Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ንሰላም ዓቕሚ ዝፈጠረ  ዲፕሎማሲ …!

0 623

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ንሰላም ዓቕሚ ዝፈጠረ  ዲፕሎማሲ !

 

ብሰናይት ዮሃንስ

 

ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ናብ ሰላማዊ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕግጋዝ ንክመፃ ላዕሊ ታሕቲ ይብሃል ኣሎ፡፡ እዚ ነቲ ዲፕሎማሲ ዕዉት ንምግባር ክኾን እንከሎ እቲ ናይ መወዳእታን ወሳኒን ሽተኡ ግና ሃገርና ድኽነት ንምድርማስን ልምዓት ንምርግጋፅን እትገብሮ ፃዕሪ ንምዕዋት ከምዝኾበ ፍሉጥ እዩ፡፡

 

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር አብይ አሕመድ ኣብ ኣሜሪካ ዘካይድዎ ፁደት ዕላምኡ ኩሎም ህዝብታት ሃገርና ሰላም ፈጢሮም ብሓደ ተሓጋጊዞም ዝነብርሉ ኩነታት ንምፍጣር ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ፡፡ በዚ መዳይ  ምስ ነበርቲ ኣሜሪካ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ብዝገበርዎ ምይይጥና ዘተን ድማ ቀሊል ዘይብሃል ረብሓ ከምዘለዎ ክንግንዘቦ ይግባእ፡፡ ቅድሚ ናብ ኣሜሪካ ምምራሖም እውን  ኣብ ውሽጢ ዓዲ እውን ኣብ ትሽዓተ ክልላት ተንቀሳቂሶም ምስ ህዝቢ ከምዝተመያየጡን ምርድዳእ ከምዝተፈጠረ ይፍለጥ፡፡

 

ናይዚ መቐፀልታ ድማ  እቶም ቀዳማይ ሚንስትር  ናብ ኣሜሪካ ከይዶም ምስ ዲያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ብምዝርራብ ቀፃሊ ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ክርከብ ክኢሉ። መፅናዕታት ከምዘርእይዎ ኣስታት ሓደ  ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ሃገርና ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ይርከቡ፡፡ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ዑደቶም ነቶም ንነዊሕ እዋን ተፈላሊዮም ዝነበሩ ፓትሪርካት አሳኒዮም ናይ ኩሉ ዲያስፖራ ድጋፍ እውን ረኺቦም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ዲያስፖራ ንሃገሩ ማዕልታዊ ዓሰርተ ዶላር እናዋፅአ ሃገሩ ከምዝሕግዝ ቃል ኣትዩ፡፡ እዚ ዓብዪ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት እዩ፡፡

 

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ኣብ ሓበራዊ ተረባሓይነት ዝተመስረተ ዲፕሎማስያዊ ርክብ እናተጠናከረ ይመፅእ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ነቲ ዝተጀመረ ፀረድኽነት ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎ ሙሁራን ይገልፁ፡፡ እቶም ሙሁራት ኢትዮጵያ ብፍላይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ርክብ ዲፕሎማሲ እናተጠናከረ ከምዝመፀን ሐዚ እውን  ዝያዳ ይጠናኸር ከምዘሎ ይላበዉ፡፡

ኣብቲ ህገመንግስትን ፓሊሲ ጉዳይ ወፃእን ብጋህዲ ከምዝርአ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነት ትኹን ሃገር ስጡምን ኣብ ሓበራዊ ተረባሓይነት ዝተመስረተን ርክብ ምጥንካር ዝብል ዕላማ ዝሓዘ’ዩ ዝበሉ እዩ፡፡   እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ቃልሲ ፀረ-ድኽነት ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ኤሽያ፣ ኣውሮፓ፣ ላቲን ኣሜሪካን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዘለዋ ርክብ ብዝለዓለ መልክዑ ይጠናከር ከምዘሎ እሙን እዩ፡፡ ቅድም ክብል ዝነበራ ርክብ  ብዜካ ምስ ኤርትራ ምስ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ካብ ግዘ ናብ ግዜ ይጠናኸር ነይሩ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኤርትራ እውን ተደሚራ ትርከብ፡፡

ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ዘሎ ፓለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ መሪሕነት ሒዛ እናተንቀሳቀሰት ፀኒሓ’ያ፡፡   ሐዚ’ውን ብፍላይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ርክብ ክጠናከር ትሰርሕ ከምዘላ ሰብ ስልጣናት ይገልፁ፡፡ ሃገርና መስኩለን ሃገራት ቀርኒ አፍሪካ  ብቁጠባን መሰረተ ልምዓትን ንምትእስሳር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዘለውን እዚኦም ኣጠናኪራ ንቅድሚት ክትስጉም ይግባእ፡፡

መንግስቲ ኣብ ህንፀት ዲሞክራስን ቑጠባዊ ልምዓትን ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ዘሕድሩ ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ  ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብመዳይ ቑጠባ ይኹን ዲፕሎማሲ ከምኡ’ውን ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ምዕሳል ውፅኢታዊ ስራሕቲ ወጊና እያ።

ጎና ጎኑ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ተሰማዕነታ ምዕባይ ዝኸኣለት ኾይና ኣብዚ ሓዱሽ በጀት ዓመት ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝሕልው ክልትኣውን ካልኦት ርክባትን ከምዝህልዋ እውን መንግቲ ይገልፅ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ኽልቲኣዊ ርክብን ምትሕብብርን ምጥንኻርን ምስ ኻልኦት ሃገራት ዓለም ዝህልዋ ርክብ ዲፕሎማሲ ቑጠባ ቐዳምነት ከምዝወሃቦ እውን  ብተግባር ይርአ ኣሎ፡፡

ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሶማሊያን ዘሎ ዘይምርግጋዕ ብናይ ባዕለን ውሽጣዊ ዓቕሚ ክፈትሐኦን ኣብቲ ኸባቢ ሰላምን ምርግጋዕን ክዓስልን ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዛ ቐፃሊ ኮይኑ ኣ ውሽጢ ዓዲ እውን ሓሓሊፉ ዝርአ ዘሎ ናይ ሰላም ምድፍራስ ንምፍታሕ ዋላኳ መንግስቲ  ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ይሰርሕ እንተሃለዎ ብዋናነት ነዲ ሰላምን ሰናይ ጉርብትና ኣብ መንጎ ክልላትን ሃገራትን ዝግበር ፃዕሪ በወሳናይ ደረጃ ህዝቢ ዝፍፅሞ ከምዝኾነ እሙን እዩ፡፡

ብኻልእ ወገን ንስራሕቲ ልምዓት ዓቕሚ ዝፈጥሩ ሰብ ሃፍቲ ምስሓብ፣ ቱሪዝም ምዕባይ ትኹረት ዲፕሎማት ብምዃኖም ፍሉይ ጠመተ ተዋሂቡ ይስርሃሎም ከምዘሎ ይፍለጥ። ተለዋጢት ኣባል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣደ መንበር ኢጋድ፣ ዝኾነት ኢትዮጵያ አብዚ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባዊ፣ ኣህጉራውን ዓለምለኻዊ ትካላትን ዘለዋ ተሳትፎ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ናይ መላእ ህዝቢ ድልየት ከምዝኾነ ይእመን።

መንግስቲ ኣብ በጀት ዓመት 2011 እውን ንኢጋድ ብምጥንኻር አብ ቐጠና ምብራቕ አፍሪካ ሓደ ማሕበረሰብ ቑጠባ ብምፍጣርን ብምጥንካርን  ኣጀንዳ 2063 ኣብ ምግሃድ ኢትዮጵያ ዘለዋ ግደ መሪሕነት እትፍፅመሉ ዓመት ከምዝኸውን ናይብዙሓት እምነት እዩ፡፡ እዚኦም ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ሃገርና ድኽነት ንምንካይን ልምዓት ንምዕዋትን ኣብ እርገብሮ ቃልሲ ዕዙዝ ተራ ከምዘለዎ ይፍለጥ፡፡ እዚ ሐዚእውን ተጠናኪሩ ንክቅፅል ናይ ኩሎም ህዝቢታት ሃገርና ሓገዝን ደገፍን የድሊ፡፡

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy