Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ዲፕሎማሲያዊ ዐወታት ንቑጠባዊ ረብሃ ሃገር፤                                                                            

0 437

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ዲፕሎማሲያዊ ዐወታት ንቑጠባዊ ረብሃ ሃገር፤                                                                            

                                       ብማህደር ተከዘ፤

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ እነሆ ክልተ አዋርህ ኮይንዎ’ሎ ፡፡ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ዘምጽኦም ምምሕያሻት ብዝምልከት ኣብ ቤት ማእሰርታት ሱዳን ፣ ኬንያ ከምኡ’ዉን ስዑዲ ዓረብ ዝነበሩ  ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያዉያን ክፍትሑ ገይሩ’ዩ፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ድማ አብ ዓድታት ቀርኒ አፍሪካ ዝገበሮ ዕላዊ ዑደት ንማህበራዊን ቁጠባዊን ዕብየት እታ ሃገር ክህልዎ ዝኽእል አዎንታዊ ተዋፅኦን ረብሃን ዐብይ ክብሃል ዝኽእል ሥርሂት’ዩ።

እቱ እሱራት ናይ ምፍታህን ክሲ ምቁራፅን  ብሃገር ደረጃ ካብዘለዎ ዓብይ ረብሃ ንላዕሊ አብ መዳይ ፖለቲካን ዲፐሎማሲያዊ ዐወትን  ዘለዎ ረብሃውን ካብቱዝእመት ንላዕሊ እዩ ፡፡ እቱ ዝውሰድ ዘሎ ፖለቲካዊ ስጉምቲታትውን ኣብ’ታ ሃገር ዝተፈላለዩ ለውጥታት ከምዝመጽኡ’ዉን  ትፅቢት ይግበር ።

ሀዚውን እቱ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) መብጽዓታቱ  እውን ዝግበር ዘሎ ብካሊእ መንገዲ እንተይኮነስ ብሕጋዊ መንገዲ ወይ ከኣ ትካላዊ ተሓድሶ ተግባራዊ ምግባር ስለዝተኽአለ እዩ ፡፡ ግዳስ እቱ ትካላዊ ተሃድሶ ካብዚ ንላዕሊን ዝሃሸ ዐወታት ንክመዝግብ ህዝባዊ ተሳትፎ ክዓቢ ከምዝግብኦ ይእመን ፡፡ እቱ ብዲፕሎማሲ ብረኪ ዝርከብ ዘሎ ዐወትውን ናብ ዝሃሸ ዲፐሎማሲያዊን ማህበረቁጠባዊን ዓወት አራጊድካ ንምምራሽ ፍሉይ አተኩሮት ሂብካ ምንቅስቓስ የድሊ ፡፡

እቱ ዝውሰድ ዘሎ  ስጉምቲታት ካብ ዝጠለቦ ዲፕሎማሲያዊን ፖለቲካዊን ዓወታት ንላዕሊ ፤ ከም ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝአመሰሉ ተሓላቕቲ እንተይተረፉ ዐብይ ቅቡልነት ስለዝተረኸበ፤ እቱ ኹነታት ከም ካልአዋይ ዲፐሎማሲያዊ ዐወት ጌርክ ምውሳድ ይክአል፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ጉዕዞ ሰብኣዊ መሰላት ብዙህ ዘነሃንህ ጉዳያት ዝሃዘ መዳይ ተኾነ’ኳ፤ ነዚ ንምትዕርራይ ግና ካብ’ቲ ዝተኣተወ መብጽዓን ህዝቢ ዘለዎ ምልዕዓልን መበገሲ ጌረካ ክግምገም ከሎ ጽቡቕ ኣጀማምራ’ዩ ሞ  ካብዚ ብዝሃሸ መንገዲ ምቕፃል ተተኻኢሉ ብስብአዊ መሰላት አታሃላልዋ አብ እታ ሃገር ዝጋዋህ ዝነበረ ምፅላም ክምሃየሽ ከምዝኽእል እቱ ዝረአ ዘሎ ፈላማይ ኩነታት ምልክታት ምሃብ ጀሚሩ’ሎ ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ  ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝኣትዎም ዘሎ መብጸዕዓታት ብኣወንታን ኣሉታን ንብዙሓት የዘራርቡ ዘለዉ ጉዳያት ይኹኑምበር ፤ እቱ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ንፋስ ንድህሪት ክመለስ ዝኽእለሉ ኹነታት ከምዘይለ አርጊፅካ ምዝራብ ይክአል’ዩ፡፡ ህዝቢ ምስ ህዝብን ሃገር ምስ ሃገር ብስሩዕ መንገዲ ንክራኸባ ዝግበር ዘሎ ጻዕርውን ናብ ዝሃሸ ሃገራዊ ረብሐ ንምቕያር ዘሎ ተበግሶ ከምዓብይ ፀጋታት ከንወስዶ ይግባእ፡፡

ከም ሃደ ሃደ አባሃህላ ፖለቲካዊ ተንተንቲ ቀርኒ አፍሪካ፤ እቶም ሀዚ ዝስርሁ ዘለዉ መደባት ፖለቲካዊ ዕርቂ  ይበል ክብሃሉ ዝግበኦምን ካብዚ ንላዕሊ ድማ ክስርሀሎም ዝግብአ መደባት እዮም ፣ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ምልዓል ዝተወስደ ስጉምቲ እውን መልክዕ ናይ እታ ሃገር ናብ ዝሃሸ መንገዲ ንምምፃእ አብይ ግደን አበርክቶን  አለዎ ይብሉ፡፡ እቱ ሀዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ሥነ- ምህዳር ከይሰፍሕ ዝገብሩ ዕንቀፋታት ብምእላይን ናብ ተግባር ዝኣትወሉ ግዜ ምኳኑ ርዱእ ምግባር የድሊ፡፡

እቶም አብ ቐዲ ዝነበሩ ዉልቀ ሰባትውን ዘብ እታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ከምፀጋታት ወሲዶምን ንተግባራዊነቱ ድማ ናይ ሃባር መንቅስቓስ ብምግባር  ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ቑጠባዉን ፖለቲካዉን ጉዳያት ክዋስኡ ይግባእ፡፡

ከም አባላት ተናሃናህቲ ውድባት ናይ ሃሳብ ፍልልይ ይሃለዎም ድአንበር እቱ ናይ ሃሳብ ፍልልይ ከም ዲሞክራሲያዊ ረብሃ ሃገርና ጌርክ ብምውሳድ ናብ ዝሃሸ  ብርኪ ብሃባር ናይምስጋር ሥልጡን መንገዲ ብምእታው ፍሉይ ሃገራዊ ዐወት ዝመዝገበሉ ኩነታት እነዳፈጠርካ ምኻድ የድሊእዩ ፡፡

ኢህወደግ ከም ሰልፊ መትከሉ የመሓይሽ’ዩ ዘሎ ምባል ከምዝክአልን ገሊኦም መሓዙት ዉድባት እውን እቱ ሀዚ ተረኺቡ ዘሎ ዐወት ናይሃባር ዐወት ምኳኑ ብምውሳድ እቱ ዝነበረ ሃበራዊን ውድባዊ ምህዝነት እነዳራጎድካ ምፍላም ንጽባህ ዘይብሃል ዕዮ ገዛ እዩ ፡፡ ብፍላይ ድማ ቅድም ክብል ዝነበረና ኣካይዳ ልክዕ ኣይኾነን ዝብል መትከል ሂዝካ ናብ ዝሃሸን ዝሰልጠነን መንገዲ ምእታው ምኽአል ናይ እቱ ውድብ ጥንኩር አካይዳ ሀዝውን ከምዘሎ የረጋግፅ።

ከምዚ ዝዓነቱ ፖለቲካዊ ባህሊ ድማ ነቱ ዝመፅእ ዘሎ ሀዱሽ ወለዶ ክሰጋገር ዝኽእለሉ መዳይ ምፍጣር የድሊ፡፡ እዚ ንምግባር ድማ እቱ ሀዚ ተረኺቡ ዘሎ ዲፐሎማሲዊ ማህበረቁጠባዊን ፖለቲካዊ ዓወት ብኸመይ መንገዲ ከምትረኸበን ናብ ዝሃሸ ረብሃ ዐዲ ንምስግጋር ድማ ሜላ እናዳማሃዝካ ናይ አመለኻኻክታ ለውጢ ንምፍጣር ዘየተሃለለ ፃዕሪ ምግባር ዘኽእሉ መዳያት ክፍጠሩ አለዎም፡፡  

ናይ እቱ ገዛኢ ፓርቲ ርእዮተ ዓለማዊ  ኣካይዳ ኣይተለወጠን፡፡ ኮይኑ ግና ጠቅላይ ሚኒስትር አብይ ብመሰረት ዝኣተዎም ምብጽዓታት ለዉጢ ከምጽእ’ዩ ዝብል ግምት ከምዘለዎም ብዙሃት ፈተውቲ ዓዶምን ፖለቲካዊ ተናሃናህቲን ክዛረቡ ይስማዕ ፡፡ ስለዝኾነ እቱ ተጀሚሩ ዘሎ ለውጢ ሃበራዊ ለውጢ ንምግባርን እቱ ሀዚ ዐሲሉ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን ከይጭወ ናይሃሳብ ፍልልይ ናፖለቲካዊ ባህልና ይኹን፡፡

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy