Tigrigna

ሓጹር ኣፍሪሱ፤ ድልድል ዝሃነጸ ዕላዊ ዑደት

By Admin

August 05, 2018

ሓጹር ኣፍሪሱ፤ ድልድል ዝሃነጸ ዕላዊ ዑደት

                                                            ብፍቕረሰላም

እቲ ሓጹር ኣፍሪስና ፤ ድልድል ክንሃንጽ ኢና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኻየደ እዚ ኣኼባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኣብ ዋሽንግተን፣ ሎስኣንጀለስን ሚኒሶታን ዝርከቡ ኣካላት አብዝገበሮ አኼባ ዕውትን ስልጡንን ካብምኳኑ ንላእሊ  ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከባ መራኸብቲ ሓፋሽ ማሕበረሰብ ድማ ነቲ ምድላው ዐብይ ሽፋን ብምሃብ ምስሊ ሃገርና አብምህናጽ አብይ ጽዕንቶ ምፍራይ ከምዝተኽአለ ዝተፈላለዩ ፍልፍል ሃበሬታታት ክፍንዋ ቀንየን ፡፡

እዚ ምድላዉ ዘተሓባብራ  ኮሚቴታት ከምዝበልኦን ብቐጥታ ፈነወ መራኸቢ ሐፋሻት ከህልፍኦ ካብዝነበራ ሐብሬታታት ዝተኸታተሉ ዜጋታት ካብዝህብዎ ርእይቶ ምርዳእ ከምዝክአል እኹል ምድላዉ ተገይሩ  ኣብ ዋሽንግተን ፤ ሎስኣንጀለስን ሚኒሶታን ዝነበረ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ዕላዊ ዑደት ንሃገርና ጥራህ እንተይኮነስ ብሐፈሽኡ ንቐርኒ አፍሪካ ዝጠለቦ ዲፕሎማሲዊን ማህበረቑጠባዊን ረብሐ ዘዕግብ ከምዝኾነ ርዱእ ምግባር ይክአል ፡፡

እቲ ምድላዉ ክልተ መልክዕ ዝሓዘ እንትኾን፡  ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ጥራሕ መደረ ዘስመዐሉ እቲ ኻልኣይ ድማ ወከልቲ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ካልኦት ሰባትን  ዝሳተፍሉ መድረኽ ሕቶን መልስን ስለዝነበርን እቱ ብዥታ ዝፈጥር ዝነበረ ሃሳባት ከይተረፈ ብምምላስ በኡ አቢሉ ሃገራዊ ምርድዳእን ሃድነትን ዘማዕበለ ኹነታታት ከምዝፈጠር ምርዳእ ተኻኢሉ ፡፡

መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር  ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናብዚ ዝሰርሖም እወንታዊ ስራሕቲ ዝሙጎስሉ እቲ ብዝሒ ዘለዎ ሰብ ዝሳተፈሉ መድረኽ ከምዝኾነውን ምርዳእ ተኻኢሉ ፡፡ ኣብታ ሃገር ኣለዉ ዝበሃሉ ሕጽረታት ተላዒሎም ዝዘተየሉ መድረኽውን ድሙቕ ከምዝነበረ ምርዳእ ይክአል ፡፡ ኩነታት እታ ሃገር ዘተሓሳስቦ፣ መስተኻኸሊ ስጉምታት ክዉሰዱ ኣለዎም፣ ትኹረት ዘይተገረበሮም ዉሽጣዊ ጉዳያት ኣለዉ፡ ኣብ ዝብል እቲ ተሳታፊ ከከም ኣመጻጽእኡን ዉክልንኡን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ብዘይ ምሽቑራር ከሰምዕ ከሎ  እቲ ሓጹር ኣፍሪስና ፤ ድልድል ክንሃንጽ ኢና ዝብል አታሐሳስባውን አብመሬት ወሪዱ ክራአ ቐኒዩአሎ ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ  ኣሕመድ ምስ ነበርቲ እዘን ከተማታት ኣብ ዘካይዶ ዘተ ካብ ዝለዓሉ ሃገራዊ ጉዳያት ብዝሰገረ ከምሐደሃገር ህዝቢ ኢድንኢድ ተተሐሒዙ እቱ ተሳታፋይ ሐጎሱን ፍቕሩን ካብልቢ ከነጸባርቅ ተራእዩ ፡፡

ብሃገር ደረጃ ዝርአዩ  ዘለዉ አተሓሳስባታትን ጉዳያትን  ብምቕራብ ብብርኪ ክልል ዘለዉ ከም ኣካል ኢትዮጵያ እንዳተውሰዱ ብዝህ ዝበሎ ሕቶታት ተላዒሎም’ዮም። እዚ መድረኽ ብኣግባቡ ንምጥቃም  ኢሂን ምሂን ተባሂሉ ዝፀንሀ ተሳታፋይውን በብግደ ህቶታቱ እነዳልዐለን ብቑእ ምላሽ እነዳረኸበን ብፍሉይ ምምኽኻርን ብስርዑን ፍጹም ሰላማዊን ሥርዑን ዝኾነ ዑደት ተገይሩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ናይ ህድህድ ሕብረተሰብ ኣገደስቲ ዝኾኑ ክምለሱ ኣለዎም ዝተብሃሉ  ኩለ መዳያዊ ጉዳያት ብምንጽብራቕ መለክዑ ነቲ ሕብረተሰብ ዝወከሉ ውለቀሰባት ድምጺ እቱ ህብረተሰብ ብምዃን ክገልጽ ዘኽእል ኣቀራርባን ኣካይዳን ብምኻድ መስተንክራዊ ስራህቲ ተሰሪሁ ፡፡

ኣብ ዋሽንግተን፣ ሎስኣንጀለስን ሚኒሶታን ዝርከቡ ኢትዮጵያዉያን ብበዝሒ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሕቶታትን ካልኦትን ብምድርጃው ዘቅረብዎ ህቶታት ካብምምላሱ ንላዕሊ ርክብ እቶም ኢትዮጵውን ዘስጠመ ዑደት ክመዝነበረውን ይዛረቡ፡፡ እቱ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ  ርክብ ድማ እንዳሰጠመ ክኸይድ ከምዝኽእል እምነቶም ንመራኸቢ ሐፋሽ ዝገለጹ ኢትዮጵያውያን ቑፅሮም ቀሊል አይኮነን፡፡

እቶም ኢትዮጵያውያን ብዘቕረብዎን ብናይ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ዲፐሎማሲዊ ጻዕርን   ልክዕ ከምቲ ካልእ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያዊያንውን ሰሞም ዝጽዉዓሉን ወይ ነቲ ከባቢ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ዝገልጽ ዓሸራ እንክቅመጥ ብዝተገብረ ጻእሪ መንግድታት አብምስያምን ማዐልቲ ኢትዮጵያውን አብምስያመን  ዝተረኸበ ውፅኢት ከምዲፐሎማሲያዊ ዐወት ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር አብይ አህመድ ጌርካ ምውሳድ ይክአል ፡፡

ካብ መላእ ኣፍሪቃ ብሽም ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝተሰየመ መገዲ ኣብዛ ሃገር ስለዘይነበረ ፡ናይ ኢትዮጵያ ስያመ ብሕታዊ ምዃኑ ከምዘኹርዕውን ምህሳብ ይግባእ ።  ምልዉዋጥ ስምዒት ኢትዮጵያዉያን ክህሰብ ከሎውን ኣብ ዋሽንግተን፣ ሎስኣንጀለስን ሚኒሶታን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መሪሕነት ካብ ዝመጽእ ናብዚ እቱ ርክብ ኢትዮጵያውያን  ምምሕያሽ ይርአ ኣሎ። ሕዚ ብጎባን ዓይኒ ምርእኣይ ተሪፉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምዝታይ ከምዝጀመሩውን ይረአ አሎ ክብሉ ርኢቶ ዝህቡ ኢትዮጵያውያን ይበዝህአሎ ፡፡

ብሐፈሽኡ ናይ ቀዳማ ሚኒስትር አብ አህመድ ናይ አሜሪካ ዑደት ምሰቱ አብውሽጢ ሃገር ዝተጀመረ ናይምድማርን ናይ ፍቕሪን ሃዋህው ተጸንቢሩ ናይ ሎም ዘበን ዐብይ ዲፕሎማሲዊ ዐወትዩ ፡፡