Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ክንጠልቦ ዝግብአና ሰላምን ደህንነት ህዝቢን

0 496

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

 

ክንጠልቦ ዝግብአና ሰላምን ደህንነት ህዝቢን

ብቓለሰላም፤

አብዛ ሃገር አብውሽጢ  ሐጺር እዋን አሲሉ ዘሎ ሰላምን ምርግጋእን አብ ደህንነት ህዝብን ብዐብዩ ድማ አብምርግጋእ ሃገርን ጠሊብዎ ዘሎ ሰፍ ዘይብል ዐወት አብ አእምሮ ህድህድ ዜጋታት ሰፊሩ ዘሎ አታሐሳስባ ገፊህን ዘይልአምን እዩ ፡፡ ንኩለን ክልላት ሃገርናን  ንኩለን ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ  ብሓባር እንተዘይሰሪሐን  ኣብ ዓለም ንኣሽቲ  ቓጽዖታት ክኾና ከምዝኽእለን ንአመን ይግባእ ፡፡  አብ ሰላምን ሐድነትን መርበብ ሐቢርናን ዐሲልናን ብሓባር እንተድኣ ሰሪሕና  ጥንኩር ሀገርን ቐጠናን  ምፍጣር ከምዝኽእ ከምዘኽእለና እሙን እዩ ።

እቶም ሀዚ ተረኺቦም ዘለዉ ጸጋታት ሰላምን ደህንነት ህዝብን ጽቡቕ ገይርካ ምስ ዘይትሕዞ ዕድላት ካልኦት ዘይሰምሩ አታሃሳስባታት እንተተገራጪዎም ናይ ባዕሎም ሓደጋ ሒዞም ክመጽኡ ከምዝኽእሉ ህሱብ ብምግባር እቱ ሀዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን ናብ ዝሀሸ ብርኪ ምስግጋር ምኽአል ይግባእ፡፡ ብፍላይ አብሃገርና ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕ መሊሶ ከይፈሽል ህዝባዊ ሃድነትና ክነጠናኽር ይግባእ፤

እንተኾይኑ ግና ካብ ቐረባ እዋን ጀሚሩ  አብሃገርና አሲሉ ዝነበረ ሰላም ንምዝራግ አብዝተፈላላዩ ከባቢታት ሃገርና ግጭትን ቅርህንትን ብምቕስቃስ አብሃገርና ናይ ብሄርን ሃይማኖትን ግጭት ከምዘሎ ብምምሳል  ብፍላይ ንማኅበረሰብ ዓለም ክተሐላለፍ ዝማሃዝ ዘሎ ናይ ሶሻል ሚዲያ ሐበሬታ አዚዩ ክኹነን ይግባእ ፡፡ ካብኡ ሐሊፉ ድማ በቱ ሶሻል ሚዲያ አቢሎም ቅርህንትን ግጭትን ንክውላዕን ህዝቢ ምስህዝቢ ንክባላዕን ዝሥራህ ዘሎ ስርሂት ጠጠው ክብል እቱ መፍቀራይ ሰላምን ደህንነትን ዝኾነ ኩሉ ህዝቢ አብ ጎኒ ሰላም  ክአስል ይግባእ ፡፡

በቱ ዝተሰሐሐተ ሐበሬታ ተበጊሱ ህዝቢ ናብ ሐይማኖታዊን ብሔራትን ግጭት ከይአትው ናይ ህዝቢ ርክብ ሥራህቲ ክስራህ ይግባእ ፡፡ እቱ ብማህበራዊ ሚዲያ አቢሉ ዝፍነው ዘሎ ሥሁት ሐበሬታታት አስተንቲንካን መርሚርካን ምውሳድ በልሂነት ጥራህ እነተይኮነስ ናይ ሥልጡን ህዝቢ ምልክት ምኳኑ ርዱእ ብምግባርን ናብ ስልጡንን ውህሉልን አታሃሳስባ ብምስጋር ሃሳብ ብሃሳብ ብምሽናፍ አብዙሪያ ጣውላ ብምዕሳል መንገዲ ሰላም ተኸቲልካ ምኻድ ግዱስ ዛዕባ እዩ ፡፡ ክንክተሎ ዝግባእ ምህዝነት እውን ክኸውን ይግባእ ፡፡ ተዘይኮነ ሥሁታት አብዝምህዝዎ መንገዲ ምእታው አይግባእን ፡፡

ናይ ብሓቂ ነዊሕ ዝኣመቱ ግብራዊ ና ሰላምን ምርግጋዕን የድልዩና ፡፡ እቶም ተግቢሮም ዘለዉ ክኣ ካብሀዘ  ቐጻልነቶም አራጓድካ ምኻድ የድሊ ጥራህ እንተይኮነስ እግሪ ብእግሪ ምክትታል የድሊ ፡፡ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ኣዝዩ ሰፍ ዘይብል ዕዮ ገዛ ብደገፍ ህዝባዊ ህብረት ክጠናከር ይግብኦ ። እቲ ረዚን ዋጋ ዝተኸፈሎ መስዋእቲ ሰላምን ድህንነት ህዝብን ደስኪሉ ከይተርፍ ህዝባዊ ርክባት ተጠናኺሮም ክምርሹ ይግባእ ፡፡ አብ ሃገርና ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ ግጭታት እንደማሀሸካ ምኻድ ግድን ይብል ፡፡  ኩነታት ሃገርና ክንርእ ከለና  አብቱ ሀዚ እዋን ዝተፈናቐለ ህዝቢ ክጠናኸር፣ ትካላት ክቖሙ ፣ እዋናዊ ፀገማት ክእለዩ ፣  ብዘይ ወዓል ሕደር ክትግበር ህዝቢ ናብ ሉእል ሰላምን ምርግጋዕን ክሰጋገር ፣ ናይ ሐሳባት ምይይጥን ፖለቲካዊ ሥልጡንነት ክመጽእ  ክንሰርህ ይግባአና ።

ስለዝኾነ ዉሽጣዊ ጉዳያት ሃገርና ምስህዝብና  ብዕግበትን ብብቕዓትን እንዳማዕበልና  ንጡፍ ስራሕ ንምሥራህ ካብ ልብና ክንቀሳቀስ ይግብአና ፡፡ ሰላምን ደህንነት ህዝብን ሰረት ክህልዎ ይግባእ ፡፡  ንአብነት አብቀረባ እዋን አብሞንጎ ጉራጌን ቀቤናን አብ ሞንጎ አምሃራን ኦሮሞን አብሞንጎ ሲዳማን ወላይታን ዝተፈጠረ ቅርህንትን ግጭትን ናብ ዘይድሊ ምዕባለ ንክንህር ዝገብሩ ፀረ ሰላም ኃይልታታ ከምዘይሳዐኸሎም ክፈልጡ ይግባእ ፡፡ ኩሉ ዝምድና ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስ ንመላእ ህዝብና ክረብህ ዝኽእል ሥራህቲ ክንሰርህ ይግብአና ፡፡

ንሰላም ውፍይ ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላሙ ክነህድጎ አይግብአናን ፡፡ ናይ  ህዝቢ ሃሳብ  ክስማዕ ኣለዎ ፡፡ ሃሳብ ብሃሳብ መርትኦ እናቕረብካ ምሙጋት ልሙድን ዘይዕፀፍን ሥልጡን መንገዲ ክኸውን ይግባእ ፡፡ ተዘይኮነ ነቱ ንቡርን ሜንስተሪሚንግ ሚዲያ እንብሎ ልሙድ ሚዲያ  ከይተረፈ ክዕብልል ዝኽእል ፐሮፖጋንዳ ሶሻል ሚዲያ እንዳተኸተልና ብልሽው አታሃሳስባ ከየማዕበልና ፤ አብሃገርና ተጀሚሩ ዘሎ መንገዲ ሰላም ክቕጽል ዝግብአሉ መንገድታት ሰላም ክንምህዝ ይግባእ ፡፡  

ብፍላይ ካብ ሐደ ክልል ናብ ካልእ ክልል ዝተማዛበሉ ህዝብታት ናብ መረበቶም ንክምለሱ ብምግባር ንቐጻላይ ድማ ብብሄርን ብሃይማኖትን እንዳፈላለዩ ንክቅሐሐር ዝገብርዎ ኃይልታት ፈሊና ብምልላይ ክንቃለሶም ይግባእ ፡፡  ሰላም ንኩሎም ወገናት ከምዘድሊ ፍሉጥ ይኹን ፡፡  ሰላም ብመብጽባዓን ብምህለላን ዝርከብ አይኮንን ፡፡ ህዝብታት ተኸባቢሮም ዝነብሩሉ ጡጡህ ባይታ ክህልው አለዎ ፡፡

ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዚ ከማልእ ዝኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ ብምእማን ህዝቢውን ከምህዝቢ ነቱ ሰላም ንምህብሃብ ውፍይ ኮይኑ ክብገስ ይግባእ ፡፡ ኢትዮጵያ ካብሰላም ድህንነት ዝሐሸ ካልእ መማረጺ የብላን ፡፡ እታ ሃገር ከምሃገር ሀዚ ጀሚራቶ ዘላ መንገዲ ሰላም አይኮነንዶ ንባዕላ ንካልእ ዐለምውን ከምተመክሮ ክውሰድ ይግባእ ፡፡ መንገዲ ሰላም ንህዝባዊ ርክባት ዘለዎ ረብሃ ዝዐዘዘ ስለዝኾነ ካብ መንገዲ ሰላም ወጻኢኻ ንህዝቢ ዝርብሆ ካልእ መንገዲ የለን ፡፡ ሰላም ክራማት ፡፡

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy