Tigrigna

ዲፕሎማሲያዊ ዐወት ዑደት ኡጋንዳ

By Admin

June 19, 2018

ዲፕሎማሲያዊ ዐወት ዑደት ኡጋንዳ

                                   ብማህደር ተከዘ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) ኣብ ዑጋንዳ ዝገበርዎ ዑደት ኢትዮጵ አብ ጉዳያት ደቡብ ሱዳን ዝነበራ ልዑል ፖሊቲካዊን ዲፐሎማሲያዊን እጃም፤ ዑጋንዳ አብ ዲፐሎማሲያዊ ንህንህ ዝአይነቱ ከይዲ ተኸቲላ ንውህድ እዋናት እቱ ኢትዮፕያ ሂዛቶ ዝነበት ዲፐሎማሲዊ ልዑላዊነት ናይምምንዛዕ ኹነታታት ተፈጢሩ ነይሩ ክብሃል ይክአል፡፡ ይኹን ድአምበር አብክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ህወነታዊ ርክብ ናብ ንቡር ኹነታታት ንምምላስ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር አብ አህመድ ዝገበርዎ ናይ ዑጋንዳ ዑደት ዐብይ ዲፕሎማሲያዊ ዐወት እዩ ፡፡  

ብተመሳሳሊ ኹነታት፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) ኣብ  ግብጺ ኣብ ዝነበሮም ዑደት ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፡ እቱ አብክልቲአን ሃገራት ዝነበረን እድሙ ንውህ ዝበለ ናይምጥርጣር መንፈስ ክቅንስ ናብ ዘኽእል ብርክታት ክወርድ ከምዝኽአለ ሃበሬታት ዕላዊ ገይሮም እዮም ፡፡ እቱ ዝነበረ ናይ ጥርጣረ መንፍስውን አብምትእምማንን ህብረትን መሰረት ምትሃዝ ዘኽእል ምኽሪ ተገይሩ ፡፡ ብፍላይ አብ ምስራቅ አፍሪካ ዕብይን ዕዝዝ ዝበለ ተሰማዒነት ዘለዋ ሃገር ግብፂ ፍሉይን ዝተራጎደ ጉርብትና  ንምፍጣር ዝተገብረ ፃዕሪውን እውት ከይዲ ከምዝነበረ እቶም ሃበሬታታት ሥፍህ ዝበለ ሽፋን ሂበምሉ ፡፡ ብዐብዩ ናይ ጠቅላይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ዕላዊ ዑደት ንሃገርናን ንምስራቅ አፍሪካን ብአብዩ ድማ ንአህጉርና ጽባቐ ምስሊ ንምህናጽ አብይ ረብሃ ከምዝህልዎ እሙንዩ ፡፡ ዝሃሸ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምጻእውን እጃሙ ዕብይ ዝበለ ምኳኑ ርዱዩ ፡፡

እቱ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ናይ ግብጺ ዑደት ተኸቲሉ  ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ 32 ኢትዮጵያዉያን ክህሰብ ከሎ ኢትዮጵያ እንዳፈጠረቶ ዝመጸት ፍትሃዊን ዲፐሎማሲያዊን ርክባት ዕውት ምኳኑ የረድእ ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ በረኻታት ሊቢያ ብኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ብግፍዒ ናይ ዝተቐተሉ ኢትዮጵያዉያን ኣስክሬን ኣብ ምእላሽ ግብጺ ከምእትሕግዝ ቃል ምእታያ እቱ ዲፐሎማሲዊ ርክባት እንዳተራጎደ ምምጽኡ ዐብይ ምልክት እዩ ።

እቱ  ናብ ግብጺ ዘምረሐ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ  ልዕል ኢሉ ካብዝተዘርዘረ ነጥብታት ምይይጥ ንላእሊ ፤ አብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዘተየ ኾይኑ፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዙርያ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ምልማዕ ክልቲኤን ሃገራት ብዘኽበረ መልክዑ ብሓድሽ መንፈስ ብሓባር ክሰርሓውን ተሰማሚዖም ። ካብዚ ሓሊፉ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ መደባት ልምዓት ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእውን ተዛትዮም።

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዉጽኢታዊ ክልትኣዉን ኣህጉራዉን ዘተ ምስካየዱ ክልቲኦም መራሕቲ ርክብ እዘን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ብርኪ ምሕዝነት ንምብጻሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ እዩናይ አህጉራዊን ሃገራዊን መራኸቢ ሐፋሻት ክፅብጽባ ዝቐነያ፡፡

ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ናይ ግብፂ ዑደት ብፍላይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ምልማዕ ንግብፂ ከቖጠአ ይኽእልዩ ንዝብሉ ሃደ ሃደ ሰባትን ተቋማትን ጥሉል መልሲ ዝሃበን ንክልቲኦም ህዝብታት ረብሃን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምሩጓድ  ዐብይ እጃም ከምዘለዎ ምግማት ይክአልዩ ፡፡

ብፍላይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝግበር ርክባት ዋላኳ ቅድምሀዚ ብጅምር ብርኪ ዝተጀመረ ዝኾነ ምንቅስቃሳት ይሃሊምበር እቱ ርክብ ናብ ዝሃሸ ህዝባዊ ርክባት ብምምዕባል ቀፃላይ ሥራህቲ ምስራህ የድሊ እዩ ፡፡

ታሪካዊ ርክባት ግብፅን ኢጵዮጵያን ዋላኳ ብላዕለዋይን ታህተዋይን ሩባ አባይ አቢሉ ንዘመናት ዝጸንሀ ርክብ ይሃለው ድአመበር እቱ ክረኽብኦ ዝግባእ ማህበረቑጠባዊን ዲፐሎማሲያዊ ርክባት ብምምዕባል ብርኪ ክጠልብኦ ዝግባእ ጥቕምታት ከምዘይጠለባ ርዱዩ ፡፡ በዚአቢሉ ቅድም ክብል ተጀሚሮም ዝነበሩ ህዝባዊ ርክባት ብምረጓድን ሃደሽቲ ሥምምዕነታታት ብምህንጻጽን ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ማህበረቑጠባዊ ክስቢ ንምርካብ ብመራህቲ ብርኪ እቱዝተጀመረ ዲፕሎማሲያዊ ምትህብባርን ርክብን ናብ ዝሃሸ ርክብ ብምስግጋር ታሪኽ ክጠልቦ ዝኽእል ሥራህቲ ምስራህ ግዱስዩ ፡፡