Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ማንም ጠጠው ዘየብሎ ለውጢን ምስፋህ ዲሞክራሲን

0 394

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ማንም ጠጠው ዘየብሎ ለውጢን ምስፋህ ዲሞክራሲን

                                                              ብፍቕረሰላም

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብአቦወንበርነት ኢህወዴግ አቢሉ ስልጣን  ቀዳማይ ሚኒስትርነት ካብ ዝሕዝ 100 መዓልታት ክደፍን ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ መዓልታት ይተርፍዎ ። ኣብዛ ሓፃር ናይ መዝነት ግዚኡ፡ ብፍላይ አብ መዳይ ዕርቅን ይቕረታን ካብኡ ሐሊፉ ድማ አብ መዳይ ዲፐሎማሲያዊ ርክብ እታ ሃገርን ሰላምን ምርግጋእን ዝተገበረ ለውጥታት አብታሃገር አንፃላልዩ ዝነበረ ሥግአትን እንታይኮን ይመጽእ ዝዐይነቱ ዘይምርግጋዕ ብምእላይ ዝጠለቦ አዎንታዊ ምንቅስቓስ ቀሊል አይኮነን ፡፡

ገለ ገለ ርዕይቶ ወሃብቲ እቱ አካይዳ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ  አብ ምርግጋዕ ሃገር ዘምጽኦ ረብሐ  ብምድጋፍ አብታ ሃገር አብዝበዘሀ ከባቢታት ናይ ፍቕርን ናይ ምስጋናን ሰላማዊ ሰልፍታት በዘይጎስጓስ  ይግበሩ  ድአምበር ነቱ አካያዳ ቀደማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ዘይጥዕሞም ወገናት ይራአዩ አለው ፡፡  ብፍላይ ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ እግሪ ብእግሪ እንደፈነፅሁን ብዝመስሎም መንገዲ እንዳተርጎሙን ካብ ውድብ ኢህወዴግ ከምዘይወጸን አሰራርሐ እቱ ውድብ ከምዝጥሀሰን ገይሮም ብምውሳድ ዕንቅፋት ንከፍጠር ዝመነዩ  ሰባትውን ይራአይ አለዉ ፡፡

ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝንቀሳቐሱ ቀንዲ ደገፍቲ እቱ ሐድሽ ለውጥታት ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር አብይ አህመድ ቃላት ኣንጠልጢሎም ንዝኾነ ጉጅለን ማሕበረሰብን ክጥቅኑ ተርእዮም ። ብኻል ጎኒ ድማ ዝተቖጥኡ ዝመስሉ ካልኦት ወገናት ብወገኖም ናይ ዲተራናንስ ፖለቲካዊ  መልሲ ብምሃብ እቱ ኹነታታት ናብ ዘየድሊ መስመር ንምውሳድ አብክልቲኦም ወገናት ዝራአ ዘሎ ምስህሐብ እቱ ዝተረኸበ ሰላምን ምርግጋዕን ናብ ዘይድሊ መስመር ንከየምርህ ምርድአ የድሊ ፡፡

ቃላት ሓይሊ የብሉን አይብሃልን ፡፡ ብፍላይ ብመራሂ ሃገር ብርኪ ዘስእቦ አናሎጂካል ትርጉም ብርክት ዝበለ ክኸውን ከምዝኽእልን ብምህሳብ እቱ ህዝባዊ መደረታትን  ኣገላልፃታትን  መዘራረብቲ ዛዕባ ኮይኖም ክቕፅሉ ዝኸኣሉ ድማ ነዚ እዩ ፡፡ ስለዝኾነ ድማ አብ ቃላትን መግለፅታትን እንዳተደረኽካ እታ መጺአ ዘላን አብቀረባ አዋን ተረኺባ ዘላ ሰላምን ምርግጋዕን ናብዘይተደለየ ዐንፈት ብምስሐብ ናብዝሐሸ ማህበረቑጠባዊን ፍቕርን ምርግጋዕን ካብምስግጋር ናብ ዘይድሊ ወጥርታት ንምውሳድ ምፍታን ዋላእንኳ እቱ መጺኡ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን ንድህሪት ክመልሶን ከቕልብሶን አይኽአል ድአምበር እቱ ዘሕድሮ  ፅልዋ ግን ቀሊል ክኸውን ሥለዘይክእል ምስትኽካልን ናብ ንቡር ሰላማዊ መንገዲ ምፅምባር አገዳሲ ዕማም ክኸውን ይግባእ ፡፡ እቱ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን ፕሮሞት ብምግባር ናብ ዝሐሸ ማሕበረቑጠባዊን ፖለቲካዊ ሃዋህው ምእታው ድማ ንፅባህ ዘይብሃል ዕዮ ገዛ ክኸውን ይግባእ ፡፡

መደረ መራህቲ ሃገር ሰፊሕን ብዐይኒ ብዙሐት ፍሉይ አተኩሮት ዝውሃቦ ይኹን ድአምበር  መራሒ ሃገር  ክነቕፎም  ዝደለየ  ናይ ፖለቲካ ልሂቃን ክህልዉ  ከምዝኽእሉ አብግምት ምእታው ግድንዩ ። እቱ ነቐፋ ድማ   ብጃምላ ርኢኻ መራሂ ሃገር ከምኳኑ መጠን ንሙሉእ ሃገር ዘተሓላለፎ መልእኽቲ እዩ ኢልካ ምውሳድ ምተኽአለ ፡፡ ግዳስ እተን ቃላት አንደፈሐስካን እቱ ንከይምለሥ ዝተወለዐ ለውጢ ንድሕሪት ንምላላስ ፈተነ ምግባር ግቡእ ዐይኮነን ፡፡

ሐደ ሓደ ቃላት ምሳልያዊ ኣገላልፃታት ስለዝኾኑ ስነቋንቋዊ ፅባቐ ክህልዎም ይኽእል እዩ ። ግን ከኣ ሓደ ንፁር ብያነ ከይሃልዎም  ‘ንመን እዩ ?’ ዝብል ኣሻማዪ ህቶ ይኸውን ። እቶም ሓደ ሓደ ሰማዕቲ ድማ ብናይ ባዕሎም ድልየት  ፤  ናብ ውሑዳት  ልሂቃን ባህርን ጌገኦምን ብምትእስሳር ምስቲ ዝመፅሉ ማሕበረሰብ ኣዛሚዶም ካብ ምትረጓም ተአልዩ አብተን ናይፍቕርን ይቕሬታን ቃላት ፍሉይ አተኩሮ ብምሃብ ምፅምባር የድሊ ፡፡

እቱ ህዝቢ ዝህቦ ዘሎ ሐበሬታ ብበዝሒ አብ ፍቕሪን ይቅረታን ዘተኮረ እዩ ፡፡ አብ ሐደ ሐደ መርበብ ሐበሬታ ድማ ነቐፌታ ዝበዝሖ ንሰላም ምርግጋዕን ፍሉይ ረብሐ ዘይህብ ሐበሬታታት ይራአዩን ይስምዑን አለዉ ፡፡ ቃላት ፍቕሪ ይዘርእ ወለዶ አብፍምጣር ዘለዎ ግደውን ቐሊል አይኮነን ፡፡ ከም ኣብነት ድማ ኣብ እዋን ሰልፍታት ምምስጋንን ድጋፍን ዝስማዕ ዘሎ ርዕይቶ ብበዝሒ ናብ ይቕሬታን ፍቕርን ዝውስድ ድአምበር ጎንጽታትን ፅልእን ዘስዕብ ከይኸውን ነቶም ዝተፈላለዩ ኃይልታት ምምአድን መንገዲ ሰላም ንክኽተሎ መንገዲ ምትሐዝን የድሊ ፡፡

አብቱ ሀዚ እዋን ዝተጀመረ መንገዲ ለውጢ ፍረ ኢህወዴግ ብፍላይ ድማ ውፅኢት ገምጋም ዐሰርተ ሸውዐተ መአልቲ ምኳኑ ምርዳእ የድሊ ፡፡ አብ እሱራት ምፍታህን ክሶም አቋሪጽካ ይቕሬታ ምግባርን ዝተወስደ ስጉምቲ ድማ ንቱ ዝተጀመረ ምስፍህፋህ ፖለቲካዊ ሥነምህዳር ከምዐብይ እቶት ክንወስዶ ይግባእ ፡፡ ተዘይኮነ ግን እቱ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ ለውጢ ናብ ጭቡጥ ብርኪ እስካዕዝሰጋገር ብሃባር ምስራህን ምንቅስቃስን እነተዘይተክአለ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ከቢድ ምኳኑ ብግቡእ ምርዳእን አገዳሲ ዛዕባ ክኸውን ከምዝግባእን አብሠምምዕ ምብጻህ እዋናዊን ስልጡንን ፖለቲካዊ ከይዲ እዩ ፡፡ ከምዚዝዐይነቱ ፖለቲካዊን ማህበራዊን ከይዲ ድማ ካብ ኩሉ ማህበረስብ ንክመጸእ ትፅቢት ክግበረሉ ይግባእ ፡፡ ብዐብ ድማ ናይ ደቂ ሰባት ሰብኣዊ ክብሪ ንምሕላው ህዝባዊ ተሳትፎና ከነራጉዶ ይግባእ ፡፡

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy