Tigrigna

አብ ድልየት መናእሰይ ዝተደረኸ ዕማም ናፃ ግልጋሎት

By Admin

August 12, 2018

አብ ድልየት መናእሰይ ዝተደረኸ ዕማም ናፃ ግልጋሎት

                                                      ብፍቅረሰላም

አብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ክብሃል ብዘኽእል ኹነታታት መናእሰይ ሀዚ ሰላማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዕማም ዩኒቨርስቲታት ትምህርቲ ዛዚሞም አብ እላዊ ዕረፍቲ ይርከቡ፡፡ በዚ አቢሎም ድማ ብፍላይ በቱ ሀዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ምኽንያት ናብ መረበቶምን ናብቶም ብሃነቀውታ ዝጽበይዎም ዝነበሩ  ወለዶምን ክጽነበሩ ከለዉ አብውላድን ወለድን ክፍጠር ዝኽእል ስሚኢት ንንህድህድና ንምርዳእ አይከብደናን፡፡ ብፍላይ ቅድሚ አዋርህ ብጸረ ሃይልታት ሰላምን ግብረሽበራን ተደናጊጾም ነናብ ከባቢኦም ዝተመለሱ ተምሃሮ አብቱ እዋን ሰላም ብምርካቦም ናብ መኣዲ ትምህርቶም ተመሊሶም ስርዑ ትምህርቶም ምክትታል ጀሚሮምን  ዛዚሞምን ክምለሱ ከለዉ ዋጋ ሰላም ክንደይና ምኳኑ ክንርድኦ የኽእለና ፡፡ አብቱ ሀዚ እዋን ብፍላይ እቱ ቅልውላው ምስሀለፈ ብኣዉርኡ ህይወት ሰብ ብከንቱ ክይጠፍእን ንብረት ድማ ክዐኑ ፤ ከምዘይብሉን እቶም ተምሃሮ ናብ ልቦም ተመሊሶም ምስትንታን ከምዝጀመሩን ትምህረቶም ብሰላም ብምክትታል ዕማሞም ዛዞሞም አለዉ፡፡  ህድእ ኢሎምውን ተንኮልን ሸርህን ጸረ ሰላም ሃይልታትን ግብረሽበራን ውኢሎም ሀዲሮም ብዒሊ እንደበረሀሎም ከምዝመጸ ካብቶም ተምሃሮ ዝርክብ ዘሎ ሀበሬታታ ብዕሊ የረድእ ፡፡

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ማሕበረ ቑጠባዉን ፖለቲካዉን ርክባት ዜጋታት እታ ሃገር ከሐርፍፉ ዝኽእሉ ጸገማት ብምፍጣር ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ተምሃሮ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ”መንነት” ትኹረት ገይሮም ብዝተልዓሉ ጎንጽታት መልክዕ እታ ሰላማዊት ሃገር ጸሎሎ ንምኽዳን  ላዕልን ታህትን ዝሸባሸቡ ዝነበሩ ኃይልታትውን ተስፋ ቖረፁ ፡፡ እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ ንቡርን ስሩዕን ሥራህተን ከምዝተመለሳ ምስተረጋገጸን ጸምሃሮ ብስሩእ ትምህረቶም ምስዛዘሙን ፤ ብፍላይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ብተወከልቶም አቢሎም አብዝገበርዎ ምልዛብ ፤ ድህሪ ሀዚ ምስህዝቦምን አናእሽቶን ሃቶምን ብምህባርን ሰላማዊ ልዝብ ብምክያድን እቱ አብሃገሮም ተረኺቡ ዘሎ ሰላም መሊሱ ንከይእንቀፍ ቀትርን ለይትን ብምስራህ ሃገረይ እንታይ ሰራሂትለይ እንተይኮነስ ንሃገረይ እንታይ ክሰርሃላ ብዝብል ሃገራዊ ውፍይነት ንምትግባር ምልዕአሎም አዚዩ ዘሀብንን ዘኹርዕን ስራህ እዩ ፡፡    

ብፍላይ ተምሃሮ ዐብይ ትካላት ሀዚውን ብምኽንያት አብ አባይቲ ዐበይቲ ትካላት ዩኒቨርሲቲ ዝረኸብዎ ፍልጠት ንህዝቦም ብናጻ ንምግልጋልን አብእዋን ዕረፍቶም ምስ ስድርኦምን ብሐፈሽኦ ድማ ምስ ህዝቦም አንዳተላዘቡን ናይ ሰላም ዋኒነት ብምስባኽን ዐብይ ትርጉም ዘለዎን ሥርሂት ንክስርሁ ትፅቢት ይግበር ፡፡ በዚ አቢሎም ድማ  እቱ እኩይን መሰሪን አታሃሳስብኦም ዘይበለየ ሸረኛታት እቱ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ናጻ ግልጋሎት ዝሞናጎየሉ ዝተፈላለየ ሜላ አይፈጠሩን አይብሃልንሞ ፤ ነቒህኻን ተጎጂልካን ብአካዳሚያዊን ስነልቦናዊን ናውቲ ተአጢኻ፤ ምሽብሻብ ከምዘዲሊ ክፍለጥ አለዎ ፡፡ ተዘይኮነ ብገለ ገለ ጠልቆምቆም ዝእከባ ሳንቲማት ልዕኽቶ ጸረ ሠላም ኃይልታት ንምፍጻም ላእልን ታህትን ብዝብሉ ሥሩዓት እቱ ሀዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ርጋዕትን መሊሱ ከይህንፈሽ ትኹረት ሂብካ ምሽብሻብ ምክትታልን የድሊ እዩ፡፡

እቱ ተባዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኽፍእ ዝበለ ኹነታት ከይፍጠር ቅድም ኢሉ ዝገበሮ  ውህሉል ጻዕሪ ከመተሞክሮ ብምውሳድ ካብ ዝሃለፈ ኩነታት እንታይ ተማሂርና ብኸሜይስ ክሃድእ ክኢሉ  ኢልካ ዝተፈላለየ ግምገማዊ ስልጠና ብምህንጻፅ ፤ መናእሰይ አብምዕሳል ሰላምን ምርግጋእን ክጻወትዎ ዝኸእል እማም ብምምሃዝን ናይ ሰላም መንገዲ ውሩያት ተዋሳእቲ ጌርካ ብምቕራጽን አብ መዳይ ልምዐትውን ፈላማይ ተዋሳእቲ ንምግባር ኩሉ ህዝቢ ክሸባሸብ ይግባእ ፡፡ እቱ ሀዚ አብ ኢድ ህዝቢ አትዩ ዘሎ ዐወት ሰላምውን ንድህሪት ከይምለሥ ካብ መናእሰይ ንላዕሊ ሐላፊነትን ዋኒነትን ክወስድ ዝኽእል ኃይሊ አይህልውን በዚ መዳይ እዚ ተሪር ትልሚን ፍፃመታታትን ብምረጓድ ክስራህ አለዎ ፡፡

ድህሪ ሀዚ ግዳይ እዚ ጸገም ክኸውን ዝግብኦ ተምሃራይ ክህልው የብሉን፡፡ ምስቱ ጽባሕ ንዝህልወና ዘይኾነስ ሎሚ ንዘላ ህይወትና ነቐድም  ካብዝብል ዕላማ ብምእርናብ ብህልፊ ናብ ስድርኡ ተመሊሱ ዘሎ ተምሃራይ ሥነልቦናዊ መበረታትእን ናይ እታ ሃገር ህልው ኩነታታት ብምሽጽንጻን ፤ ጸላኢ ክምዝምኖዮን ከምዝምህዞን እንተይኮነስ አብዝሃይሸ ኹነታታት ከምንርከብ እግሪ ብእግሪ እንዳተኸታተለ ከንቅህ ዝኽእል ሃይሊ ሓላፊነት ወሲዱ ከተባብዕ ይግባእ፡፡ ተዘይኮነ ፀገም ክፍጠር ከሎ ሐዊ ንምጥፋእ ዝግበር ምሽብሻብ ናይ ሓደ ቕነ እምበር ዘላቒ መፍትህ ክኸውን ከምዘይኽእል ብዕሊ ክፍለጥ አለዎ፡፡

አብቱ ዝመጽእ ዘሎ  ዘመነ ትምህርቲ ካብ ዝጅመር አቐዲምካ ክመጹ ዝኸእሉ ጸበበታት ብምእማትን መፍትሒኦም ብምህንጻጽን ክፍጠር ዝኽእል ጸገማትን ጸበባትን አቐዲምካ ብምንስልሳልን  ተገቢጡን ፤ ምስ መፍቲህኡ ቀዲሙ ክዳለው ይግባእ ፡፡ ሰናይ ከራማት፤