Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

አብ ሐዱሽ ዐመት ሐዱሽ ስርሂት

0 370

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

አብ ሐዱሽ ዐመት ሐዱሽ ስርሂት

                                                          ብፍቕረሰላም

አብ ኢትዮጵያ ዝረከቡ ኣወዳድባ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣብ ሕገመንግስቲ ከምዝተቐመጠ ስራህቶም ተበግሶ ገይሮም ብህርኩትነት አብ ምስራህ ዝነበሮም ባታ  ክግምገም ከሎ   ንህዝቢ አብምግልጋል ዝነበሮም ግዱስነት ዘዕግብ ከምዘይነበረ  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ አብዝተፈላለዩ መድርኻት ክዛረቡ ተሰሚዖምዮም ፡፡ በዚ አቢሎም ናይዞም መንግስቲ ዝምህዞም ትካላት ኣወዳድባ ምስ መንግስትን ስርዓትን ዝቀያየር እንተይኮነስ ውግንነኦም ንህዝብን ንሃገርን ክኸውን ከምዝግባእ ብምእማን ምምሕያሽ ከምዝግበረሎም አብዝተፈላለየ እዋን ተገሊፁ።

ብፍላይ አብ ፌደራል ብርኪ ዝርከቡ ትካላት ሕዚ እውን አብ አወዳድብኦም ውድባዊ ምምሕያሽ ከምዘድልዮምን እቱ ሕገመንግሥቲ ብዝህንጽጾ አሰራርሃ ተደረኾም ህዝቦም ከገልግሉ ከምዝግባእ ይእመን ፤ ነዚ ስዒቡ ድማ ብፌደራል ብርኪ አብዝተፈላለዩ ትካላት ዝግበር ሪፎረም ተጠናኺሩ ክካየድ ከምዝግብኦ ተአሚንሉ እዩ ፡፡ እዚ መበገሲ ተገይሩ ድማ ብፍላይ አብዝመጽእ ዘሎ ሐዱሽ ዐመት እቱ ሪፎርም አብ ብዝህ ዝበሉን  ፌደራል መንግስቲ አብዝውንኖም ትካለት ክትግበር ከምዝኽእልን ፈጻሚ ፌደራል መንግሥቲ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ብምዝታይ እቱ ዕማም ንክትግብሮ ህንጻጸ ከምዘሎ ብምውሳድ ነቱ ዝግበር አሰራርሐ ሪፎርም ንምትግባር ፍሉይ ውፍይነት ሂዝካ ምንቅስቃስን ነቱ ዝግበር ለውጥታት ድማ ንጡፍ ደጋፊ ኮይንካ ምርካብን ድልው ምኳንን የድሊ ፡፡

ሐደ ሐደ ትካላት ፌደራል መንግሥቲ ካብቱ ብህገመንግሰቲ ብርኪ ሥተሐንጸጸሎም ሥራህቲ ብምውጻእ ህገመንግስታዊ ዘይኮነ ዕማማት ብምውናን ዘካይድዎ ዝነበሩ ስራህቲ ብህገመንግስቲን ህገመንግስታዊ ተበግሶን ጥራህ ብምስራህ ሥርሖም ክሰርሁ ከምዝግብኦም አብምትእምማን ስለተበጽሀ ፀረ ሕገመንግስቲ ዝኾነ መምርሒ እነተሐልዩ ድማ ክስተኻኸል ዝግብአሉ መገድታት ብምህንጻጽ ንተግባራዊነቱ ንጡፍ ስራህቲ ምስራህ ከምዘድሊ  ተአሚንሉ ፡፡

ምምሕያሽ ክጅመር ዝግባእ ካብቲ ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረን ዝኾነ ጉድለታት ዘለዎም ትካላት ክኸውን ከምዝግብኦ ብፍላይ ሐደ ሐዲኦም  ዋላ እኳ ፅቡቓት ነገራት እንተሃለዎም ካብቱ ጥንካረኦም ዘይንእስ   ፀገም ከምዘለዎም ርዱእ ብምግባር ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት ብምምሕያሽ ናብ ንቡር ህገመንግሥታዊ አሰራርሐ ምእታው ግድንዩ ፡፡

ኣብ ዝኾነ ይኹን ዘፈር ዝግበር ምምሕያሽ ቀሊል ከምዘይኮነ ርዱእ ድአ ይገበር አምበር ብፍላይ  ኣብ ሐደሐደ ዐበይቲ ትካላት ዝግበሩ ምምሕያሻት ዝያዳ ከቢድ ከምዝኸውን ይእመን ። ኩሉ ግዘ ለውጢ እንትህሉ፡ ነቲ ለውጢ ዝድግፍን ዝቃወምን ከምዘሎ ኩሉ፡ እቱ ዘመጸ ላውጢ ብፅልኢትን ዘርኣውነትን ዝትርጉምዎ  ፀረ ለውጢ ሓይልታት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ይግምት ።  ከም ፍታሕ ክቕመጥ ከሎ ድማ ንከይዲ እቲ ለውጢ ዝወፅኡ መምርሕታትን ኣንፈታትን፡ ሕገመንግስትን ሕገመንግስትን ጥራሕ ዝኽተሉ ምዃኖም ምርግጋፅ የድሊ ። ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ሓፈሻዊ ከይዲ እቲ ምምሕያሽ፡ ብሰብ ሞያ እኹል መፅናዕቲ ዝተገበረሉን፡ እዋናዊ ሃዋህው እታ ሃገር ዘገናዘበን ስጉምቲ ክኸውን ከምዝግባእ ይእመን ፡፡

ኣይኮነን ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት፡ ኣብተን ዝዓበያ ሃገራት እውን፡ ሐደ ሐደ ዕብ ዝበላን ብወገን መንግስቲ ዝውነናን ትካላት ፤ ኩሉግዘ ናብ ሓደ ወገን ናይ ምውጋን ኩነታት ስለዝረኣይ፡ ዝኾነ ዓይነት ምምሕያሽ እንትካየድ፡ ሙሉእ ብሙሉእ ነዘን ትካላት ካብ ወገናውነት ከምዘየፅርየን ይትአመን ድአምበር ፤  ምምሕያሽ ብዝካድ ሪፎርም ኣብታ ሃገር ልዕልነት ሕጊ ብምርግጋፅ ብዝተኽኣለ መጠን እዘን ትካላት ናብ ህዝቢ ክውግና ምግባር ከምዘድልይ ብፅኑዕ ክእመን ይግብኦ ፡፡

አብፌደራል ደረጃ ዘለዋ ትካላት  ንምምሕያሽ እንትሕሰብ እቲ ቀንዲ ፀገም ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ዘሎ ፖሊሲ ምቕያር እነተይኮነስ እቱ ተጀሚሩ ዘሎ ናይዕርቅን ምትህስሳብን መንገዲ እንዳራጎድካ ብምኻድ እቱ ለውጢ ንምዕባለ ሃገረይን ረብሐ ሀገረይን እዩ ኢሉ ብዝአምን ዜጋ ተደጊፍካን ነቱ ካልእ ድማ  ናይ አታሃሳስባ ምዕባለን ለውጥን ንከስስን ዘኽእሎ ዐቕሚ ብምፍጣር ናይ እቱ ምምህያሽን ሪፎርምን አካል ጌርካ ምውሳድ ወሳናይ እዩ ፡፡

ኣብ ቁልፊ ትካላዊ መሓውር ዝቕመጡ ሰባት ብቅርፂ ደረጃን አታሃሳስባን  ሕገመንግስቲ መሰረት ብምግባር፡ ረብሓ ህዝብን እታ ሃገርን ኣብ ግምት ዘእተዉ ክኾኑ ከምዝግብኦም ምእማን የድሊ ድአምበር   ናይ ዝነበርሉ ልሙድ ኩነታት ገዲፎም ናብቱ ሐዱሽ ሪፎርም ንክአትዩ ዕድል ምሀብ ነቱ ተፈጢሩ ዘሎ ምትህልላይን  ምምህያሽን ንምርጓድ  ኣብ ባይታ ዝረኣይ ፀገማት እንዳአለኻ ምስጓም ወሳናይ እዩ ፡፡

ጅማሮ እቱ ምምሕያሽ ተገይሮም ዝውሰዱ፡ ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ዝውሃብ ዘሎ መደባትን ምትዕርራይ  ኃይሊ ሰብን ፤  ከምአብነት ብምውሳድ እቱ ምሁራዊ ኃይሊ እዚ አብምትዕርርራይን ዝሀሸ ሙያዊ ሀበሬታ ብምሃብን ሙያዊ ክብሪን ህዝባዊ አገልግሎትን ጎኒ ንጎኒ ንክኸዱ ምሁራን እጃሞም ከወፍዩ ከምዝግባእ ርዱእ ምግባር የድሊ ፡፡

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy