Tigrigna

ነቱ ለውጢ ተኸቲሉ ሀዝውን ዲፐሎማሲያ ዐወት ተረኺቡ

By Admin

August 19, 2018

ነቱ ለውጢ ተኸቲሉ ሀዝውን ዲፐሎማሲያ ዐወት ተረኺቡ

ብፍቕረ ሰላም

ነቱ ሐዱሽ መንገዲ ለውጢን ብሐፈሽኡ ድማ መንገዲ ፍቕርን ሐድነትን ይቅረታን መበገሲ ብምግባር  ፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ  ዕላማን ራኢን  ዘለዎም  ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ  ዝተፈላለየ ሐሳብ ዘለዎም ውድባት  ኣብ ውሽጢ  ሃገራቶም ኮይኖም ክቃለሱ ዘይንፈግ መሰል ከምዘለዎም ነዚ ዕድል ስለዝሳኣኑ እዮም ካብ ዓዶም ወጺኦም ብዝብል ብዝገብርዎ ዕድመ ተናሐናሕቲ ውድባት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ መንገዲ ንክቃለሱ ዝሐሸ  ሃዋህው ተፈጢሪሎም ፡፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ብፍላይ አብቀርኒ አፍሪካ ዘለዋ ሃገራት ብዐብዩ ድማ ምስ ምዕራባውያን ዓበይቲ ሃገራት ብዘገበርዎ ውህሉል ዲፐሎማሲዊ ርክብ ድማ በብእዋኑ ዐበይቲ ዲፐሎማሲያዊ ዐወታት እነዳተረኸቡ  አብኢድ እታ ሃገር አበይቲ ዲፐሎማሲዊ ዐወታት ክረከቡ ተኻኢሉ ፡፡

በዚ አቢሉ ንአብነት  አብዝሰሙን ክቡር ቀዳማ ሚኒስትር አብይ አህመድ  ምስ ሰብ ሃብቲ ህቡራት ዐረብ ኤሚሬትስ ብሃባር አብ ጅማ ዝርከብ ኢንዳስትሪያል ፓርክ ንምርአይ አብዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት አብቱ ሰሙን  ካብእተረኸቡ ዲፐሎማሲያዊ ዐወት ከምሐደ ምውሳድ ይክአል ፡፡ ካብቱ ዲፐሎማሲያዊ ዐወት ንላዕሊ ድማ ማህበረቑጠባዊ ረብህኡ ዕብይ ዝበለ ምኳኑ ምርዳእ የድሊ ፡፡ እቱ ኢንዳስትሪያል ፓርክ አብውሽጢ ሃገርና ብዘምርቶ ምህርቲ እነዳዐበየ ፤ ናብ ወጻኢ ንምልአኽን ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ብዝገብሮ  ቑጠባዊ ረብሃ ንምምእባል ዘለዎ ግደ ቀሊል አይኮንን ፡፡ አብቀጻላይ ዕማሙ ድማ እታ ሃገር ከምሃገር ማእኸል ኢነዳስትሪ ንምግባር አብዝግበር ምሽብሻብ አብይ አበርክቶ ከምዝህልዎ ይእመን ፡፡ ከምዚዐይነት ሥራህቲ አብምእባለ እታ ሃገርና ዘለዎም ረብሐ አብይ ምኳኑን ትርጉሙ ድማ ገዚፍ ምኳኑ ምርዳእ የድሊ ፡፡ ከምዚ ዝዐይነቶምን አብይ ተስፋ ዝሰነቑ መደባት ድማ ብሰንኪ ገለ ገለ ቕልውላው ከይፍሽሉ ህዝቢ ዋርድያ ኮይኑ ብንቕሐት ክህብህቦም ይግባእ ፡፡

ናይ ሃገርና ሐዱሽ መንገዲ ሐድነት ፍቕርን ይቕረታን እቱ ቅድም ክብል ዝነበረ  ዲፐሎማሲዊ ከይዲን ዓቕሚን ፣ ኣቓልቦን  ጻዕርን  እነዳሰሰነ ክኸይድ ከሎ ናብ  መሰረታዊ ዕማማት  ልምዓት ክውዕል ባይታ ይፍጠረሎ ፡፡ በሰንኪ ናይ ሐጺር ግዘ ቅልውላውን ዘይምርግጋዕን እቱ ሐዚ ዝርከብ ዘሎ ዲፐሎማሲዊ ዐወት ከምውሳናይ ህዝባዊ ዐወት ብምውሳድ ናብ ቑጠባዊን ማህበራዊን ዐወት ምቕያር ወሳናይ መደብ ክኸውን ይግባእ ፡፡  እቱ  ሀዚ ብኹሉ መለኪዒታት ናብ ንቡር ዝምድና ዝጽምበር ዘሎ ርክብ ሃገር ምስ ሃገር ድማ ፤ ናብ ፖለቲካዊ  ምትሕግጋዝን  ቁጠባዊ  ውህደትን  ከምርሕ  ዘኽእል ምዕባለ‘ዩ ።

ኣብ ጉዳይ ሰብኣውን ፖለቲካዉን መሰላትን ካብኡ ሐሊፉ ድማ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝረኣይ ዘሎ ምዕባለታት ዘሕጉስ ምኳኑ ብዝህ ዝበላ ማዕኸላት ዜናውን ይህብራ ፤ አብውሽጢ ሃገርን ኣብቲ ዞባ ቐርኒ አፍሪካን  ዓቢይ ኣወንታዊ ለዉጢ ክመጽእ ከም ዝኽእል ዘርኢዩ ምልክታታትን ብጋህዲ ይርአይ አለዉ ። ካብኡ ሐሊፉ ድማ ምስ ምእራባውያን ዐበይቲ ሃገራት ብዝተገብረ ዲፐሎማሲዊ ርክባት ፤ ንአብነት ምስ መንግስቲ እንግሊዝ ብሳዕቤን ግህሰት ሰብአዊ መሰላት አቢሉ ሐርፊፉ ዝነበረ ዲፐሎማሲዊ ርክብ ናብ ንቡር ተመሊሱ ፡፡ በዚ አቢሉ ድማ እቱ ዲፐሎማሲያዊ ርክብ ናብ ቑጠባዊ ረብሐ ተሰጋጊሩ ድሮኳስ ብባህሪ ተሳጋሪ ህብረት ልምዐቶም አቢሉ ዝተረኸበ ድጋፍ ንክልቲአን ሀገራት ርክብ ናብ ዝሐሸ ምእባለ አሰጋጊርዎ ፡፡

በቱ  ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ዲፐሎማሲያዊ ምስ ጎራብቲ ሃገራትን ብዐብዩ ድማ ምስ ዓለም ሃገራት  ነባሪ  ሰላም  ክመጽእ እንተኾይኑ እቱ ዕማም  ንፖለቲከኛታት ጥራሕ ክግደፍ ዘይኮነስ  መራሕቲ ሃይማኖት ፤ ክኢላታትን  ማሕበራት ሓፋሽን ብንጥፈት  ዝሳትፈሉን ዝዛተያሉን  መንገዲ ክረአ ኣለዎ ፡፡ እዙ ህብረት እዚ ንምርጓድ ድማ እቱ ኢኒሼቲቨ ናይግድን ካብ ወገን መንግስቲ ክመጽእ አለዎ ተባሂሉ አይእመንን ፡፡ ኩሉ ደድርሻኡ እንዳተዋጸአ እቱ ሀዚ ተረኺቡ ዘሎ መንገዲ ሰላም ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምስግጋር ከምዝክአል ምእማን የድሊ ፡፡

እቲ ዲፐሎማሲያዊ ርክብ እንተተማሓይሹ ኣብ መንጎ ሃገራት ምስ ሃገራት ወይክዐ  መንግስታት ምስመንግስታት ቀዲሙ ጠመተ ክግበረሉ ዝግባእ ዕማም ንግዳዊ ርክባት ፣ ጻጥታን ደሕንነተን ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ ፡፡ ሞንጎኝነት ካልኦት ሃገራት ክህሉ ባህርያዊ‘ኳ  እንተኾነ  ድሩት ክኸዉንን  ዋንነት ናይዚ ዲፐሎማሲዊ ረክባት  ኣብ ኢድ እዘን ጎራብቲ ሃገራት ክኣቱ  ይግባእ ፡፡ ኩለንትናዊ ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ብኸቢድ ተተንኪፉ ከኸተሎ ዝኽእል ኩነታት ካብሀዚ ጀሚርካን  አሚትካ ብምህሳብን ሰትራቴጂካዊ መፍትህታት ምምሀዝ የድሊ ፡፡

እቱ ሀዚ አብ ሃገርና ተጀሚሩ ዘሎ ፍሉይ ፖለቲካዊ ከይዲ  ሰላም ዘእንፍት ምዕባለ ኮይኑ ይርኣይአሎ ፡፡ ፍሉያት ልኡኻት በብእዋኑ አብሃገርና ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደት ምስሊ ሃገርና ብምልዋጥ ዐብይ ግደ አለዎ ፡፡ ናይ ኤርትራ መንግስቲ አብ ልዕሊ ተቓወምቲ ኃይልታት ብዘህደሮ ጸቕጢ ፤ ናብ ሃገሮም ብምእታው ብሰላማዊ መንገዲ ንክንሃነሁ ምግባር አብይ ፍጻመ እዩ ፡፡ ካብኡ ሐሊፉ ድማ ናይ ዐሰብ ወደብ ብአረብ ኤሚሬትስ አቢሉ  ብምጽጋን ናብ ንቡር ግልጋሎት ንክአትው ምገባርን ፤ ናይ ምጽዋእ ወደብ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ወፃእን አታዊን ንግዲ አብምትህልላፍ ፍሉይ ግደ ንክጻወት ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ናብ ዝሐሸ ማህበረ ቑጠባዊ ምዕባለ ከሰጋግር ከምዝኸእል ብምእማን እቱ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ አዎነታዊ መንቅስቓስ ምርጓድ ንጽባህ ዘይብሃል ዕዮ ገዛ እዩ ፡፡ ሠናይ ክራማት