ ተጠርጠርቲ’ውን 28 በፂሖም” ኢሎም ።

ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አህመድ  አብ እዋን ምድማር ዘለና ህዝብታት ድአምበር አብምፍልላይን አብ ብህታዊነትን ምስራህ ዘመናዊነት አይኮነን ክብሉ ኸለዉ ፤ ህዝባዊ ሐድነት ብምርጓድ ፤ ምክእአልን ሐድነትን ብምሰፋህ ባህሊ ይቅርታ ዕለታዊ ሥራህትና ጌረና ብምውሳድ እታ ብድኽነትን ብድርቂን ምስላ ዝተበላሸወ ሃገርና ንክሕሰሉ እዋን ሀዚ ምኳኑ ርዱእ ብምግባር ብሐባር ምስራህ ወሳናይ እዩ ፡፡ እቱ አብ ጅግጅጋ ፤ ጎንደር ፤ ደብረማርቆስ ፤ ደሴ ፤ ኮምቦቻ ፤  ንምምስጋን ቀዳማይ ሚኒስትርን ድጋፍ ንምሃብን ዝተገብረ ሰልፊ ፍሉይ ህዝባዊ ምትህልላይ ዝተረአየሉ ድጋፍ ሰልፊእዩ ፡፡

ብፍላይ አብ ጅግጅጋ ዝተገብረ ድጋፍን መዐልቲ ምምስጋን ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ፤ ነቱ ዝተጀመረ ለውጢ ንዘይድግፉ አካላት ዘህለፎ ፍሉይ መልእኽቲ ከምዝነበረ የረድእ ፡፡ ቅድም ኢሎም ብዝነዝህዎ ቅቡል ዘይኮነ ርዕይቶ ናይ ኦሮሞ ቀዳማይ ሚኒስትር ተመሪጹልኩም አሎ እንዳበሉ ብዝፈጠርዎ ናይ ምፍልላይን ሐድነት ዘይምጽእ ምስልን ግቡእ ከምዘይኮነ ዘረደአ ናይምስጋና ዕለት ነይሩ ፡፡ ናይቱ ክልል ህዝቢ እቱ ተራቢሁ ዝነበረ ብዥታ ዘጽረየሉን ናይቱ ለውጢ አካል ምኳኑ ዘበሰረሉ ማዐልቲ ነይሩ ምባል እውን ይክአል ፡፡

ብሃፈሽኡ፤ አብቱ ናይምድማር ዕለት ዝተረኸበ ህዝቢ ካብ ርሑቕ እንተይተረፈ ብምኽታትን ቲሸርት ብምግዛእን ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ዘካየዶ ናይደገፍን መአልቲ ምስጋናን አብታሪኽ ኢትዮጵያ ፍሉይ ምዕራፍ ዝኸፈተ መስተንክራዊ ሥርሂትዩ ፡፡

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy