Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ዑደት ቐዳማይ ሚኒስትር፤

0 316

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ዑደት ዳማይ ሚኒስትር፤

ረብሃ ዐዲ ንምጥንኻር፤

                                               ብማህደር ተከዘ፤

ክቡር ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶክተር) ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናብዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ካብ ዘካይዶም  ምብጻሓትን ህዝባዊ ዘተታትን ክህሰብ ከሎ አብሞንጎ ህዝብታት ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ናይቱ ህዝቢ ዐቕሚውን ናብ ልምዐት ገፅ ነኽምለሥ ብምግባር ዕድል ዝፈጠረ ሰናይ ሥራህ ምኳኑን ህዝባዊ ምልዕዐልን ከምዝፈጠርን ብግቡእ ይግለጽ አሎ፡፡ እቱ ተረኺቡ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ  ዐወትውን ናይ ግንቦት 20 ዐወት ነፀብራቕ እዩ ፡፡ እቶም ብዝተፈላለየ ገበናት ተኸሲሶም አብቀይዲ ውዒሎም ዝነበሩ ዜጋታት ክሶም ዝተቋረፀሉን ብምህረት ክፍትሁ ዝክአሉሉ ጉዳይ እውን አካል ዐወት ግንቦት 20 ምኳኑ ምርድአ የድሊ፡፡

ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ጅቡትን ሱዳንን ኬኒያን ብምዝውዋርን ዕላዊ ዑደት ብምግባርን  ዝተፈላለዩ ስምምዓት ከካይድ ከሎውን ካብ ዐወት ግንቦት 20 ተፈሊዩ ክርአ ዝግብኦ መደብ ክኸውን አይክእልን፡፡  ንአብነት ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝነበሮ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ኢንቨስት ክትገብር ሕቶ ብምቕራብ ካብ ጎራብቲ ሃገራት ናብ ዝዓበየ ብርክን ምዕባለን ከብጽሖ ከምዝኽአለ ዐለም ለኸ መራኸቢ ሀፋሻት በብእዋኑ ክፅብጽብኦ ዝቐነያሉ ኹነታት ተራእዩ ነይሩ።

ንአብነት ብዓለም ለኸ ደረጃ አብይ አፍልጦ ዘለዎ ኒውዮርክ ታይምስ ዝተብሃለ መራኸቢ ሐፋሽ ከምዝፀብፀቦ ክቡር ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) ኢትዮጵ ምስጎረባብቲ ሃገራት ትገብሮ ዘላ  ዲፕሎማሲዊ ርክብ ፤ ምስተን ጎራብቲ ሃገራት ማህበረቑጠባዊ ምትእስሳር ንምፍጣር ዘለዎ አበርክቶ ዐብይ ካብምኳኑ ንላዕሊ እቱ ናይ ወደብ አገልግሎት ድልየታ ንምርዋይ ዘኽእልን፤ ብሱል ዲፕሎማሲያዊ ስጉምቲ ተደሪኹ  ዝተሰርሀ ዐብይን እዋናዊን ሥራህ እዩ ክብል ፀብፂቡ አሎ ፡፡

እቱ ዓለምለኻዊ ትህዝቶ ዘለዎ ጋዜጣ ኒውርክ ታይምስ ከምዝሃበሮ ብፍላይ ናይ ጅቡቲ ወደብ ብምምዕባል ናይ ክልትኤን ሃገራት ሃበራዊ ጥቕሚ ንምኽባር ዐብይ አበርክቶ አለዎ ፡፡ ከም ሃበሬታ እተን አለም ለኸን አህጉራዊን መራኸቢ  ሓፋሻት፤ ሃገራት ቀርኒ አፍሪካ ክህሰባ ከለዋ ኢትዮጵ ብወገን ጅቡቲ እወንታዊ ምላሽ ረኺባ እያ ። ሱዳን’ዉን ምስ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ዝምድና ክትፈጥርን ካልኦት ምትሕብብራትን ከጠናኽራን አብስምምዕነት በጺሃላ፤ ብወገን ኬንያውን  500 KV ሃይሊ ኤሌክትሪክ ንክትረክብ አብስምምዕነት ምብጽሖም ማዕከላት ዜና ፍልፍል እንዳጠቐሳ ሀበሬታታት ክፍንዋ ከለዋ እቱ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዐወት ግንቦት 20 ዝትዐጀበ ዐብይ ሥራህ እዩ ፡፡

እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ተሰማሚዑሎም ዘሎ ሃበራዊ ሥምምዕነትን ኣብዘን ሃገራት ዝተካየደ  ዑደት ኣፍሪቃዊ ምትሕብባር ቑጠባን ፖለቲካን ዘዕቢ’ዩ ክብሉ ምሁራት ቁጠባን ፖለቲካን ሃበሬታ ክህቡ ከለዉ እዚ ዐወት እዚ ካብ ዐወት ግንቦት ዕሥራ ፈሊኻ ዘይውሰድ ዐወት ምኳኑውን ምርዳእ ይግባእ ፡፡ ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ንሰለስቲኤን ሃገራት (ጅቡቲ፣ ኬኒያን ሱዳንን) እተማእኽል ብምዃና ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ነገር ኩሉ ብኣወንታን ኣሉታን ዝጸልወ እንትኾን፡ ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ንሰለስቲኤን ሃገራት ወሳኒ’ዩ ፡፡ ቁጠባዊ ፤ ፖለቲካዊን ዲፐሎማያዊን ራብህኡውን ኡዝዝዩ ተባሂሉ አሎ ፡፡

ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ነንሕድሕደን ዘሎ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ዉሑድ ምዃኑ ይፍለጥ። ኢትዮጵያ ድማ ንንግዲ ዝኾና ናይ ወደብ ኣማረጺታት እናደለየት እያ ። ቅድም ክብል ልምዓት ኮሪደር ላሙ ኣብ ሞንጎ ደቡብ ሱዳን ፣ ኬኒያን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝዝከር’ዩ ። እዚ ተግባራዊ  እንተድኣ ኾይኑ፡ ዝለዓለ ቑጠባዊ ረብሓ ዘለዎን ንምዕባለ ርክብ ቀርኒ አፍሪካ አብይ ጸጋታት ዝጠልብ ከይዲ ካብምኳኑ ንላዕሊ ብግሎባል ደረጃ ንዘጋጥም ንህንህ ንግዲ ተዓዋታይ ኮይነን ንምውፃእውን ወሳናይ መደብ እዩ፡፡

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ’ዉን ነፍሲ ወከፍ ሃገራት እቲ ቐጠና ምስ ህዝበን ዝተኣሳሰረ ርክብ ዘለዎ’ዩ እንክብሃል ከሎ ብፍላይ እቱ ቁጠባዊ ረብህአን ናብ ዝሃሸ ደረጃ ንምብፃህ እቱ ዶባዊን ናይ ወደብ ምትእስሳረን ንሃበራዊ ምዕባለ እተን ሃገራት ፍሉይን ዕዙዝን ግደ ሥለዘለዎ እዩ ፡፡ ሕዚ’ዉን ስግኣታት ሰላምን ደሕንነትን ዘጋጠምሉ ኩነታት ክህሊ ከምዝኽእል ክህሰብ ከሎ ናይተን ሃገራት ቐርኒ አፍሪካ ብዕሊ ምትእስሳር ፍሉይ ረብሃ ከምዘምፅእን ፅቡቕ ፀጋታት ከምዘሥዕብን ተጽቢት ይግበር ፡፡ መንግስታት እዘን ሃገራት ብዙሕ ግዜ ብሓደ ክሰርሑ ምርኣይ ኩለመዳያዊ ርክብ ንምጥንኻር ዓብዪ እጃም ከምዝክእልውን ይእመን ። ነዚ ድማ ውላድ ግንቦት 20 ዝኾነ ጠ/ሚኒስተር ዝገበሮ ዑደት ወሳናይ ነይሩ ፡፡

ጉዳይን ርክብን ቐርኒ አፍሪካ  ተስፋ ዝህብ ይኹን እምበር ህሓሊፉ ድም  ሓደሽቲ ዘስግኡ ዝበሃሉ ነገራት አየጋጥሙን  አይብሃልንሞ ፤ ብህብረት ቐርኒ አፍሪካዊ ምህዝነት ምንቅስቃስ እዋናዊ ዛዕባ እዩ ፡፡  ንአብነት አብ ዝሃለፉ አዋርህ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ጎንጺ ተመዛቢሎም ናብ ኬኒያ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውን  አብ ክፉእ ሃደጋ እንተይበጽሁ፤ ናብ መረበቶም ንምምላስ ብወገን ኬንያን ኢትዮጵያን ዝተገበረ ከባባያዊ ህብረትን ምትእስሳርን ክጠናኸር ዝግብኦ ተመክሮ እዩ። ነዚኦም ደሚርካ ዶብ ተሳገርቲ  ጸገማት’ዉን ስለዘለዉ ኣብዚኦም ዘቲኻ ረብሓ ዜጋታትካ ንምሕላዉ ዘኽእል ክልላዊ ሥምምዕነት ንምፍጣር ብጠቅላይ ሚኒሥትር አብይ አህመድ ዝተገበረ ዑደት ንርክብ እተን ሃገራት አብይ እጃም አለዎ፡፡

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy