Tigrigna

ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ፤ ፍረ ኢህወዴግ እዩ!

By Admin

July 01, 2018

ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ፤ ፍረ ኢህወዴግ እዩ!

                                                 ብፍቕረሰላም

ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አብዝተፈላለየ ኸባብታት አብዘቕርብዎ መደረ፤ እተን ቃላት እንዳሰንጠቑ ፤ ክሰምዕዎ ብዝደለዩ መንገዲ እንዳሰምዑን እንደተረድኡን፤ ዝተፈላለየ ትርጉም እንዳሃቡን አብሞንጎ አሀት ውድብ ኢህወደግ  ዝኸፈአ ምፍልላይ ንክህልው ዝሰርሁ ኃይልታት ካብ እዋን ናብ እዋን እነዳሰሰኑ ክመጹ ይራአዩ አለዉ፡፡ እቶም ኃይልታት ዝጠልብዎ ዘለዉ ፖለቲካዊ ከይዲ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ውልድ ኢህወዴግን ወካላይ ኢወዴግን ምኳኑ ተሪፉ ካብ ካልእ ውድብን ማህበረሰብን ዝመጸ ፖለቲካዊ ኃይሊ ጌርካ ብምውሳድ ሰራመሪ ዝተሓወሶ መልእኽትታት አብምትሕልላፍ ዘድሀበ ፖለቲካዊ ሥራህቲ ብምስራህ ፍሉይ አተክሮ ሂብካ ምንቅስቓስ ናይቶም ኃይልታት ስትራተጂክ ከይዲ ገይርምዎ አለዉ ፡፡   

ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ዝመርሖ ዘሎ ለውጢን መንገዲ ሰላምን ምርግጋዕን ኢህወዴግ ከም ኢህወዴግ አብዘካየዶ ዕዙዝ ተሃድሶ ፤ ህዝቢ  ገጢምዋ አብዝነበረ ፖለቲካዊ ቕልውላውን ዘይምርግጋዕን ካብኡ ሐሊፉ ድማ ካብ ሞንጎ ህዝቢ ዝመፅእ ዘሎ ህቶ ሰናይ ምምህድዳርን ብዝተሰርሀ ሥራህቲ ዘይምዕጋብን መበገሲኡ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል አብዝተገበረ ተሪር ገምጋም ውድብ ከምውድብ ካብቱ ዘምጸአቶ ፖለቲካዊን ማህበረቑጠባዊን ዐወት ንላዕሊ አብዝኸፈአ ጉድለት ሰናይ ምምህድዳርን ዐቕምኻ ፀንቂቕኻ አብዘይምስራህ ኹነታት ምህላዋ አትሪራ ፀገማታ ብምግምጋም ፍልፍል እቱ ፀገም ምስፈለየት ናብ ዘይምለሥን ፀገማት ናብምእላይን ህርኩት ሥራህቲ ክትአትው ኾነ ፡፡

ኢወድግ በዚአቢሉ አብዝጀመሮ ህዳሰ ፍረ ኢወዴግ ዝኾነን አቦወንበር ኢህወዴግ አብይ አህመድ በትረሥልጣን ምስሀዘ ፤ ውድብ ብዝሐንጸፆ መንገዲ ተሃድሶ መበገሲ ተገይሩ እቱ ሀዚ ዝርአ ዘሎ መንገዲ ሰላምን ምርግጋዕን ዘበን ይቕርታን ፍቕርን ብሐፈሽኡ ዘመን ምድማር ጌርካ ምውሳድ እቱ ጊዜ ዝጠልቦ ሥልጡንን እወናዊ መማረጺ ኮይኑ ሥለተረኸበ እቱ ለውጢ ንድህሪት ክምለሥ አብዘይክእለሉ መንገዲ ሰላምን ፍቕርን አብምኳን ይርከብ ፡፡ ኢህወዴግ ንሐቃዊ ለውጢ ከምዝተልዐለውን ካብቱ ሀዚ ዝራአ ዘሎ ከይዲ ሰላምን ምርግጋዕን ዝሐሸ መርአያ የለን ፡፡

ካብሐፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝውሃብ ዘሎ ርዕቶ ብመራኸቢ ሐፋሽ ክስማዕከሎውን ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ናብ መንበረሥልጣን ከብዝመጸሉ እዋን ንድሐር ዝርአ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን አብዲፕሎማሲያዊ ረብሐታት ዝርአ ዘሎ ዕዉት ከይዲ ዘዕግብ ምኳኑ ምስማዕ ንርእሱ ዐብይ ዐወት እዩ ፡፡

 

ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ከምመሪህነት ኢወዴግን ከምቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ፤ ብማህረሰብ እታ ሀገር ተፈታዊን ቅቡልን ክገብሮ ዝኽአለ ፤ ካብቱ ጠሊብዎ ዘሎ መንገዲ ለውጥን ሰላምን ምርግጋዕን አብታሃገርውን አንፀላሊዉ ዝነበረ ናይምብትታን ሐደጋ ተአልዩ ፤ ናብ ንቡርን ሥልጡንን ፖለቲካዊ ከይዲ ብምእታው  ብወገኑ ብዘበርከቶ ጥሉልን ጭቡጥን ተራ ምኳኑ ምርዳእ ይግባእ ፡፡ ሎሚ ምስሐለፈ እነተይኮነስ አብታሃገር ዝረአ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጽልዋ አገዳሲ ጥራህ እንተይኮነስ ዕረፍቲ ዘይህብን አስፍህ አቢልካ ክትርእዮ ከላኻ ድማ ናይታሃገር ደስቲነሽን ናብአየን መንገዲ ክኸይድ ከምዘሎ አብስግአት ዘእትዉ ኹነታታት እዩ ዝነበረ ፡፡ በዚ አቢሉ አብትህቲ ቀይዲ ዝነበሩ እሱራት ክሶም ብምቑራፅን ብይቕርታን ብምፍታህ ፤ አብታ ሃገር ዝሃሸ ናይቕረታ ዘመን ንክመፅእን እቱ ፖለቲካዊ ሥነምህዳር ክሰፍህ ተገይሩ ምስተናሐነሕቲ ውድባትውን  ሥልጡን ብዝኾነ መንገዲ ተኻቲዒኻ ጉዳያትካ አብ ጣውላ ምውዳእ ንርእሱ ንታዐዲ ሰላምን ምርግጋዕን ዐብይ አበርክቶ ነይርዎ ፡፡ እቱ ከይዲውን ዝተጻወቶ ተራ ቀሊል አይኮነን ፡፡

ግዳስ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ መደረ እንዳተለቐመን እንዳተሰንጠቐን ፤ ካብ ኮንቴክስት አውፂእኻ ዝተፈለየ ትርጉም ብምሃብ ዝተኸየደ ከይዲ አይጠቅምን ፡፡ ንአብነት ኢህወዴግ ግበረ ሽበራ ኃይሊ እዩ ኢሎም አብ ወከልቲ ህዝቢ ተዛሪቦምዮም ፤ ንናይ እከለ ብሄር ንምትንካፍ እንእከለ ብእንስሳዊ አናሎጂ አርኪሶም ብዘረባ ተንኪፎም እዮም እንደተብሃለ ዝውሃብ ዘሎ ትርጉም ካብኮነቴክስት ወፃኢ ሥለዝኾነ ክእረም ይግባእ ፡፡ እቱ ክፍለጥ ዝግብኦ ጉዳይ ኢወዴግ ማህበረሰብን ብሄርን ከዋርድን ክፀርፍን ዝኽእል አቦወንበር ክህልዮ አይኽእልን ፡፡

ኢውዴግ አብእወን ተሃድሶ እቱ ፖለቲካዊ ሥነ-ምህዳር ፀቢቡአሎ ክብል ተነሲሁ እዩ ፡፡ መሰል ሰብአዊ ፍጡር ይገሃስአሎ ብምባልውን ዐርሰነቐፌታ ወሲዱእዩ ፡፡ እታሃገር ናብ ዝኸፈአ ጉድለት ሠናይ ምምህድዳር ዝአተወት ሃገር ምኳናውን ብዘይምህረት ዐርሰነቐፌታ ገይሩእዩ ፡፡  ከምህዝቢ ይቕረታ ይገበረልና ኢልውን ዕላዊ ይቕረታ ንክገበረሉ ተመፃቢኡ ፡፡ ስለዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝገለጽሉ መንገዲ በቲ ናይ ህዳሰ ዐውዲ ምውሳድ የድሊ ፡፡

ግዳስ ተናሃናህቲ ውድባት ሃሳብ ሂዞም ንምክታዕ ይዳለውአለዉ ፡፡ ሃሳብ ብሃሳብ ነምእርናብ ከምኢህወዴግ ድልውነትና ከም አሎ ኢልካ ምህሳብ ንጽባህ ዝውሃብ ዕዮ ገዛ አይኮነን ፡፡ ፅባህ ድህሪ ጽባህ ናብምረጫ ንህንህ ምእታው ዘየተርፍ እዩ ፡፡ ከምኢህወዴግ ተሰማማኢኻን ተሪር መደብ ሂዝካን ንንህንህ ምድላው አገዳሲ መደብዩ ፡፡ ሎሚ አብ አሃት ውድባት ነፋስ እነተአተወ ኢህንምሂን ኢልካ ንህዝባዊ ረብሓታት ምድላው ግዱስን እዋኑ ዝሐቶ ሥልጡን መንገዲ እዩ ፡፡ ፍቕርን ምድማርን ፖለቲካዊ ረብሕኡ ንውለቀስብ ጥራህ እንተይኮነስ ንኢህወዴግውን እዩ፡፡ እቱ ሥረረሂት ከምነባርን ህረኩትን ውድብ ዐብይ ረብሐ ዘለዎ ፖለቲካዊን ማህበረቑጠባዊን ዕማምዩ ፡፡