Tigrigna

ክነንህሮ ዝግባእ አታሃሳስባ ፍቕርን ሐድነትን

By Admin

July 29, 2018

ክነንህሮ ዝግባእ አታሃሳስባ ፍቕርን ሐድነትን

ብፍቕረሰላም

አብ ሃገርና ኢትዮጵያ ሕዚ ዝበጋገስ ዘሎ ናይ ሰላምን ፍቕርን ሐድነትን ህልፍ ኢሉ ድማ  ጉዕዞ አታሃሳስባ ምድማርን ፤  ቅድሚ አዋርህ ዝነበረ ኩነታት አብ ውሽጣዊ አታሃሳስባ ዜጋታት አሕዲርዎ ዝነበረ ናይ ጽልኢትን ናይ ምጥርጣር ጽልዋን  መንፈስን ፈዊሱን አግሂሉን  ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ዝነበረን  ዝተኸሰረ ዕድላት ብምክሓስ ናብ እቱ ሀዚ ተታሂዙ ዘሎ መንገዲ ሰላም ብምፅነባር ሃገርና ብማህበረ ቑጠባዊ ልዕልነት አብ ቐርኒ አፍሪካ ተፈታዊትን ትንአድን ሃገር ጌርካ ምምሕያሽ እዋናዊ ዛዕባ እዩ ፡፡ ነቲ ዞባናውን  ብሓድሽ ናይ ምትሕብባርን ይቕረ ምብህሃል መንፈስ ንቕድሚት ክንህር ገይርዎሎ ፡፡

ኣብ ዉሽጢ ሓጺር ግዜ አብውሽጢ ሃገርናን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ  ዘሎ  ሰላምን ምርግጋእን ክንአድ ይግባእ ፡፡ መላእ ህዝቢ ናበይኮንዩ ንኸይድ ዘለና ብዝብል አብቃራን መንገዲ ጠጠው ኢሉ ብስግአትን ብናይፍርሃት ስነልቦናዊ ቁሪ ተሸቑሪሩ ካብዝነበረሉ እዋን  ናብ ርግዐትን ምትህልላይን ክሳገር ኽኢሉ አሎ ፡፡ በዚ አቢሉ እቱ ዝተረኸበ ሰላምን ምርግጋእን ናብ ንቡርን ዘላቒን መንገዲ ንክጽንበር ዘይህለል ጻእሪ ብምውሳኽን ናብ ዝሃሸ መነባብሮ ንምስግጋርን  ብሓባር እንተዘይሰሪሕና  ከጋጥምና ዝኽእል ጸገም ቀሊል አይኸውንን ፡፡ ብሓባር እንተድኣ ሰሪሒና ግና ጥንኩር ሃገርን ጥንኩር ቐጠና ምፍጣር ከምዝኽእለና አትሪርና መህሳብ የድልየና ፡፡

አብዝሀለፉ ዐመታት ኣብ ሞንጎ ክልላት ምስ ክልላት  ውሽጢ ሃገርናን ልዕል ክብል ድማ አብሞንጎ ሃገራት ቐርኒ አፍሪካን ንከመጽእ ተሐሲቡ  ዝነበረ ስጡም ዝበሃል ዝምድናን  ሰላምን  ጥራሕ ዘይኮነ አብ  ዐንፈት ማሕበረ–ቑጠባዊን ፖለቲካዉን ርግኣትን ምትሕብባርን ዝኸፍት መሲሉ ህዝቢ ነዊሕ ክጥምት ኣኽኢሉዎ ነይሩ ። እቱ ህልሚን ውቅብ ሃሳብን ግን ክጭበጥ ናብ ዘይኽእል ፖለቲካዊ ሃዋህው ተሳጊሩ ዝፈጠሮ ማህበረቑጠባዊ  ቕልውላው አብልእሊ መነባብሮ ህዝቢ ይኹን አብልዕሊ ሃገራዊ ምርግጋእ ዘሕደሮ ጽልዋ ከምትዝትአመተን ዝተገበጠን እንተይኮነስ ናብ ካሊእ ዘየድሊ መንገዲ ክኸይድ ተራእዩ ፡፡

ንአብነት ክልላት ምስክልላት ጀሚረነኦ ዝነበረ ዘዕግብ ርክብ ብዶብን ብገለ ገለ ዘየድሊ ርክባትን ክትዐናቐፍ ምርአይ ተኻኢሉ ፡፡ ካብኡ ብዝዐዘዘ መልክዕ ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን መስረትቱ ዝኾነ ኢጋድ ከይተረፈ ካብ ሓደ ድሩት ተልእኾ ዝነበሮ ማሕበር መገዲ ዉህደት እቲ ዞባ ክኸዉን ተበራቢሩ ንጥፈት ዝጀመረ ይኹንድአምበር ንሱውን አብጥጡጡህ ባይታ ከምዘይነበረ ተራእዩ ፡፡

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ግን ክልላት ምስክልላት ናብ ዘይድሊ ወጥሪን ምስሕሐብን ክአትዋ ተራእየን ፡፡  ንቲ ዞባ ከረጋግኡ ዝተብሃሉ ንርእሳቶም ዉን ክረጋግኡ ስለዘይኽኣሉ ነቲ ዞባ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣእቲዎምዎ ። ብፍላይ አብ ዶብ ክልላትን ሃገራትን ዝርከብ ህዝብውን ናብ ዘይድለ ማህበረቑጠባዊ ዘይምርግጋዕ ተጸንቢሩ መነባብርኡ ክተዐናቐፍ ተራእዩ ፡፡  አብሞንጎ ኢትዮጵን ኤርትራን ዝተወለዐ ኵናት እቱ ህልሚ ክጭንግፍ ገይርዎ ፡፡ ንተበግሶታት ኢጋድ ‘ዉን ኣዐንቂፉዎን ንድሕሪት መሊሱዎን ። ንዐበይቲ አድታትውን ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን መብኣሲ መረብኦም ኾይነን ነጸብራቕ ናይዘን ክልተ ሃገራት ንጎረባብተን ጸሊዩወን፡፡

ብፍላ ጉዳያት ኢትዮ ኤርትራ ናብ ኵናት ምስግጋሩ ዘስዐቦ ህልቂት ዜጋታት ክልቲኦም ሃገራት ቑጠባዉን ንዋታዉን ዕንወት ክህሰብ ከሎ ዘስካህክህ ጉዳይ እዩ ፡፡ ካብኩሉ ንላዕሊ ብኽልቲኡ ዶባት እዘን ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ደራዕ ናይቲ ኵናት ብቐጥታ ተሰኪሙ ዘህለፎ መንገዲ ህይወትን ሥነልቦናዊ ምስክህካህን ንዝኾነ  ውዲሰብ ትምነዮ ጉዳይ አይኮነን ። ኵናት ጠጠዉ ምስ በለ ዘሎ ኵናት ብኻልእ ሜላ ተባሂሉ ዝፍለጥ ‘ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት‘ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ክልቲኡ ናይ ዶብ ህዝቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ርክባት ዓንቂፉዎ፣ ጋሪዱዎ ጥራሕ ዘይኾነስ  ክረብሑዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ቑጠባዊ ኩነታቶም‘ዉን ኣደስኪልዎ እዩ ።

ሀዚ ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ፈሪመን ናብ ዝሀሸ ዲፕሎማሲያዊን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክባት ንምስሳን ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ ፍሉይ ክብሪን ሞገስን ክውሀቦ ዝግባእ ምልዕዐልዩ ፡፡ ሰላም ውሽጢ ሃገርናን ሰላም ኢትዮ ኤርትን ክህሰብ ከሎ ብዐብዩ ድማ ሰላም ቐርኒ አፍሪካ ክህሰብ ከሎ ማህበራስብ ዓለም ንሃገርና ሂብዎ ዘሎ ኽብርን ሞገሰን ካብ ሀዚቱ ንኽተሎ ዘለና መንገዲ ሰላም ዝተበገሰ ምኳኑ ርዱእ ምግባር የድሊ ፡፡ እቲ ናይ ሰላም ተበግሶ ብናይ ሓደ ሰብ ጻዕሪ ዋላ ይራጎድእምበር ፤ ተኸሲቱ ዘሎ  ተሳትፎ ህዝቢውን ግርም ተበግሶ  ተባሂሉ ክሙገስ ይግባእ ፡፡ ኢትዮጵያ ብብህታዊነት ዝወሰደቶ ምንቅስቓስ ጠራይ እነተይኮነስ  ጎራብቲ ሃገርናንውን ወሲደንኦ ዘለዋ ተበግሶን ምትዕርራዕን እነዳዐንበበን ምርጓዱ አይተርፍን  ፡፡ እዙ ሀንደበታዊ ዝመስል ኹነታት ሰላም ብሙሉእ ውቃበናን ቀልቢናን ክንቅበሎ ይግባእ ፡፡ እቱ ሀዚ ሂዝናዮ ዘለና መንገዲ ሰላም እንዳሰሰነን አብዘይዕጸፈሉ መዳይ ክበጽህ ከሎ ድማ እቶም ሀዚ ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ ዓለምለኸ ትህዝቶ ዘለዎም ሰብሃፍትን ዶብ ተሳገርቲ ኢንቨስተራትን ናብ ዝሐሸ ኢንቨስትመንት ምእታዎም አይተርፍን ፡፡ እቱ ሀዚ ዝራአ ዘሎ  ዐብይ ምልክት ድማ አብነት ካብምኳኑ ንላዕሊ ብቓል ተዋሂቡ ዝነበረ መጽብዐ ናብ ግብሪ ምሽራፍ ዝተጀመረሉ ፤ ምስ ዓለም ለኸ ቑጠባዊ ትካላትውን ናብዝሐሸ ርክብ ምስግጋር ዝተጀመረሉን ፍሉይ ፀጋታትና ነማዕበለሉ ፍሉይ እዋን ምኳኑ ተረዲእና እቱ ዝተጀመሪ መንገዲ ሰላም ብህብረትን ብሃድነትን ብፍቕርን ናብ ዝሐሸ ብርኪ ክነሰጋግሮ ይግባእ ፡፡ ሰናይ ዘበን ይኹነልና ፡፡