Tigrigna

ህብረት ህዝብታት ዘራጉድ፤ ህንፀት ግድብ ህዳሴ

By Admin

August 12, 2018

ህብረት ህዝብታት ዘራጉድ፤ ህንፀት ግድብ ህዳሴ

ብፍቕረሰላም

አብ እዋን ሥልጣን 100 ዕለታት ቀዳማይ ሚኒስተር አብይ አህመድ ካብዝተረኸበ ዐወት እቱ ዝዐብየ ዐወት ዲፕሎማሲ ርክባት ሃገርና እዩ ፡፡ ካብዚውን ብፍላይ ሩባ ዓባይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተጠቀምቲ ምስ ዝኾና በዓል ሱዳንን ግብጺን ዝተፈጠረ ርክብ ድማ አብቱ ቀጣና ዐብይ ክስቢ አለዎ ፡፡ ሳእቤንን ምስህሃብን  ዓድታት ብፍላይ አብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ምክሩኳህ አይፍጠርን ኢሉ ዘይአመተን ዘይሰተንተነን መራኸቢ ሃፋሽ አይነበረን፡፡ ግዳስ እቱ ንጡፍ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብናይ በዓልና ፍልፍል ቁጠባ ፤ ባዕልና ማሃንዲሳትን ሃነጽቲን ኮይና ክንዛዝሞ ኢና ዝብል ዘይህለል ጭረሖ ሃንጊጥናን አብ ትህቲ ህንፀት ዓሪድናን ዛጊድ ሹድሽተ ዓማውቲ ቆፀርና፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሃፈሸኡ እቱ ንጡፍ ህዝቢ  ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ዘየትሃለለ ጻእሪ እቱ ታሪካዊ ዐብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እነሆ ሀዝውን ህንፀቱ ጠጠው ከይበለ ይምርሽ አሎ ፡፡ ወዲ ሰብ አብከይዲ ህይወት ዘይአጋጥሞ ፀገም የለን አይብሃልንሞ ብሞት ኢንጂነር ስመኘው ጠጠው ክብል ዝኽእል ህንፀት አይህልውን ፡፡ ግዳስ አብቱ ህዝቢ ተፈጢሩ ዘሎ ህልኽ ናብ ዝሐሸን ዕብይ ናብዝበለ ብርኪ ከብጽሖ ይኽእል ድአምበር ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሩባ ኣባይ ንእተካይዶም ንጥፈታት ልምዓት ሃይሊ ኤሌክትሪክ ክትሃንፅ ከላ ናይካልኦት  ሃገራት ዝጎድእ ነገር ኣይንሰርሕን ኣብ ዝብል ሓሳብ ምፅናዕናውን አብዝተፈላለየ እዋን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እንትካየድ ከሎ ሃበሬታ ካብ ምውሃብ  ውዒልና አይንፈልጥን ። ይኹን’ምበር እዚ ዘተኣማምን ቴክኒካዊ ፅንዓት እቲ ግድብ ተግባራዊ እንተኸውንን ህንፀት እቲ ግድብ ንሱ መሰረት ገይሩ እንትኸይድን ናብ ዝበለጸ ምትእምማን ከሰጋግረና ከምዝኸእል ብምትእምማን እቱ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ሥራህቱ ከይትዓናቐፍ ብወገን ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ዘይትሃለለ ጻዕሪ ብፍላይ ሱዳን ካብእኡ ድማ ግብፂ ርድኡ ከምዝገብርኦ ርድኡ ብምግባር ንቕድሚት ክንቅጽል ይግባእ፡፡

አብቱ ሀዚ እዋን ምስኤርትራ ፈጢርናዮ ዘለና መንገዲ ሰላም ክህሰብ ከሎ ንህና ካብ አብይ ግድብ ህዳሰን ካልኦት ግድባትናን ንረኽቦ ናኤሌክትሪክ ኃይሊ ንአቶም ብምሻጥ ንሳቶም ድማ ዐሰብ ንአና ብምክራይ ማህበረቑጠባዊ ርክብና ናብ ዝሐሸ ብርኪ ክነሰጋግሮ የኸእልና ፡፡ እቱ ሀዚ ረኺብናዮ ዘለና ሰላም ንምርጓድውን ዐብይን ዘይናዐቅን ተዋፅኦ ይገብረልና ፡፡  ናይ እተን ታህተዎት ሃገራት ድሌታት ማይ ክሳብ ዘይተተንከፈ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ ጎንፅን ምኩርኳህን ፍልፍል ክኸውን ከምዘይኽእል ብዕሊ ክፍለጥ ይግባዕ ፡፡ ኣብ እቱ ዙርያ ግድብ ተፈጢሩ ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ ኣፅርዮም እቲ ተቛሪፁ ዝነበረ ልዝብ መሊሱ ንክጅመርን ሓደ መዓልቦ ንምግባር ዝተበረ ፃእርታት ዲፐሎማሲ እውን ክራጎድን በቱ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ሀዚ ዝኽተለዎ ዘለዉ ናይፍቅርን ናይሰላምን መንገዲ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ከሰጋግሮ ከምዝኽእል ይእመን ፡፡

ናይቲ ተፋሰስ ሰለስቲአን ምብራቓዊ ክፍሊ ሃገራት ማለት’ውን ኢትዮጵያ፥ ግብፅን ሱዳንን ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ጀሚረነኦ ዝነበራ ዝርርብ እነዳተጠናኸረ ንክኸይድ ዝግበር ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ እነዳተጠናኸረ እነተኸይዱ ከምቱ ፀላኢ ቀትርን ለይትን ዝሃልሞን ዘጋውሖ ሃጠው ቀጠው እንተይኮነስ ንተን ስሉሳት ዓድታት ከርብህ ዝክእል መደብ ልምዓት ሂዝና ንምንቅስቃስ ዘኽእል ጥጡህ ባይታ ከመዘሎ ምርድአ ይክአል ፡፡ እተን ሃገራት ኣብ ካልኦት ጉዳያት ማለትውን ምርድዳእ ዝተበፀሐሎም ሓባራዊ ጉዳያት ስምምዕ አብ ዝበፅሐሉ ዕማማት ፤ ፍሉይ አተኩሮት ሂበን እንተተንቀሳቂሰን  ናብ ዝሃሸ ዲሎማሲያዊ ርክብ ክሰጋገራ ከምዝኽእላ ርዱእ እዩ ፡፡

ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ሓባራዊ መትከላት እንዳኽበርካን እቱ በቀዳማ ሚኒስትር አብ አህመድ ተጀሚሩ ዘሎ ዲፐሎማሲያዊ ምርድዳእ እነዳጠናኸርካን ምምራሽ ወሳናይ እዩ ፡፡ ቀዳማ ሚኒስትር አብይ አህመድ አብቀረባ እዋን ብወገን ግብፂ ዝተአተዎሎም ቃል ከምዝህለው ብምግማት ስፍህ ብዝበለ መንገዲ ዝካየድ ዘሎ  ዑደት ትርጉም ዘለዎ ልዝብ ንኽካየድ ዓብይ በሪ ክኸፍት ከምዝኽእል ተስፋ ይግበር ።

ብዝትፈላላዩ እዋናት ዝተፈላለያ ዓለምለኻዊ መራኸቢ ኃፋሻት ክወሃቡ ዝፀንሑ መግለፂታት ከካትዑን ከዘራርቡን ከምዝነበሩ አብ ግምት ብምእታው ብፍላይ አብቱሀዚ እዋን ድማ ምስቱ ናይ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ህልፈት ወሳሲኾም ከህልፍዎ ዝኸእሉ ዜይተረጋገፀ ሐበሬታ እንዳነጸግናን አብዘይምልከተና ጉዳያት ጠውለቕ እንተይበልናን ምስ ህዝብና ዝጀመረናዮ ዐብይ ልምዐታዊ ዕማምና ክንዛዝም ግድንዩ ፡፡