Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ኣብ ዓውዲ ሰላም …!

0 452

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ኣብ ዓውዲ ሰላም …!

ዓመቐፀቑ

ኣብ ሓደ ሃገርናን ዞባ ቀርኒ አፍሪካን ሰላም እንድኣ ተረጋጊፁ ንኹሉ ዓይነት ነገር ፅኑዕ መሰረት ኮይኑ ከምዘገልግል ይእመን፡፡ ሰላም ብቁፅራዊ ይኹን ብርእይታዊ መለኪዕታት ዋጋ ክወፅአሉ ዘይክእል ኣብዚ ዓለም ካብዘሎ ኩሉ ነገር ዝያዳ ዝዓበየን ረብሓ እዩ፡፡ ሰላም  ዘይልካዕ ግን ድማ ዝልዓለን ዝኸበረን ዋጋ ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡፡ ኣብ ሰላም ዋላ ሓንቲ ኣሉታዊ ክስተት ኣይርከብን’ዩ፡፡ ዋጋታት ሰላም ብሙሉአን አወንታዊ ሃናፃይን እየን፡፡

ኣብዚ እዋን እዚ ሃገርና ተካይዶ ዘላ   ፃዊዒት ሰላም ንሃገርና ዝጠቅም እዩ፡፡ እቲ ናይ ሰላም ድልየት ንኩሉ ህዝብታት ዝሓቁፍ እምበር ንሓደ ኣቅርቡ ንኻልእ ዘርሕቕ  ክኸውን አይኽእልን፡፡   ንሓደ አቅርቡ ንኻልእ ዘየርሕ ተኾይኑ  ንሰላም ዝፃባእ ስለዝኾን ኣብ መንጎ ህዝብታት ምፍንታት ክፈጥር ይኽእል፡፡ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ንምፍጣር  ምንቅስቓስ ንዝገብሩ ጥዕና ዘይብሎም ፍጡራት ኩሉ ህዝቢ ሃይ ክብሎም ባህርያዊ’ዩ፡፡

መንግስት እቲ ዘተ ሰላም መሰረት ብዘለዎ መንገዲ ጀሚሪዎ እዩ፡፡ ብቀፃሊ ህዝቢ ዘሳተፉ መድረኻት ክዳለዉ ከምዝኾነ ምንም ዓይነት ጥርጥር የብሉን፡፡   ህዝቢ ከየሳተፈ ዝከናወን ምንም ዓይነት ነገር ክህሉ ኣይክእልን፡፡ ህዝብና ነዚ ተገንዚቡ ንሰላምን ንለውጥን ጠጠው ክብል ኣለዎ፡፡

ህዝቢ ሰላም ይደሊ፡፡ ደቁ ብሰላም ወፂኦም ክኣትዉን መክሰቡ ብሰላም ከነዳይን እዩ ዝደሊ፡፡ ሰላም ንህዝብታት ዘለዎ ረብሓ ተዘርዚሩ ኣይውዳእን፡፡ ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ሓፋሽ ቅድም ክብል ከምእትዘርግሐ እቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዘርጊሑ ዘሎ ኣንፈት ሰላም ብህዝቢታት ክልቲኤን ሃገራት ተቐባልነት ምርካቡ መበገሲኡ ህዝቢ ንሰላም ዘለዎ ድልየት እዩ፡፡ እዚ ኣብ ኣብ ክሊቲኤን ሃገራት ዝግበር ናይ ሰላም ዘተን ስምምዓትን ንቀርኒ ኣፍሪካ መዋሲ ሚና ከምዝህልዮን ነቲ ዞባ ምርግጋፅ ሰላም  ዓብዪ ጊደ ከምዘለዎ ሙሁራት ይዛረቡ፡፡

ቅድም ቀዳድም ሰላም ዘረጋግፁ ኩነታት ብምፍፃምን ሰላም ብምርግጋፅን ኣብ ክንዲ ሰላም ኮይንካ ከኣ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ህዝቢ ብኣግባቡ ዝምለሰሉ መገድታት ምቕፃሉ ሎሚ ኣሎ ፅባሕ ክቕፅል’ዩ፡፡  ድሕሪ ፅባሕ ክህሉ’ዩ፡፡ ሰላም የድልየና’ሎ ዕርቂ ንግበር ኢሉ ዝተበገሰ ዝኾነ መራሒ ህዝቢ ሰላም ክረክብ ኣለዎ ካብ ዝብል ድሌት ዝነቅል ስለዝኽእል ሕቶ ህዝቢ ብግቡእ ክምልስ እውን ድልው ከምዝኾነ ንምእማት ይክኣል፡፡

ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩሉ ነገር ሕጋዊ መስርሕ ክኽተልን ኣውራ በዓል ዋና ናይ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ብምዃኑ ድማ ነቲ ዝደልዮ ዘሎ ለውጥ ንምምፃእ ኣብዝግበር ፃዕሪ ብንጡፍ ክዋሳእን ግቡእ እዩ፡፡ ስለዚ ካብቲ ለውጢ ክርባሕ እየ ኢሉ ክብገስ  ግቡእ እዩ፡፡ ኢሉ ብቆራጽነት ክብገስ ኣለዎ፡፡ እንተድኣ ሕቶ ህዝቢ ዘይምለስ ልዕልና ሕጊ ዘይነግስ፡ ንህዝብኻ ብዓይኒ ጽልኢ ምጥማት ተሃልዩ ግን ሐዚ እውን ገና ነዊሕ መንገዲ ምጉዓዝ የድሊ፡፡

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ልዕሊ ኩሉ ንህዝቢ ዝጠቅም’ዩ፡፡ እቲ ዝነበረ ኩነታት በሓፂሩ ምድህሳስ ግቡእ ይመስለኒ፡፡ ኣብ ዓመተ 1998 ዝተወልዔ ዶባዊ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ፡ ብኣማኢት ኣሸሓት ንዝግመቱ መንእሰያት በሊዑ ኣሰንኪሉ ዓድታት ኣብሪሱ እዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እውን ንሚልዮናት ዜጋታት ካብ መረበቶም ኣፈናቒሉን ንዋትን ገንዘብን ሃገር ሃደሽደሽ ኣቢሉን ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝቐጸለ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ሃዋህው’ውን ዝያዳ ልዕሊ ኩሉ ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን  ዘግደዔ ህሞት’ዩ ነይሩ፡፡

እነሆ ድሕሪ 20 ዓመታት እቲ ዝነበረ  ምትፍናን ፈሪሱ ሓድሽ ድልድል ዕርቅን ሰላምን ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ እዚ ንህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ዘለዎ ረብሓ ብቀሊል ዝግመት ኣይኮነን፡፡  እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዘላቒ ብዝኾነ መገዲ መዕለቢ ንክግበረሉ ከዓ መንግስትና ይሰርሕኣሎ፡፡ እቶም ክልተ መንግስትታት ኩሉ ዓይነት ስምምዕ ምስገበሩ ምስህዝቦም ከመይ ክፍፀም ከምዘለዎ ዝዝትይሉ መድረኻት እውን ክህሉ እዩ፡፡

እዚ መስርሕ ሰላም ብወገን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተወሰደ  ተበግሶን ፃዕርን ዝንኣደን ደገፍ ዘድልዮን እምበት ከምቲ ዝብሃል ዘሎ ህዝብታት ንካልእ ወገን ኣሕሊፉ ዝህብ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ክንድግፎን ናብ ፍፃመ ንክበፅሕ እጃምና ክንገብር የድሊ፡፡

ብወገን እተን ሃገራት ዝፍረም ውዕል ሕጋዊ ፀገም ከምዘይብሉ ህዝብና ክርዳእ ይግባእ፡፡  

ህዝቢታት ክልቲኤን ሃገራት  ሕቶ ጉዳይ ዶብ መወዳእታ ክረክብ ብዙሕ ዓመታት ዝሓቶ ዝነበረ ብምዃኑ  እቲ ሐዚ ዘሎ ስምምዕ ከዓ ዝያዳ ነባሪ ሰላም ክፍጠር ክኢሉ ኣሎ፡፡ ብምኽንያት ኩነታት ኣይ ኵናት ኣይሰላም ደው ኢሉ ዘሎ ትግባረ ቅዋም፡ ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካን ሃይማኖትን፡ ገደብ ግዜ ሃገራዊ ኣግልግሎትን፡ ምቋም ሃገራዊ ባይቶን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ናብ ምትግባር ምስተበፅሐ ናብ ኢኮኖሚያዊ ምትህብባር ክእቶ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ንክልቲኦም ህዝብታት ዘለዎ ረብሓ ዝልዓለ ከምዝኾነ ምግንዛብ የድሊ፡፡ እዚ ከይዲ እዚ  ውሽጣዊ ሰላም ህዝቢታት ክልቲኤን ሃገራት ዝደገፍዎ ብምዃኑ ረብሓኡ ዝልዓለ እዩ፡፡

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy