Artcles

መዛዘሚ ኣይ ሠላም ኣይ ኩናት!

By Admin

July 30, 2018

መዛዘሚ ኣይ ሠላም ኣይ ኩናት!

ኪሮስ ፍስሃ

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ድሕሪዲስ ኣዲስ ኣበባን ብለኡኻት ኤርትራን ኢትዮጵያን ደምቐን፡፡ እዚ ተግባር እዚ ድሕሪ ኣስታት 20 ዓመት ብጎረጥ ምርኢኣይ ዝተፈፀመ ኣጋይሽ ሰላም ናይ ምትእንጋድ መድረኽ ስለዝኾነ ክሊቲኦም ህዝብታት ነቲ ሉዑኽ ሕዛ ንዝኸደት  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን አአንጊዶም።

ኣብ መጀመርታ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሉዑኽ ኤርትራ ተቐቢሉ ብምትእንጋድ ዘይርሳዕ ተግባር ሰሪሑ፡፡ ብምቕፃል እውን ህዝቢ ኤርትራ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝልዓለ አቀባብላ ገይሩ፡፡ ልእኽቶ ሰላም ሒዞም ናብ ኤርትራ ንዝኸዱ   ኢትዮጵያ ጋሻታት ብኽብሪ ተቐቢሉ። ነቲ ኡደት ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ዝገበሮ ዑደትን ዘቅረቦ ፃዊዒትን ተኸቲሉ ክቡር ፕሬዚደንት ሃገረ ኤርትራ አቶ ኢሳያስ አፈወርቂ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዱ፡፡

እቲ ኣብ ክሊቲኤን ሃገራት ዝተካኻየደ ዘተ ሰላም ነቶም ህዝብታት   ክልቲኦም ሃገራት ዘምፅኦ ጥቕምታት በቐሊል ዝርአ ኣይኮነን፡፡ ዓቢዪ ተስፋ ህዝብታት ኮይኑ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መፈለምታ ስልጣን ምስሓዘ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ቅልጡፍ ጽገናዊ ለውጥታት ካብ ምክያድ ሓሊፉ ኣብ ቀርኒ አፍሪካ ሰላምን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ንምምጻእን ምጥንካርን ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት ከምዝገብር ከምዘፍለጠን ንዑኡ ተኸቲሉ ድማ ዓበይቲ ዝብሃሉ ተግባራት ከምዝፈፀመ ሪዱእ እዩ።

ድሕሪ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር አብይ ካብዝተሰርሑ ዓበይቲ ስራሓት ማእኸል  ንኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ፍፃመታት ሓዲኡ ክሳብ ሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ እሱራት ዝርከቡዎም  ብርክት ዝበለ ቁፅሪ ዘለዎም እሱራት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ክኢሎም እዮም፡፡

ነቲ ዴሞክራሲ ንምስፋሕን ኩሎም ህዝብታት ሃገርና ናብ ሓደ መፂኦም ንሃገሮም ንክሰረሑን ሃገሮም ኣብዝገበሮ ምልዕዓል እውን  ካልእ ውፂኢት እቲ ሓድሽ ኣመራርሓ ከምዝኾነ ንምርዳእ ኣየፀግምን፡፡

እቲ ሳልሳይ ወሳኒ ተግባር ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገርና ሕላገት መዝገብ ግብረ ሽበራ ተቓወምቲ ውድባት ብሕግን ኣዋጅን ክልዓል ምግባሩ እዩ። እቶም በዚ ደረጃ ተፈሪጆም ዛነበሩ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ነፃ ምስኮነ ናብ ሃገሮም ንከኣተው መንገዲ ተኸፊትሎም እዩ፡፡

እቲ ካልእ ሉዑል ተግባር ከዓ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ኮይኖም ክቃወሙ ዝፀንሑ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ሃገሮም ኣትዮም ብሰላማዊ መገዲ ክቃለሱ ፀዊዒት ብምግባሩ ብዙሓት እውን ነቲ ፃውዒት ተቐቢሎም ዝኣተውሉ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ ኩሉ ሰብ ዝምስክሮ ጉዳይ እዩ።

ከምእውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተንቀሳቒሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ተጓሃሂሩ ዝነበረ ዓሌታዊ ጎንጺ ኣህዲኡን ኣረጋጊኡ፡፡ ናብ ስልጣን ካብክመፂ ጀሚሩ ሰላም ኩሉ ግዜ ፅቡቐ ብስራት ከምዝኾን ንህዝብታት ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ብምምሃር ሰላም ንክዓስል ገይሩ ኣሎ።

ስለዚ እዚ ናይ ዶክተር ኣብይ ስጉምቲ፡ መቐይሮ ሰላም ክኸውን ይኽእል እዩ።  ግን ከኣ ነቲ መጀመርታ ዘባኣሰ ሕቶ ፈቲሑ እቲ ዝድለ ሰላምን ምዕባለን ከምፅእ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ነገር የብሉን።  

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዚቢ ኣብ ዘስምዖ ናይ መጀመሪያ መደረ  ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንዓመታት ዝቐፀለ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ከብቅዕ ድሌት ከምዘለዎ ምግላፁ ናይ አደባባይ ምስጥር እዩ፡፡ መንግስቲ ኤርትራ እውን ተመሳሳሊ መርገፂ ክወስድ ብዝቐረበሉ ፃዊዒት መሰረት ኣወንታዊ ምላሽ ብምሃቡ ክሊቲእን ሃገራት ብዝገርም መልከዕን ቕልጣፈን ዳርጋ ናብ ንቡር ዝምድናታት ንክምለሳ መንገዲ ከፊቱ ኣሎ፡፡

ንዓመታት ሓርፊፉ ዝነበረ ዝምድናታት  ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድም ዝነበረን ሕውነት ንምምላስ ናብዘኽእል መስመር ኣትዩ ኣሎ፡፡ እዚ ጅምር ኡደት መራሕቲ ክሊትኤን ሃገራት  ኣወንታዊ ውፅኢት ከምዘምፂ ብዙሓት ሙህራን ይገልፁ ኣለዉ፡፡

ክሊትኦም መራሕትታት እቲ  ንኣስታት 20 ዓመታት ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ ተዛዚሙ ካብ ልቢ ዝተበገሰ ዝምድና ምጅማሮም ካብቲ ንህዝቢ ዘመሓላልፍዎ  መልእኽቲ ንምርዳእ ይክኣል እዩ፡፡

ኣብዚ እዋን እዚ ክሊቲኦም ህዝብታትን መንግስታትን ነቲ ናይ ሰላም ዘተ  ዕዉት ንምግባርን ኣብቀፃሊ ሰላም ዝዓሰሎ ከባቢ ብምፈጣርን ምትሕብባረንን ምድግጋፈንን ብምጥንካር ብሓባር ክለምዓሉ ዘኽእለን መንገዲታት ኣንፈት ብምሕንፃፅ  ንቐድሚት ከሰጉማ ይግባእ፡፡

ክሊቲኦም መራሕቲ ብዝገበርዎ ስምምዕ ናይ ነፈርቲ ትራንስፖርት ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ጎን ንጎኒ እውን ህዝብ ንህዝቢ ግንኙነት ብፍላይ ኣብ ዶባት ከባቢ ዘለዉ ህዝብታት ብነፃነት ክዘዋወሩን ከተሓዋወሱን ናይ ምግባር ከየዲ በቲ ዝድለ መልክዕ የኸይድ ከምዘሎ መረዳእታት የርእዩ፡፡ ካብዚ ብዝሓለፈ መልክዕ  ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ወደባት ንምጥቃም ዘኽእል ስምምዕ ተፈሪሙ እዩ፡፡

መብዛሕቶም ሙሁራን ከምዝኣምኑሉን ደጋጊሞም ከምዝገልፅዎን ዴሞክራሲ ብቓልሲ ዝረጋገፅን ኣብ ነዊሕ እዋን እናሰረፀ ዝመፅእ  መስርሕ እዩ። ነዚ ንምርግጋፅ ድማ ህዝቢ ብዝተበተነ እንተይኮነስ ብዝተወደበ መንገዲ ረብሓታቱ ከማልእ ኣብዝኣመነሉ መስመርን ውድብን ተሰሊፉ ይቃለስ መስዋእቲ እውን ይኸፍል። እዚ ስምምዕ ክሊቲኤን ሃገራትን ህዝብታትን ለኩሉ ዝጠቅም ስለዝኾነ ነዚ ምድጋፍን ምሕጋዝ ኣደላዪ እዩ፡፡