Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ህዝባዊ ተሳትፎና ንሰሰን ሐዱሽ ለውጢ

0 514

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ህዝባዊ ተሳትፎና ንሰሰን ሐዱሽ ለውጢ

ብፍቕረሰላም

አብ ወሰን ኢትዮ ሶማልን ኦሮሚያን ሐሐሊፉ ድማ አብ ካልኦት ክልላት  ሕዚ ብምኽንያት ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ብዝመስል ቅልዉላውን ጎንጽን ሃዲሞም  አብዝትፈላላየ ኸባቢታት ተዓቝቦም ዘለዉ ኢትዮጵያዊን ዋላኳ እቱ ቑጽሩ  ብዕሊ አይፈለት ድአምበር ፤ ብኃይልታት ምክልኻል ሃገርን ብፍሉይ ኃይሊ ፌደራል ፖሊስን  ድጋፍ እነዳተገበረሎምን እቱ ኹነታታት ንክሃድእ ፌደራል መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ዘይተሐለለ ጻእሪ ካብ እዋን ናብ እዋን እንዳተረረ ይኸይድ ከምዘሎ ይፍለጥ ፡፡ በዚ አቢልና ክንምልሶ ዝግባእ ዐብይ ህዝባዊ ህቶ ግን አሎ ፡፡ አብቱ ሀዚ ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዘላ ሐዱሽ መንገዲ ለውጢ ከምዚ ዝዐይነቱ ቅልውላው ክፍጠር ምኸአሉ ንቡርን ግምታዊ እዩ ፡፡ ግዳስ እቶ ነዊህን ስትራተጂካዊ ፍታህ ንምምጻእ ግን ፍልፍል እቱ ጸገማት ብዕሊ ምፍላጥ የድሊ ፡፡

ንአብነት ካብቱ ንቡርን ህዝባዊ ፍቅርን ሐድነትን ብዘየገድስ ብሄር ተኮር ጎንጽን ቅርህንትን ውጥም ቅልቅል ክብል ይርአ ፡፡ ልሙድ ብዘይኮነ መንገዲ መጠኑ ዕብይ ዝበል ናይ ጦር ናውቲን ዶላርን ገንዘብ እታ ሃገር ውሲኹ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክትሐላለፍ ከሎ ብሐይልታታት ጸጥታን ፖሊስን አብቑጽጽር ክውዕል ብመራኸቢ ሐፋሽ ክጽብፀብ የስማዕ ፡፡ ከምዚ ዝዐይነቱ ዘይሕጋዊ ከይዲ አብታ ሃገር መጺኡ ዘሎ ለውጢ ዋላ እነኳ ከዕንቅፎ አይኸአል ድአምበር አብ ዜጋታት ብጉድለት ጸጥታን ደህንነትን ስግአት አይሀድርን ኢልካ ምድምዳም ግን አይክአልን ፡፡ ፌደራል መንግስቲ ይኹን ክልላዊ መንግስታት ድማ ሃለዋትን ደህንነትን አብምህላው ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ካብርጓድ ንላዕሊ ህዝውን መቦቀል እቱ ጸገምን ስትራቴጂካዊ መፍቲህኡን ምእላሽ ግን ንጽባህ ዘይብሃል ዕዮ ገዛ እዩ ፡፡   

ኣብ  ዓዉዲ ንግዲ  ተዋፊሮም ናብርኦም ዝመርሑ ዘለዉ ነገድቲ አብ መዳይ ሕርሻ ዝንቀሳቀሱ ገባራት አብ  መንግስታዊን ውልቃዊን ግልጋሎት ዝሰርኡ ሰራህተኛታት ፡ ህዝባዊ ተሳትፍኦም ብምስሳን እቱ ዝመጸ ለውጢ ናብዝሐሸ ብርኪ ንምስግጋርን እቱ ንቡር መደብ ሥራህቲ ብዘይ ዕንቅፋት ንምስራህ ዘተዐናቕፍ ፍሉይ ኩነታት ስለዘይለ እቱ ንቡርን ሥሩዕን ሥራህቲ ክስራህ ምግባር ናይግድንዩ ፡፡  ብፍላይ ተምሀሮ ዐበይቲ ትካላት ዩኒቨርሲቲ ሕዚ በቲ ኣብዚ ሰሙን ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጽን መጥቃዕቲን እዚ ስድራ ኣብ ልዕሊ ንብረቱ ካብ ዝበጽሐ ዕንወት ብዝሰገረ ኣካላዊ ጥቕዓት ተፈጺሙዎ ንግዚኡ ነብሱ ሓቢኡ ናብ ዘድሕነላ ከባቢ ምስ ካልኦት ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ ተመዛቢሎ ዘለዉ ዜጋታት ንምህብሐብ ዝገብርዎ ዘለዉ ዜግነታዊ ሥርሂት  ከምአብነት ክውሰድ ይክአል ።

ሐፋሽ ብዐብዩ  ብፍላይ ድማ እቱ መንእሰይ ወለዶ  ብሄር ተኮርን ዓሌታዊን ጥቕዓት ከይፍጸም ፤  ኣካላት ጸጥታ ነዚ ጉዳይ ንምህዳእ ዝገበርዎ ዘለዉ  ጻዕሪን እቶም ግዳያት ንምድሐን አብ ዝግበርዎ ህዝባዊ ምንቅስቃስ  ህዝቢ ብወገኑ ንጡፍ ተሳታፋይ ንክኸውን ትጽቢት ይግበር ፡፡ ምሁራን ናይቱ ጎንጽታታት ፍልፍል መርሚሮምን አስተንቲኖምን ምስፍታሁ  ሃሳብ ብምቕራብ መንገዲ ክህብሩ ይግባእ ፡፡ ሀዚ ተፈጢሩ ዘሎ ለውጢ ንድህሪት ንምምላስ እቱ ዝግበር ዘሎ ሸርሂን ወንጀልን ብምቅላዕን እቶም ገበነኛታታት ካብህዝቢ  ንክንጸሉ ብምግባር ብህልፊ መናእሰይ ፍሉይ ተዋሳእቲ ክኾኑ ትጽቢት ይግበር ፡፡ አብ ሞንጎ መናእሰይን ህዝብን ክግበር ዝግብኦ ህዝባዊ ርክባትውን ክጥንክር ይግባእ ፡፡

እዚ ንምግባር ድማ እቶም መናእሰይ ናይ ህጊ ልዕልነትን ስሪህት ህጋዊነትን ብዕሊ ተረዲኦም እቱ ማህበረሰብ ንምምሀር ናይ ቀዳሚነት ተራ ክጻወቱ ይግባእ ፡፡ እቱ ዝመፀ ለውጢ  ንቕድሚት ንክቕጽል ናይቶም መናእሰይ ድረሻ እንታይ ክኸውን ከምዝግብኦ ብዕሊ ክፍለጥ ይግባእ ፡፡ ካብታ ሃገር ዲሞክረሲያዊ አሰራርሃን ሰላምን ደህንነትን ብህልፊ ተጠቃሚ ክኸውን ዝኸእል ብፍላይ እቱ መንእሰይ ወለዶን ተረካቢ ሃገርን ምኳኑ  ምርዳእ የድሊ ፡፡ ብአንጻሩ ድማ እቱ ሀዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሉይ ናይ ለውጢ ፀጋ እንተደስኪሉን እነተፈሺሉን ድማ በቱ ዝሃመቐ ውጽኢት ቀዳማይ ግዳይ እቱ መንእሰይ ወለዶ ክኸውን ከምዝኽእል ምርዳእ የድሊ ፡፡ እቱ ለውጢ ንቕድሚት ክምርሽ አብ ምግባር ማህረሰብ ግድኡ ክዋጻእ ይግባእ ፡፡ ህብረተሰብ ምስ ደቁ መናእሰይ ድማ ምስ ወለዶም ኢህን ምሂም ተባሂሎም ናብ ናዕብን ዘየምርግጋዕን ካልአይ ንከይንጽምበር ፍሉይ ጻዕሪ ከምዘድሊ ብንቡር ክንርዳእ ይግባእ ፡፡

ካብቱ ንቡር ኩነታት ከምንርድኦ ዝግበአናን አብሐደ ሐደ እዋን ንሪኦ ዘለና ፀገማት አሎ ፡፡ ገበን ዘለዎም ክፋል ህብረተሰብ ንምቅላዕን ናብ መገባእያ ፍትሂን ፍረዲን ንምቕራብን ከሳሳይ ብዓልካ ፈራዳይ ድማ ብዓልካ ምኳን አየድልይን ፡፡ ብፍላይ መናእሰይ  ሀዚውን ህገመንግሥታዊ አሰራርሃን ልዕልነት ህግን ብዕሊ ተረዲኦም ነቶም ዝረዐዩ ዘለዉ ጸገማት ንምእላይ ካብኦም ንላዕሊ ተሐላቓይ ክኸውን ዝግብኦ ክፋል ህብረተሰብ ክህልው አይግባእን ፡፡

ብፍላይ  ዝበጽሕ ዘሎ  ብሄር ዝፈለየ መጥቃዕቲ ንምድሓንን አብዝግበር ሰብአዊ መሰላት ምህብሃብን ካብ መንእሰይ ንላዕሊ ፤ ብሀፈሽኡ ድማ ህዝቢ ለምህዝቢ ተሃላቓ ኮይንካ ምርካብ ወሳናይ እዩ ፡፡ አብቱ ሀዚ እዋን መናእሰይ አብ እዋን ዕረፍቶም ህዝቦም ንምህጋዝ  ዝገበርዎ ጻዕሪ ዝንእዱ ክፋል ህብረተሰብ ካብምርኤ ንላዕሊ ዘሕጉስ ጉዳይ አይህልን ፡፡ በዚ አቢልና ሀፍታም ግን ከዐ ድኻ ዝኾነት ሃገርና ናብዝሀሸ ዲሞክራሲያዊን ልምዐታዊን ሃዋህው ንክሰግር ህዝባዊ ሐላፊነትና ንዋጻእ ፡፡ ሰናይ ክራማት ፤

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy