Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድን ዘተ ሰላምን

0 403

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድን ዘተ ሰላምን

                                              ብፍቕረሰላም

ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ አብ ኤርትራ ዝገበሮ ዕላዊ ዑደት ህዝቢ ምስህዝቢ  ዝነበረ ታሪኻዊ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ዘበርከቶ ተዋፅኦ ብቐሊል ክረአ አይክአእልን፤ አብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምስህሐብ ዶብ አቢሉ ዝተወለዐ ኵናት ምኸንያት ብምግባር ዘጥፈኦ ሂወትን ዝዐነወ ናውቲን ቀሊል አይነበርን፡፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ አብኤርትራ ዘካየዶ  ዕላዊ ዑደት ተኸቲሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶ ወግዓዊ ዑደትውን አብተጀሚሩ ዘሎ ምርጓድ መንገዲ ሰላም ክህልዎ ዝኸእል እጃም ገፊህዩ ፡፡ አብ መዳይ መነባብሮ አብ ዶብ ክልትኤን ሐገራት ዝፈጥሮ ዘሎ ምረግጋዕን ሀዋህው ሰላምንውን አስፊሕካ ምሰስትውዓል ይግባእ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ  ኣብ እዋን ዕላዊ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኤምባሲ ኤርትራ ብዕሊ ተኸፊቱ ምርአይ ብባዕሉ እቱ ንቡር ሰላምን ምርግጋዕን ካብኡ ሐሊፉ ድማ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዘቢ ናብ ዝዐበየ ብርኪ ንምስግጋር እቱ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ መንገዲ ሰላም አብምስሳን ዘለዎ አበርክቶ ምህብሃብ የድሊ ፡፡

አብ ሞነጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብመንቀል ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ አቢሉ ብዝትወሰደ ኢኒሸቲቨን ተበግሶን አቢሉ ድሕሪ 20 ዓመት ዝግበር ዘሎ  ክልቲኣዊ ዘተን ስምምዕን ሰላምን ምሕዝነትን ህዝቢ ምስህዝቢ ብምፍጣር ዘለዎ አበርክቶውነ ዝልአም አይኮነን ፡፡ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ እንታይ ውሕስነት ዘለዎ እንተተባህሉ ውህስነቱ ካልእ እንተይኮነ ውህስነቱ ውህስነት ሰላም ውህስነት ምእምማን ህዝቢ ምስ ህዝቢ እዩ ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ምህታታን  ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ድማ ክልቲኤን ሃገራት ንዝጀመርኦ ተበግሶ ሰላምን ምትሕብባርን ተወሳኺ ሰረት ዘንብር’ዩ”። ብሐፈሽኡ ብቐዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ አብ አስመራ ዝተገብረ ዑደትን ብወገን ፕሬዚዳነት ኢሳያስ አፈወርቂ አብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዕላዊ ዑደት ምሕዝነትን ርክብን ክልቲአን ሃገራት ዘጠንክር እዩ ፡፡

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ  እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ልዝብን ስምምዕነት ሰላምን ብዘላቒነት ንክፍታሕ ዘለዎ ልዑል ድልየትን ባህጊን ክገልጽ ይስማዕ ፡፡  ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ዝኣተዉኦ ዶባዊ ኵናት ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ተበቲኹ ዶባተን ዓጽየን ኣብ ቅርሕንትን ዘይምቅድዳዉን ክመዝበፀሓ ይፍለዩ ፡፡  ብፍላይ አብ ዶብ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ዝወረዶ ማህበረ-ቑጠባዊ ዘይምርግጋዕን ህፅረት ሰላምን ዋግኡ ክብድ ዝበለ ሥለዝነበረ እቱ ሀዚ ተረኺቡ ዘሎ መንገዲ ሰላም ብፍላይ  ንህዝቢ ትግራይን አፋርን ዘለዎ ረብሐ ዕብይ ዝበለዩ ።

 

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ ድሕሪ ዘሕለፎ ዉሳነ ምትግባር ዉዕሊ ኣልጀርስን ዉሳነ ኮሚሽን ዶብን ግና ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ 20 ዓመት ንፈለማ’ዉን ብደረጃ መራሕቲ ተራኺበን ሓድሽ ምዕራፍ ምሕዝነት ዝጅምራሉ በሪ ኸፊተን ገግብአን ክዋፅአ ዝጀመረኦ ጻዕሪ ንህውነት ክልቲኡ ህዝቢ ረብህኡ ዐብይ እዩ ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሖ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝሓዙ ስምምዓት ምምሕያሽ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ፣ ምጅማር መጓዓዝያን ምፍቃድ ምንቅስቓስ ሰባትን ካልኦትን ዝርከቡዎም ዉዕላት እዋነዊ ዛዕባ ምኳኑ ብምውሳድ ናብ ካልእን ዝሐሸን ርክብ ህዝቢ ምስህዝቢ ዘለዎ ፍሉይ ረብሐ ክህሰብ ከሎ ዝንአድ ዲፐሎማሲያዊ ስረሂት ተሰሪሁሎ ንምባል ይክአል ።

እዘን ሃገራት ንሰላም ዘርእየኦ ዘለዋ ቑርብነትን ማሕበረ ቑጠባዊ ምትእስሳርን ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ካብ ምሕዳስ ብዝሰገረ፡ ንዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ተስፋ ሰላምን ዉህደትን ሒዙ ክመጽእ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ። ጽቡቕ ገይርካ ምስ ዘይትሕዞ ዕድላት ዝመስሉ ናይ ባዕሎም ሓደጋ ሒዞም ዝመፁ ኣካይዳታት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ብምህሳብ እቶም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሐደጋታት ከከምእዋኑ ምእላይን እተን ዝተረኸባ ጸጋታት አብምምዕባል አትሪርካ ምስራህ የድሊ ፡፡

ከም ቀንዲ ጠንቂ  ናይቱ ፀገም ክውሰድ እንተኾይኑ እቱ ጸገም ህፅረት ሥልጡን አተሐሳስባ እምበር ካልእ ክኸውን አይክእልን ፡፡  ን20 ዓመታት ዝዘለቐ ጸገማት ሙሉእ ብሙሉእ አብሀደ እዋን አላኢምካ ፍታህ ክረክብ ተባሂሉ ትጽቢት አይግበርን ፡፡  አብሀደ እዋን ዝትፈጠረ ፀገማት ክህሰብ ከሎ በኡ አቢልካ ሕነ ክትፈዲ እናደለኻ ግና ሰላም ክተረጋግጽ ከምዘይትኽእል ክፍለት ይግባእ ።

እቲ ዝነዉሐ ዶብ ኤርትራን፡ ዝኸፍአ ኵናት ተኻይዱዎ ዝያዳ ኣካታዒ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ጉዳይ ክኣ ምስ ክልል ትግራይን ዓፋርን ዝዳወብ’ዩሞ አብ ሞንጎ ህዝብታት ዶብ ዝልዐለ ሥራህቲ ሰሪህኻ ህዝቢ ምስህዝቢ ምርኻብ ንፅባህ ዘይብሀል ዕዮ ገዛ እዩ ። እቲ ናይ ዶብ ምፍጣጥ ክሃድእ እንተኾይኑ ግና ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ህዝብታትን ምምሕዳራትን ስኒት ክፈጥሩ ኣለዎም ። እዚ ስኒት ብኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ድዩ ክመጽእ ወይስ ካብ ታሕቲ’ዩ ዝቦቁል መስርሕ ኢልካ ህቶ እንተቕሪብካ  መልሱ ግልፅን ግልጽን እዩ ። ህዝቢ ክሳተፈሉ ዝግባእ ሀዋህው ሰላምዩ ፡፡ ብፍላይ ህዝቢ ዝተፀንበረሉ ልዝብን ምይይጥን አበ ሃዋህው ሰላም ዘለዎ ንጡፍ ተዋፅኦን ሰረቱን ብርቱዕሞ ብህዝባዊ ተሳትፎ ናብ ግንባር ሰላም ሐቢርና ንስዓብ ፡፡

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy