Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ከም ሐዱሽ ዝተሃነፀ ድልድይ ፍቕሪ

0 583

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

 

ከም ሐዱሽ ዝተሃነፀ ድልድይ ፍቕሪ

ብፍቕረሰላም፤

ቅድሚ አስታት ዕሥራንሸውዐተን ዐመት  ብፍላይ አብ ቐርኒ አፍሪካ ዝመጸ መንገዲ ለውጢ መብጺህኡ  አበይኮን ይኸውን ኢሉ ብሃነቀውታ ዘይተጸበየ ሰብ አይነበረን ፡፡  ካብ አሀዳዊ አሰራርሃን ከይዲ ኮሚኒዝምን ዝተናገፈ ሃራትን አርሰ መላኽቲ ዕቡያት መራህቲ መንግሥታት አድሂለን ናብ መንገዲ ዲሞክራሲን  መሪህነት ናጻ ዕዳጋን ብምምራሽ ምስጀመራ ድማ እቱ ዝነበረ ሃንቀውታ አብቱ እዋን እነበረ ዝነሃረ ርዕይን ሐድሽ አታሃሳስባን አይርሳዕን ፡፡ ግዳሥ ጸላኢ ዐይኑይፍሰስ ከምዝብሃል ዝዐይነቱ ምስላ  ዓይኒ ረኸበን እሞ ብፍላይ ኤርትራን ኢትዮጵያን መስረትቱ ዝኾነ ኢጋድ ካብ ሓደ ድሩት ተልእኾ ዝነበሮ ማሕበር፡ መገዲ ዉህደት እቲ ዞባ ክኸዉን ተበራቢሩ ንጥፈት ዝጀመረ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመታት ቅሩብ ጉዳያት ክፍጸም እንተኻአለኳስ ካብኡ ሃሊፉ ክዋሳወስ ዐቕሚ ክረክብ አይክአለን ፡፡

እዘን ሃገራት ቐርኒ አፍሪካ ምስ ሓደሽቲ መራሕተን ተሓባቢረን፡ ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኵናት ዝጸንሐት ሶማሊያ ከረጋግኡዋውን ተስፋታት ነይሮም ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ኣብ 1998 ንቲ ዞባ ከረጋግኡ ዝተብሃሉ ንርእሳቶም ዉን ክረጋግኡ ስለዘይኽኣሉ ንቲ ዞባ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣእቲዎሞ ። ንተበግሶታት ኢጋድዉን ኣዐንቂፉዎን ንድሕሪት መሊሱዎን። ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን መብኣሲ መረብኦም ኾይነን ነጸብራቕ ናይዘን ክልተ ሃገራት ንጎረባብተን ጸሊዩወንን ።

ይኹን ድአምበር ብፍላይ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ምትዕርራይን ፅገናዊ ለውጢታት ፤ ብፍላይ አብሞንጎ ኢትዮጵያን  ኤርትራን ዝነበረን ዝተሀነጸን ጽልኢት ሐጹር አብምፍራስ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ፍሉይ ተበግሶ ነቱ ቐጠናን ዞባን  ብአብነት ከገልግል ዝኽእል ዐብይ ፍጻመ ተሰሪሁእዩ ፡፡ እቱ ሐዱሽ ናይ ኢትዮ -ኤርትራ ሥምምእነት ሰላምን ምትህብባርን ንመጻኢ  ምዕበለታት ከምግብአት ዘገልግል ዐብይ ግደ አለዎ ክብሃል ይኽአል ፡፡ እቱ ሀዚ እንዳተሃነጸ ዝርከብ ድልድይ ፍቕርን ድልዱል ሰናይ ጉርብትና ድማ  ንኽጥንክርን መሰረቱ ንከይልህልህን ብህዝባዊ ርክባት እንዳተራጎደ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምሥጋር ዝግበር ዘሎ ዘይተሃለለ ጻዕሪ አትሪርክ ምፍጻምን ፍጻመታቱውን  ብምግምግማን ዝተባላሸወ ጉዳይት እነተሃሊኳስ በብእዋኑ እንዳአለኻ ምምራሽ ወሳናይ መደብ ክኸውን ይግባእ ፡፡

 

ሃገርና ካብ ቀረባ ጊዜ ጀሚሩ ተካይዶ ዘላ ዲፐሎማሲያዊ ርክባትን አብ ምርኻብ ህዝቢ ምስህዝቢ ዝምዝገቡ ዘለዉ ዓወታትን  ምስጎራብቲ ሃገርና ዘላቂ ሰላምን ፤ ልምአትን ፤ ምእባለን ምትህብባርን ንምህናጽ ዘተባብዕ ኹነታት ይፈጥርአሎ ፡፡ ብፍላይ አብ ርክብ ኢትዮ- ኤርትራ ዝመጸ ፍሉይን ዝገርምን ርክብ ህዝቢ ምስህዝቢ ብሰላምን ብዝሀሸ ርክባት ንምህብሃብ አብዝግበር ጻዕሪ ብመርበብ ሃበሬታ ብፍላይ ብፌስቡክ ዝሥራህ ዘሎ አፍራሳይ ሥራህቲ አትሪርና ክንቃወሞን ክንኩኑኖን ይግባእ ፡፡

ኢትዮጵውያንን ኤርትራውያንን ረኺበምዎ ዘለዉ ሰላምን እፎይታን ንምዝራግን ናብ ዘይግባእ ሃለውለው መሊሥካ ንምእታው ዝግበር ጻዕሪ ንማንም ዜጋ ዘይጠቅምን ረብሀ ዘይብሉን ምኳኑ ክፍለጥ ይግባእ ፡፡ ዜጋታት ካብ ሰላምን ምርግጋእን ድአበር ካብ ቅርህንትን ገረጨውጨውን ክረኽብዎ ዝኽእል ትርፍን ወኒነንተን የለን ፡፡

ካብ 1991-94 ዝነበሩ እዋናት ዝነበረ ራእይ ግን ድማ ብሰንኪ ዶባዊ ህቶ አቢሉ ዝተወለዐ ዘይምርግጋዕ ደስኪሉ ዝነበረ ራኢ ብዚ ሓድሽ ሓይሊ ተበጊሱ ዘሎ ምንቕስቓስ ንቲ ዞባ ተስፋ ሂቡዎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ  ኽፋል እቲ ዞባ ከም ምዃነን  እዚ ብቐጥታ ዝጸልወን ። ኤርትራን ኢትዮጵን 20 ዓመታት ዝሓዘልኦ ዘይተፈትሐ ሽግረን፡ እቲ ኢትዮጵያ ቦኺራትሉ ዝነበረት ስጉምቲ ግብራዊ ንምግባር ዘኽእል ምቅርራብ ጀሚረን ኣለዋ

እቱ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስህዝቢ ብርክብ መሰረተ ልምአት ተደጊፉ እንዳነሃረ ክኸይድ ከሎን እቱ ብመሬትን ብአየርን ተጀሚሩ ዘሎ ትራንስፖርት ድማ ብግልጋሎት ወደብ ዐሰብን ምጽዋን ክድገፍ ከሎ ብፍላይ አብዶብ ኸባቢ ክልትኤን ሃገራት ንዘሎን ቅድሚ ሀዚ ብማህበረቑጠባዊ ተጓንፎ አብ ጸገም ንዝነበረ ህዝቢ ዘለዎ ረብሃ አብይ እዩ ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ እቱመንገዲ መካይን ተኸቲሉ ንዝነብር ህዝቢ  ክልቲአን ሃገራት ረብህኡ ዝዐበየ እዩ ፡፡

ናይ ዐሰብ ወደብ ዕላዊ ሥርሁ ንክጅምር ዝግበር ዘሎ ጻዕርን  ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽቡ መንገድታት መሊስካ አብ ምህናጽን ምጽጋንን  ዝግበር ዘሎ ምሽብሸብ ዝንአድ እዩ ፡፡ በዚ አቢሉ እቱ ማህበርሰብ ክረኽቦ ዝኽእል ማህበረቑጠባዊ ጥቕምታትውን ከምፍሉይ ዐወትጸጋታትን  ክንወስዶ ይግባእ ፡፡

እቲ ዝነዉሐ ዶብ ኤርትራን፡ ዝኸፍአ ኵናት ተኻይዱዎ ዝያዳ ኣካታዒ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ጉዳይ ክኣ ምስ ክልል ትግራይን ዓፋርን ዝዳወብዩሞ አብቱ ህዝቢ ዝሀሸ ሰላማዊን ህዝባዊን ምብርባር የድሊ ። እቱ ዝሃለፈ ዛንታ  ብዘየገድስ ነቓዕ ፈጢርኻ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ መንገዲ ሰላም ምፍሻል ንማንም ዝጠቅም ሥለዘይኸወን አብሥምምእነት ተደሪኽካ ምኻድ ወሳና ዕማም ክኸውን ይግባእ ፡፡

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy