Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ክነንህሮ ዝግባእ አታሃሳስባ ፍቕርን ሐድነትን

0 671

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ክነንህሮ ዝግባእ አታሃሳስባ ፍቕርን ሐድነትን

ብፍቕረሰላም

አብ ሃገርና ኢትዮጵያ ሕዚ ዝበጋገስ ዘሎ ናይ ሰላምን ፍቕርን ሐድነትን ህልፍ ኢሉ ድማ  ጉዕዞ አታሃሳስባ ምድማርን ፤  ቅድሚ አዋርህ ዝነበረ ኩነታት አብ ውሽጣዊ አታሃሳስባ ዜጋታት አሕዲርዎ ዝነበረ ናይ ጽልኢትን ናይ ምጥርጣር ጽልዋን  መንፈስን ፈዊሱን አግሂሉን  ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ዝነበረን  ዝተኸሰረ ዕድላት ብምክሓስ ናብ እቱ ሀዚ ተታሂዙ ዘሎ መንገዲ ሰላም ብምፅነባር ሃገርና ብማህበረ ቑጠባዊ ልዕልነት አብ ቐርኒ አፍሪካ ተፈታዊትን ትንአድን ሃገር ጌርካ ምምሕያሽ እዋናዊ ዛዕባ እዩ ፡፡ ነቲ ዞባናውን  ብሓድሽ ናይ ምትሕብባርን ይቕረ ምብህሃል መንፈስ ንቕድሚት ክንህር ገይርዎሎ ፡፡

ኣብ ዉሽጢ ሓጺር ግዜ አብውሽጢ ሃገርናን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ  ዘሎ  ሰላምን ምርግጋእን ክንአድ ይግባእ ፡፡ መላእ ህዝቢ ናበይኮንዩ ንኸይድ ዘለና ብዝብል አብቃራን መንገዲ ጠጠው ኢሉ ብስግአትን ብናይፍርሃት ስነልቦናዊ ቁሪ ተሸቑሪሩ ካብዝነበረሉ እዋን  ናብ ርግዐትን ምትህልላይን ክሳገር ኽኢሉ አሎ ፡፡ በዚ አቢሉ እቱ ዝተረኸበ ሰላምን ምርግጋእን ናብ ንቡርን ዘላቒን መንገዲ ንክጽንበር ዘይህለል ጻእሪ ብምውሳኽን ናብ ዝሃሸ መነባብሮ ንምስግጋርን  ብሓባር እንተዘይሰሪሕና  ከጋጥምና ዝኽእል ጸገም ቀሊል አይኸውንን ፡፡ ብሓባር እንተድኣ ሰሪሒና ግና ጥንኩር ሃገርን ጥንኩር ቐጠና ምፍጣር ከምዝኽእለና አትሪርና መህሳብ የድልየና ፡፡

አብዝሀለፉ ዐመታት ኣብ ሞንጎ ክልላት ምስ ክልላት  ውሽጢ ሃገርናን ልዕል ክብል ድማ አብሞንጎ ሃገራት ቐርኒ አፍሪካን ንከመጽእ ተሐሲቡ  ዝነበረ ስጡም ዝበሃል ዝምድናን  ሰላምን  ጥራሕ ዘይኮነ አብ  ዐንፈት ማሕበረቑጠባዊን ፖለቲካዉን ርግኣትን ምትሕብባርን ዝኸፍት መሲሉ ህዝቢ ነዊሕ ክጥምት ኣኽኢሉዎ ነይሩ ። እቱ ህልሚን ውቅብ ሃሳብን ግን ክጭበጥ ናብ ዘይኽእል ፖለቲካዊ ሃዋህው ተሳጊሩ ዝፈጠሮ ማህበረቑጠባዊ  ቕልውላው አብልእሊ መነባብሮ ህዝቢ ይኹን አብልዕሊ ሃገራዊ ምርግጋእ ዘሕደሮ ጽልዋ ከምትዝትአመተን ዝተገበጠን እንተይኮነስ ናብ ካሊእ ዘየድሊ መንገዲ ክኸይድ ተራእዩ ፡፡

ንአብነት ክልላት ምስክልላት ጀሚረነኦ ዝነበረ ዘዕግብ ርክብ ብዶብን ብገለ ገለ ዘየድሊ ርክባትን ክትዐናቐፍ ምርአይ ተኻኢሉ ፡፡ ካብኡ ብዝዐዘዘ መልክዕ ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን መስረትቱ ዝኾነ ኢጋድ ከይተረፈ ካብ ሓደ ድሩት ተልእኾ ዝነበሮ ማሕበር መገዲ ዉህደት እቲ ዞባ ክኸዉን ተበራቢሩ ንጥፈት ዝጀመረ ይኹንድአምበር ንሱውን አብጥጡጡህ ባይታ ከምዘይነበረ ተራእዩ ፡፡

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ግን ክልላት ምስክልላት ናብ ዘይድሊ ወጥሪን ምስሕሐብን ክአትዋ ተራእየን ፡፡  ንቲ ዞባ ከረጋግኡ ዝተብሃሉ ንርእሳቶም ዉን ክረጋግኡ ስለዘይኽኣሉ ነቲ ዞባ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣእቲዎምዎ ። ብፍላይ አብ ዶብ ክልላትን ሃገራትን ዝርከብ ህዝብውን ናብ ዘይድለ ማህበረቑጠባዊ ዘይምርግጋዕ ተጸንቢሩ መነባብርኡ ክተዐናቐፍ ተራእዩ ፡፡  አብሞንጎ ኢትዮጵን ኤርትራን ዝተወለዐ ኵናት እቱ ህልሚ ክጭንግፍ ገይርዎ ፡፡ ንተበግሶታት ኢጋድዉን ኣዐንቂፉዎን ንድሕሪት መሊሱዎን ። ንዐበይቲ አድታትውን ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን መብኣሲ መረብኦም ኾይነን ነጸብራቕ ናይዘን ክልተ ሃገራት ንጎረባብተን ጸሊዩወን፡፡

ብፍላ ጉዳያት ኢትዮ ኤርትራ ናብ ኵናት ምስግጋሩ ዘስዐቦ ህልቂት ዜጋታት ክልቲኦም ሃገራት ቑጠባዉን ንዋታዉን ዕንወት ክህሰብ ከሎ ዘስካህክህ ጉዳይ እዩ ፡፡ ካብኩሉ ንላዕሊ ብኽልቲኡ ዶባት እዘን ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ደራዕ ናይቲ ኵናት ብቐጥታ ተሰኪሙ ዘህለፎ መንገዲ ህይወትን ሥነልቦናዊ ምስክህካህን ንዝኾነ  ውዲሰብ ትምነዮ ጉዳይ አይኮነን ። ኵናት ጠጠዉ ምስ በለ ዘሎ ኵናት ብኻልእ ሜላ ተባሂሉ ዝፍለጥኣይ ሰላም ኣይ ኵናትክሳብ ሕጂ ዘሎ ክልቲኡ ናይ ዶብ ህዝቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ርክባት ዓንቂፉዎ፣ ጋሪዱዎ ጥራሕ ዘይኾነስ  ክረብሑዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ቑጠባዊ ኩነታቶምዉን ኣደስኪልዎ እዩ ።

ሀዚ ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ፈሪመን ናብ ዝሀሸ ዲፕሎማሲያዊን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክባት ንምስሳን ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ ፍሉይ ክብሪን ሞገስን ክውሀቦ ዝግባእ ምልዕዐልዩ ፡፡ ሰላም ውሽጢ ሃገርናን ሰላም ኢትዮ ኤርትን ክህሰብ ከሎ ብዐብዩ ድማ ሰላም ቐርኒ አፍሪካ ክህሰብ ከሎ ማህበራስብ ዓለም ንሃገርና ሂብዎ ዘሎ ኽብርን ሞገሰን ካብ ሀዚቱ ንኽተሎ ዘለና መንገዲ ሰላም ዝተበገሰ ምኳኑ ርዱእ ምግባር የድሊ ፡፡ እቲ ናይ ሰላም ተበግሶ ብናይ ሓደ ሰብ ጻዕሪ ዋላ ይራጎድእምበር ፤ ተኸሲቱ ዘሎ  ተሳትፎ ህዝቢውን ግርም ተበግሶ  ተባሂሉ ክሙገስ ይግባእ ፡፡ ኢትዮጵያ ብብህታዊነት ዝወሰደቶ ምንቅስቓስ ጠራይ እነተይኮነስ  ጎራብቲ ሃገርናንውን ወሲደንኦ ዘለዋ ተበግሶን ምትዕርራዕን እነዳዐንበበን ምርጓዱ አይተርፍን  ፡፡ እዙ ሀንደበታዊ ዝመስል ኹነታት ሰላም ብሙሉእ ውቃበናን ቀልቢናን ክንቅበሎ ይግባእ ፡፡ እቱ ሀዚ ሂዝናዮ ዘለና መንገዲ ሰላም እንዳሰሰነን አብዘይዕጸፈሉ መዳይ ክበጽህ ከሎ ድማ እቶም ሀዚ ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ ዓለምለኸ ትህዝቶ ዘለዎም ሰብሃፍትን ዶብ ተሳገርቲ ኢንቨስተራትን ናብ ዝሐሸ ኢንቨስትመንት ምእታዎም አይተርፍን ፡፡ እቱ ሀዚ ዝራአ ዘሎ  ዐብይ ምልክት ድማ አብነት ካብምኳኑ ንላዕሊ ብቓል ተዋሂቡ ዝነበረ መጽብዐ ናብ ግብሪ ምሽራፍ ዝተጀመረሉ ፤ ምስ ዓለም ለኸ ቑጠባዊ ትካላትውን ናብዝሐሸ ርክብ ምስግጋር ዝተጀመረሉን ፍሉይ ፀጋታትና ነማዕበለሉ ፍሉይ እዋን ምኳኑ ተረዲእና እቱ ዝተጀመሪ መንገዲ ሰላም ብህብረትን ብሃድነትን ብፍቕርን ናብ ዝሐሸ ብርኪ ክነሰጋግሮ ይግባእ ፡፡ ሰናይ ዘበን ይኹነልና ፡፡

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy