Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ሓደሽቲ ትካላት ልምዓት ካብ ምህናጽ ዝተጀመሩ ምዝዛም

0 574

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ሓደሽቲ ትካላት ልምዓት ካብ ምህናጽ ዝተጀመሩ ምዝዛም

                                                        ብፍቕረሰላም

ሐደ ሐደ ኃይልታት እቱ ዝመጸ ለውጢ ንዘይምቕባል ብፍላይ አብ ማህበረ ቑጠባዊ ሀዋህው ዝፈጥርዎ ዘለዉ ዘይምርግጋዕ ዋላ እንኳ እቱ ዝተፈጥረ ለውጢ ጠጠው ናይምባል ዐቕሚ ክልዎ አይኽአል ድአምበር ክፈጥሮ ዝእል ዕንቅፋት አይህሉን አይብሃልን ፡፡  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብዎገኖም ከምዝበልዎ ኣብታ ሃገር ዝመጽእ ዘሎ ለዉጢ ንምትዕንቃፍ ዝፍትኑን ኣብ ዘይሕጋዊ ዝዉዉር ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ ሰባት መንግስቲ ስጉምቲ ከምዝወስድወ ኣጠንቂቁ ።

አብ ሰሙን እዚ  ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ በጀት ኣመት 2011 ኣብ ዘጽደቀሉ  ኣኼባ ተረኺቡ ነቶም ኣባላት መብርሂ እንትህብ ከሎ ሸቐጣሸቐጥ ብምህባእን ብምስውራን እቱ  ዘይህጋዊ ገንዘብ ብምዝውዋርን ጸገም ብምፍጣርን ዝግበር ዘሎ ሕልኸ እቱ ለውጢ ናብዝዐበየ ወፍሪ  ከሰጋግሮ ይኽእል ድአምበር ንድህሪት ክመልሶ ዘኽእል መንም ዐይነት ነጥብታት ከምዘይህልው ተዛሪቡ እዩ ፡፡  ሕዚ ዝተፈጥረ ለዉጢ ዘይድግፉ ኣካላት ኣለዉ ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዚ ለዉጢ ንምፍራስ ዝስርሑ ስራሕቲ ድማ  ኣለዉ ። መንግስቲ እዞም ጉዳያት ብዝግባእ ዝፈልጦምን ዝዓግቶምን’ዮም” ኢሉ ። ኣብዚ ተግባር ዝሳተፉ ፖለቲከኛታት ነገር እንትሞትን እንትድሕንን ኣይፈልጡን” እዉን ኢሉ።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቀንዲ ናይ ሃገርና ፍልፍል ቑጠባ ዘፈር ሕርሻ ምኳኑ ብዕሊ ክፍለጥ ይግባእ ፡፡ ሃብቲ ነዳዲ ነቱ  ቑጠባዊ ኃይልና ከምደጋፋይ ቑጠባዊ ኃይሊ ድአምበር ከም መሰረታዊ እቶትና ተገይሩ ክውስድ አይግብኦን ፡፡ ብፍላይ መንግስቲ ክእክቦ ዝግባእ እቶት ምእካብ ከምዘይኽኣልና ብዕሊ ክፍለጥ ይግባእ ፡፡ ኣብቲ ዝቕጽል  ኣመት መንግስቲ እቶት ዝእክበሉ ስርዓት ብምዝማንን ሰብሃፍቲ ዜግነታዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ብምግባርን እቶትና ክነዕቢ አጠንኪርና ክንስርህ ይግብአና ፡፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ

ብዘይ  ሕጋዊ መንገዲ ገንዘብ ዘዘዋዉሩን ዝእክቡን ሰባት መንገዶም ዘይህጋዊን  ዘይዋጽእን ምኳኑ ተረዲኦም መንግስቲ አብዝተፈላለዩ መድረኻት ዝገብሮ ዘሎ ጻውኢት ተኸቲሎም ናብ ንቡርን ህጋዊ መንገዲን ተመሊሶም  ተግባራዊ ብምግባር ህጋዊነትን ህጋዊነትን መንገዲ ክኽተሉ ይግባእ ፡፡ ነዚ ጻዉዒት ተኸቲሎም ገንዘቦም ናብ ባንኪ ንዘምጽኡ ሰባት መንግስቲ እቕረታ ከምዝገብርሎም ፡ ካብዚ ወጻእ እንተጋጥም ግና ብርቱዕ ስጉምቲ ከምዝዉሰድ ዝተፈነዎ ሐበሬታ ተግባራዊ ምግባር የድሊ፡፡

ትካላት ልምዓት መንግስቲ ካብ ባንኪታት ዉሽጢ ዓዲ ዝወስደኦ ልቓህ አብእዋኑ ብምምላስ ካብቱ ዝነበረን ፃዕሪ ንላዕሊ ክንቀሳቐሳ ይግባእ ፡፡ ብፍላይ ከምሃሳባት ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ   ሓደሽቲ ትካላት ልምዓት ካብ ምህናጽ ዝተጀመሩ ምዝዛም ከምዝምረጽን ክዛዘሙ ዘይኽኣሉ ትካላት ናብ ብህቲ ክዛወሩ ከምዝግበር ዝገለጽ ሃሳባት አብተግባር ክውዕል ከሎ እቱ ዝተፈጠረ ቁጠባዊ ቁልውላው አብምስትኸካል አብይ እጃምን ግደን  ክህልዎ ከምዘኽእል ምእማን ይግባእ ።

ጠለብ  ኣባይቲ ዝለዓለ’ዩ  ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር  በቲ ዝድለ ናህርን ጽርየትን ይፍጸም ከምዘየሎ ግና ተዛሪቡ ። መንግስቲ ጠለብ  ዜጋታት ሙሉእ ንሙሉእ ከማልእ ኣይኽእልን ። ስለዝኾነ እቲ ናይ ብሕቲ ዓዉዲ እጃሙ ከበርክት ከምዘለዎን ፣ መንግስቲ ድማ ጠለብ ኣባይቲ ዜጋታት ንምምላእ ምስቲ ብሕቲ ብሓባር ከምዝሰርሕ ኣመልኪቱ ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ንባይቶ  ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ሞንጎ ዝቕባበ ዋጋን ናህሪ መነባብሮን ዘሎ ጉዳይ ነጻጺልኻ ክርአ ኣለዎ ኢሉ ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝበሎ እንተኾይኑ፡ ዜጋታት ብማእከላይ 60 ሚኢታዊት ኣታዊኦም ንምግቢ’ዮም ዘዉዕሉ። ኣብዚ መንግስቲ ዘጋጥም ዝቕባበ ዋጋ ምግቢ ንምቁጽጻር ክሰርሕ’ዩ ። መንግስቲ እቶት ዜጋታት ንክዉስኽ ብምስራሕን ኣቅሚ መፍረያይነት ብምዕባይን ዝቕባበ ዋጋ ምግቢ ንምንካይ ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ።

ብመሰረት ፈላማይ ዙርያ ትልሚ ዕብየትን ለዉጥን ኢትዮጵያ 10 ቢሊዮን ዶላር ክትረክብ ትልሚ’ኳ እንተነበራ ክሳብ ሕዚ ክዐዉቶ ዝከኣለት ግና ሓደ መሰለስ ጥራይ  እቱ ትልሚ ዕብየትን ለውጢን ከብዚ ብዝዐበየ ዕዉት ንምግባር ክስራህ ከምዝግብኦን ነቱ አፈጻጻጽማ ፍሉይ አገድሶ ሂብካ ምንቅስቓስ የድሊ ፡፡ ሕዚ ዘሎ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንምፍታሕ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምውሳድ ብፍላይ ዜጋታት  ህጋዊ ካብዘይኮነ መንገዲ ዝውውር ገንዘብ ተአርኒቦም ናብ ንቡርን ህጋዊ መንገዲ ሸርፍን ምእታው ይግብኦም ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪታት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዝርከቡ 29 ሚሊዮን ተምሃሮ ከምዘለውና ይፍለጥ ፡፡  ኢትዮጵያ ንትምህርቲ ዝለዓለ ወጻኢ ከምዝትገብርውን ርዱእዩ ፡፡ ስለዝኾነ እቶም ካብ አብያተ ትካላት ዐበይትን ማዕኸላይን ትካላት ትምህርቲ ዝምረቑ ዜጋታት ምህርታዊነት ብምስሳን ናይባዕሎምን  ናይህዝቦምን መነባብሮ ንምቕያር ዐቕሞም አጸንፊፎም ንክሰርሁ ዐብይ ትጽቢት ይግበር ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ አብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መወዳእታ ዝሃብዎ ሐበሬታ አደሪኸ ጽሁፈይ ክዛዝም ፡  ኣብ ወጻእ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ዘካተተ ንዕብየት ሃገር ዝሕግዝ ዝበሎ ምኽረ ሃሳብ ንቲ ባይቶ ኣቕሪቡ ። ቑጽሪ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝነብሩ 3 ሚሊዮን ክበጽሑ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ካብ ዝግመቱ ኢትዮጵያዉያንን እና ትውልደ ኢትዮጵያዉያንን ብዉሑድ ሓደ ሚሊዮን ኣብ ግምት ብምእታዉ ብቦርድ ዝምራሕን ኣታዉን ወጻእን ዝፈልጥ ትረስት ፈንድ ብምጥያሽ እቲ ዲያስፖራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ዶላር ክልግስ ንሓትት ኢሉ። እሞኸ እዚአስ ትኸብዶ ደቂ ሃገር?

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy