Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

Aሰላም ዝናፍቕ ህርኩት ህዝቢ

0 410

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

Aሰላም ዝናፍቕ ህርኩት ህዝቢ

                                                          ብፍቕረሰላም

ድህሪ ስርዓት ወትሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደርጊ ምውዳቕ፤ አብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ስጡም ዝብሃል ዝምድና ሰላም ጥራህ እነተይኮነስ አብ ዐንፈት ማህበረ-ቑጠባዊን ፖለቲካዊ ረግዓት ምትህብባርን ዘራጉድን ዝኸፍትን ይመስል ሥለዝነበረ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ዕርቀ ሰላምን ኣብቲ ዞባ ፈጢርዎ ዝነበረ ፍሉይ ኹነታት ማንም ዝዝንግኦ አይኸውንን፡፡ አብትእዋን ህዝቢ ክልትኤን ሃገራትውን ካብቱ ዝነበሮ ህሱርን ብስግአት ዝተቖላለፈ መነባብሮ ካብ ምግልጋሉ ንላዕሊ አንዊሁ ክጥምትውን ገይርዎ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡

እዘን ሃገራት አብቱ እዋን ሰብ ራዕይ ዝነበሩን ናይ ጎሪላ ቃልሲ እንዳመርሁ ንሃርነት ዘብቅዑወን መራህተን ሂዘንን  ብሓደሽቲ አታሃሳስባ ተሓባቢረን ንምስራህ ዝነበረን ተበግሶ ክዝከር ከሎ ነዚሀዚ መጺኡ ዘሎ ለውጥታትውን ዐብይ ተመክሮ ከማቕል ይኽእል፡፡

አብቱ እዋን ካብዝነበረን ተበግሶ ተላዒለን አይኮነንዶ ንባዕለን አብቱ ዞባ ቐርኒ አፍሪካ ብሐፈሽኡውን አብቱ ቐጠና ብኢጋድ አቢለን ብሃባር ንምሥራህ ዝነበረን ትልሚ ፤ ተበግሶን ውፍይነትን አብቱ እዋን አብ ቀርኒ አፍሪካ ብሃንቀውታ ዝርአያ ሃገራት ክብሃላ ተኻኢለን ነይረን ብፍላይ ብምዕራብ ሃገራት ተዋሂብዎን ዝነበረ ፍሉይን ተሪርን ምትህግጋዝውን ዕብይ ዝበለ ነይሩ ክብሃል ይክአል፡፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ግን ንቲ ዞባ ከረጋግኡ ዝተብሃሉ ንርእሳቶም ዉን ክረጋግኡ ስለዘይኽኣሉ ንቲ ዞባ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣእቲዎሞ።

ካልእ ተሪፉ አብቱ እዋን ኤርትራን ኢትዮጵያን መስረቱ ዝኾነ ኢጋድ ካብ ሓደ ድሩት ተልእኾ ዝነበሮ ማሕበር  መገዲ ዉህደት እቲ ዞባ ክኸዉን ተበራቢሩ ንጥፈት ዝጀመረ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመታት ክዋሳወስ ከሎ መስረቱን መበራበርቱን እዘን ክልትኤን ሃገራት ነይረን እንተተብሃለ ዝተዛበአ ሐበሬታ ክኽውን አይክእል ፡፡  ፀላኢ ዐይኑ ይፍሰስ ድአምበር ከምትዝብሃል ምስላ ወለዲ ድህር ኢለን አይኮነንዶ ንባዕለን ተበግሶታት ኢጋድ ‘ዉን ኣዐንቂፈን ንባዕለን እውን ንድሕሪት መ ተመሊሰን ። ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን መብኣሲ መረብኦም ኾይነን ጥራህ እነተይኮነስ ፅልዐንን ነጸብራቕ ናይዘን ክልተ ሃገራት ንጎረባብተንውን  ጸሊዩወንዩ።

በቱ ዝተፈጠረን ክኸውን ዘይነበሮ ኵናት ኣብዚ ዘይተኣደነ ዓቕሚ ሰብ ፣ ህይወት፣ ቑጠባዉን ንዋታዉን ዕንወት ዘስዐበ ኵናት ብኽልቲኡ ዶባት እዘን ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ደራዕ ናይቲ ኵናት ብቐጥታ ተሰኪሙዎ።

 

ኵናት ጠጠዉ ምስ በለ  ብኻልእ ሜላ ተባሂሉ ዝፍለጥ ‘ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት’ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ክልቲኡ ናይ ዶብ ህዝቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ርክባት ዓንቂፉዎ፣ ጋሪዱዎ ጥራሕ ዘይኾነ ክረብሑዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ቑጠባዊ ኩነታቶም’ዉን ኣደስኪሉዎ ።   ሕዚ ዝበጋገስ ዘሎ ናይ ሰላም ኩነታት ነዚ ኹሉ ዝተኸሰረ ዕድላት ብምክሓስ፡ ነቲ ዞባና ንቕድሚት ብሓድሽ ናይ ምትሕብባርን ይቕረ ምብህሃል ናይምድማርን መንፈስ ንቕድሚት ክንህር እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበርሎ ።

ኣብ ዉሽጢ ሓጺር ግዜ ንኩለን ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ እዘን ሃገራት ብሓባር እንተዘይሰሪሐን ኣብ ዓለም ንኣሽቲ ቓጽዖታት ክኾና ከምዝኽእላ፡ ብሓባር እንተድኣ ሰሪሐን ግና ጥንኩር ቐጠና ምፍጣር ከምዝኽእላ አብዝረኸበን መድርኻት አጠንኪሩ ክዛርብ ይስማዕ ። እቱ መደረ ንአመል ዝአክል ዝዝረብ ጉዳይ ከይኮነስ ብናህሪ ክንክተሎ ዝግብአናን አብ እዋን ግሎባላይዘሽን ካብዚ ንነጀው ርሂቕካ ምጉዐዝውን ከምዝይክአልን ብሐፈሽኡ ሥልጡን መንገዲ ሥለዝኾነእዩ ፡፡

ካብ 1991-94 ዝነበሩ እዋናት ዝነበረ ራእይ ግን ድማ ብሰንኪ ዝኣረገ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ዕድመን ደስኪሉ ዝነበረ ራኢ ብዚ ሓድሽ ሓይሊ ተበጊሱ ዘሎ ምንቕስቓስ አብቲ ዞባ ወሊዕዎ ዘሎ  ተስፋ ናብ ፍሉይ ማህበረቑጠባዊ ብርኪ ከሰጋግር ዝኽእል መደብዩ ። ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን ኽፋል እቲ ዞባ ከም ምዃነን ድማ እዚ ብቐጥታ’ዩ ዝጸልወን ። ኤርትራን ኢትዮጵን ን20 ዓመታት ዝሓዘልኦ ዘይተፈትሐ ሽግረን፡ እቲ ኢትዮጵያ ቦኺራትሉ ዝነበረት ስጉምቲ ግብራዊ ንምግባር ዘኽእል ምቅርራብ ብጅማር ባቐዳማ ሚኒስትር አብ አህመድ ዝውሰድ ዘሎ ንጡፍ ዲፐሎማሲዊ ከይዲ ንክልትኤን ሀገራት ዘለዎ ተዋጽኦ ተረባህነት ክልትኤን ሃገራት ዐብይ እጃም አለዎ ፡፡

ናይ እቱ ዝነበረ ጠንቂ መቦቅሉን ፍልፍሉን ናብ ውልቀሰባትን ናብ ገለ ገለ ውድባት ዝላኾኽ ጠንቂ እነተይኮነስ ውድብ ኢህወዴግ ከምውድብ አብእዋን ተሃድሶ ብንፁር ዝርአዮን ዘስተንተኖን ብምኳኑ ዝተሰርሀ ውፅኢት ተሪር ሥርሂት እዩ፡፡ ነዚውን ብህዝባዊ ድጋፍ ተዐጅቡ ዝምርሽ ዘሎ፡፡ እቲ ዝነዉሐ  ኵናት ዶብ ኢትዮጵንን ኤርትራን ዝኸፍአ ኵናት ተኻይዱዎ ዝያዳ ኣካታዒ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ጉዳይ ክኣ ምስ ክልል ትግራይን ዓፋርን ዝዳወብ ብምኳኑ እቱ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ መንገዲ ሰላም ናብ ዝዐበየ ብርኪ ብምስግጋር ፓፐሊክ ዲፐሎማሲ መሰረት ዝግበረ ናይ ህዝቢ ምስህዝቢ ናይምረኻብ ፃዕሪ ናብ ዝሃሸ መንገዲ ሰላም ከምዝወስድ ብምእማን እቱ ጻዕሪ ክጥንክር ይግብኦ ።

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy