Tigrigna

መገዲ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደተኛታት

By Admin

August 05, 2018

መገዲ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደተኛታት

                                    ብፍቅረሰላም

ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዐት ሃገርና ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ሃገራት  ክሰግሩ ዝፈተኑ ኢትዮጵያውያን ተጓዓዝቲ ፤ ጃልብኦም ብማዕበል ብምግልባጠን ምኽንያት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ቑጽሪ ኢትዮጵያውን ካብ እዋን ናብ እዋን እንዳወሰኸ ድአምበር እናዳቐነሰ ይመጽእ ከምዘይሎ ሰብ መዚ ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣለምለኻዋ ተሐለቕቲ ሰብአዊ መሰላት እብ ዝተፈላለየ እዋን ኣፍሊጦምዮም፡፡ ህዚውን በብእዋኑ ብጸብጻብ መልክእ ክህብሩ ይስማእ ። ካብቱ ሀደጋታት ባህሪ እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ከም ዝገለጽዎ፡ ብፍላይ ብምግልባጥ ጃልባ ምኽንያት ኣብ የመንን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ስራሕ ክደልዩ ዝተበገሱ ሰባት ባህሪ ወሽመጥ ዓረብ ውሂጥዎም ዝተረፉ  መናእሰይ ክህሰብ ከሎ አብወለዲ ዝፈጥሮ ስነአእምሮአዊ ምስክህካህ አዴታት ይቑጸረኦ ይብሉ ፡፡

ካልእ ተሪፉ አብቀረባ እዋን ብዝተፈጠረ ሐደጋን ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ዘቕረቦ ጸብጸብ ከምዝሐበሮ ካብቶም  ኣብ ወሽመጥ ዓደን ዝጠሓሉ ግዳያት፡ 37 ደቀተባዕትዮን ትሽዓተ ደቀንስትዮን ምንባሮም ሓቢሩ ። አብ ወርሒ ልዕሊ 7,000 ስደተኛታት በዚ ሓደገኛ መገዲ ይጓዓዙ ክብል እውን ይጽብጽብ ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ከባቢ 100,000 በዚ መገዲ ተጓዒዞም  ይብል እቱ ትካል አብዘውጽኦ እዋናዊ ሐበሬታ ፡፡ ብፍላይ የመን ንቐርኒ ኣፍሪቃ ብዘለዋ ቅርበት” ከም ኣፍደገ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኤውሮጳን ስለእተረአ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ስደተኛታት በዚ መገዲ’ዚ ክጎዓዙ ጸኒሖም ኣለዉ ። እንተኾነ እታ ሃገር ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ጸንኩር ሰብኣዊ ቅልዉላዉን ኣጋጢሙዋ ምህላዉ ክህሰብ ከሎ ድማ እቱ ኹነታት ክንደይናይ መስካህከሂ ምኳኑ ምርዳእ ይክአል ። ካልእ ተሪፉ ኣብዚ እዋን ክህሰብ 700 ሺሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት ከምዝርከቡ ሕብረት ኣፍሪቃ ምግላጹ ክህሰብ ከሎ ድማ እቱ ኹነታት ናብ አየናይ ሐደገኛ መንገዲ ዘምርህ ከምዘሎ አብ ግምት ብምእታው መፍትሂ ክማሀዘሎ ከምዝግባእ ምህሳብ የድሊ ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣብ ሊብያ ዝነጥፉ መራሕቲ ስርዓተ-መርበብ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ማዕቀብ ይደንግግ ድአምበር እቱ ኹነታት ካብእዋን ናብእዋን እንዳነሃረን እንዳኸፈአን  ካብ ምኻድ ዝዐገቶ ኹነታት አይርአን ፡፡ በዚ አቢሉ ናይቱ ጸገምን ቅልዉላውን ጉዱአት ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ቑጽርውን ቀሊል ከምዘይኮይነ ምግማት ይክአል ፡፡

ኣስማት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ኣብ ዝርዝር ኣህጉራዊ ማዕቀብ ከአትዉ ንመጀመርታ እዋን የኹንድአምበር ካብ መምርሒ ምህንጻጽን ማዕቀብ ካብ ምጽዐን ንላዕሊ ንገቢራዊነቱ አጸንቂቕካ ምስራህ ከምዘድሊ ተሐለቕቲ ሰብአዊ መሰላት ይህብሩ ፡፡  እቶም ኣብ ጸሊም መዝገብ ዝሰፈሩ ሰባት ሽዱሽተ ክኾኑ ከለው፡ ኣርባዕተ ሊብያውያንን ክልቲኦም ድማ ካብ ምብራቅ አፍሪቃ ምኳኖም እቶም ጸብጻባት ይህብሩ ፡፡

እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ነቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ውሕስነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምምዝማዝ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ብባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ኣሰጋጊሮም ብዝብል ዘይተረጋገጸ ሃበሬታታት መበገሲ ብምግባር  ሀዚውን ካብቱ ዝፈጠር ዘሎ ህዝባዊ ኪሳራ ክእለዩ ዘይክአሉ ኢትዮጵዊያን ብምእላይ በብኸባቢኦም ጭቡጥ ሀበሬታን ናይቱ ቅልውላውን ዘስከህክህ ኹነታታትን መረዳእታ ብምሃባር ካብ ተወሳኺ ሥህተት ንምእርናብ ህዝባዊ ትካላት አትሪረን ክሰርሐ ይግባእ ፡፡

ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይቶም ኣሰጋገርቲ ብምውዳቖም ኣደዳ ማህረምትን ካልእ ስቅያትን ኮይኖም አብስቓይ ከምዝርከቡውን ጭቡጥ ሐበሬታ ብምቕራብ ምምሃር የድሊ። እቲ ዝተደንገገ ማዕቀብ እገዳ ዓለማዊ ምንቅስቓስን ምድስካል ርእሰ-ማሎምን ዘጠቓለለ ንክኸውን ድማ  ብፍላይ እማም አፍረቃውን ክኸውን ይግባእ ፡፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣፍሪካውያን ንሊብያ ብምስጋር ናብ ኣውሮፓ ከም መሰጋገሪ ይጥቀሙ ከምዘለዉ ክህሰብ ከሎ ብፍላይ ኢትዮጵያ ድማ እቱ እማም ብህልፊ ብምውሳድ ውጽኢታዊ ክኸውን ትውስዶ ዘላ ስጉምቲታታት አጠናኺራ ክትቅጽልን  ከምመጠን ማእኸል ህብረት አፍሪቃ ግቡአ ክትዋጻእን ከምዝግባእ ርዒቶ ዝህብሩ ሰባት አይጠፍኡን ።

እቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ማዕቀብ ድሕሪ`ቲ ኣብ 2017 ህዝቢ ዓለም ዘቖጠዐ መደበር ቴሌቪዥን ሲ ኤን ኤን ገለ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከም ጊላታት ብጨረታ ክሽየጡ ዘርኢ ዶክዩሜንታሪ ድሕሪ ምትሕልላፋ ኢዩ ተኣዊጁ ። ብዓብዩ እቱ ዝተርአየ ሥእሊ ብበዝሂ ናአፍሪካውያን ምኳኑ ክህሰብ ከሎ ድማ ኢትዮጵውያን ህሉፍ ንምስራህ ዘገድደና ኩነታታት ከምዘሎ ንዝክር ኢና ፡፤ እቶም አብሊብያ ሰማእት ዝኾኑ ኢትዮጵያውን አብ ግምት ብምእታው  ኢትዮጵያ ፍሉይ ግደ ክህልዋ ከምዝግባእ ይእመን ፡፡

ማህበረሰብ ዐለም አብ ዝሓለፈ  ወርሒ መስከረም ነቲ ምስሊ ናይቶም ኣብ ሊብያ ከም ናውቲ ዝተሸጡ ስደተኛታት ምስረአየ  ኣሰንቢዱናን ሕልናና ተንኪፍዎን ከምዝነበር ብምዝካር ዜጋታትና ናይዚ ዝዐይነቱ መስካህክሂ ገበን ግዳይ ከይኾኑ  አትሪርና ምስራህ ንጽባህ ዘይብሃል ዕዮ ገዛ ክኸወን ይግባእ ፡፡ ነዚ ምንቅስቓስ ድማ እቱ ሥራህ ብህታዊ ናይ መንግሥቲ ሥራህ ከምዘይኮነ ርዱእ ብምግባር ዜጋታት እቱ ጸገም ንምእላይ ክንሸባሸብን ከንወሳወስን ከምዝግብአና ምፍላጥ የድሊ፡፡